2017-10-24 16:13:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ተኦፊሎ ሳልሳይን


ከምቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝደልዮ፥ ናይ ምሉእ ዕርቅን ሕውነታዊ ሱታፌን መጻኢ ንምህናጽ ህርኩት ናይ ሓባር ጻዕሪ ነበግስ፡ ነዚ ተግባር’ዚ ዘይምትጋህን ኣብዚ መዳይ ዘይምዕያይ እዚዩ እቲ ዝዓበየ ናይ እዋናዊ ገበን እዩ ዝኸውን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራችንስኮ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተኦፊሎስ ሳልሳይ ተቐብሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ክኸውን እንከሎ። ብፁዕ ወቅዱስ ተኦፊሎስ ሳልሳይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ዓ.ም. ብፁዕ ወቅዱስ ተኦፊሎስ ሳልሳይ ቅዱስ ኣቦናን ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብምስናይ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ መቓብር ዘእግዚእነ ንዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሞሳ ምዃኑ ነቲ ዝተኻየደር ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ቡሶሎ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲትያን ናብ ሓድነተ ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ እናማዕበለ ክኸይድ፡ ሓቀይና ድላይን ምሉእ ጻዕርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዘረጋገጹ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቡሶሎ ኣስዒቦም፥ ነዚ ዘይምኽዋን እቲ ናይ ክርስቶስ ሕጹጽ ጻውዒትን ናይ ጊዜ ምልክታን ሸለል ምባል እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ኢየሩሳሌም ሓዋርያዊ ንግደት ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ኣብቲ ናይ ጐይታና ባዶ መቓብር ቅዱስ ስፍራ ብሓባር ዘካይድዎ ጸሎትን መንፈሳዊ ንግደትን ዘኪሮም፡ እቲ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ዝተገብረሉ ዳግመ ሕዳሴ ነቲ እውነተይና ጥንታዊ መልክዑን ኩነቱን ብትኽልል እሙን ከይኑ ዝተፈጸመን ብሓቂ ነቲ ካብቲ ባዶ መቓብር ዝምንጭው ምስክርነት ዘቓልሕ እውን እዮ፡ ንዳግመ ሕዳሴ እቲ ቅዱስ ስፍራ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣርመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፍራ ዓቃብን ብሓባር ዝፈጸምዎ ምዃኑ እውን ጠቒሶም፥ ኣስዒቦም እውን ንቕድስቲ መሬት ዘድምይ ዘሎ ልዕሊ ኣሰርተታት ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ግጭት ምኽንያት ንዝሳቐዩ ቅርበቶም ከምዘረጋገጹ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

እቲ ዘሎ ዘይርጉጽ ኩነትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘሎ ዘይምርድዳእ ዘይውሕስነትን መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርታትን ኣብ ምድራትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገርን ሓዲግካ ንምስዳድ ውሳኔታት ይድርኽ ኣሎ። ምእንቲ’ዚ ነቲ ኩነት እግዚኣብሔር ክልውጦ እናተማሕጸንኩ እቶም ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ዘሎ ህልው ኩነታት ኢድ ዘለዎም ኩሎም ኣብ ፍትሕን ናይ ኵሉ ሰብአዊ ክብርን ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዝጸንዔ ርጉጽ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ብብርቱዕ ክጽዕሩ እላበው።

ምእንቲ’ዚ ብምሉእ ድላይን ሓይልን ብጽንዓትን፡ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽን ኣድልዎን ጸረ ሰብእን ናይ ኣይሁድን ክርስቲያንን እስላምን ዝውክል ናይ ኣምልኾ ቅዱሳት ስፍራን ዓመጽ ምንጻግ የድሊ። ናይ ቅድስቲ መሬት ህልው ኩነት ኵሉ ብሰላም ዝነብረሉ ስፍራ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እንተዘይኰይኑ ንዅሉ ናብ ስቓይ ዝዳርግ መዕለቢ ዘይብሉ ውጥረት እዩ ዝሰፍሕ ከምዝበሉ ቡሶሎ ኣመልኪቶም።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነብሩ ወገናት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ምሉእ ካብ ዝገብር ሓደ ክፋል ምዃኑ ኣፍልጦ ክረኽቡን ንናይ ሓባር ጥቕምን ሕንጸት ሰላምን ኣበርክቶ ዘለዎም ምዃኖም ምፍላጥ የድሊ። እዚ ኣበርክቶ’ዚ ድማ ስሉጥ ዝኸውን ኣብ መንጐ ኣብተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ወትሩ ዝብርኽ ስኒት ምስ ዝህልው እዩ።

ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራን ክርስቲያን መንእሰያትን ከባቢኦም ሓዲጐም ንኸይስደዱ ብሓባር ዝቐርብ ድጋፍ ምብርታዕን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኵለን ሃይማኖታት ሕውነት ዘማዕብል ርክብ ክረጋገጽ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ኣበርክቶ ክህልወን ድማ ኣተሓሳሲቦም፥ ምእንቲ’ዚ “ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ክኣምንሲ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኽኾኑ” (ዮሓ. 17፡ 20-26 ተመል.) ዝብል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎት ኣብ ጽርሓ ጽዮን ጠቒሶም ናብ  ምሉእ ሓድነት ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ፡ ቅዱስነቶም ሓቀይናን ምሉእ ጽዕርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣረጋጊጾም፥ ሎሚ እውን እንተዀነ እቲ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ቁስሊ ኣብ ናይ ብዙሓት ኣእምሮ ኣሰር ሓዲጉ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ምቕያር ዝከኣል ኣይኰነን። እቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ብስእነት ፍቕሪ ዝተፈጸሙ ግድፈታት ናይ ምሉእ ዕርቅን ሕውነታዊ ሱታፌን መጻኢ ኣሚትና ነቲ ጐይታ ዝተመነዮ ከንፍጽም ብሓባር ንጽዓር። እዚ ዘይምፍጻም ግና ብሓቂ ሕጹጽ ናይ ክርስቶስ ለበዋን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ዝዘርኦ እዋናዊ መልክታን ዘየኽብር ዓቢይ ናይ እዋንና ገበን እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣስዒቦም፥ እቲ ከም ግብረ መልሲ ዝተለዋወጥናዮ ሱቕታ ሓድ ሕዳዊ ምርስሳዕን ዝተለዋወጥናዮም ግዚታትን ክስታትን ንናይ ሎሚ ኩነት ሓደጋን ንናይ ዘይንጹር መጻኢ መሰረት ኰይኑ ንሓድነትን ውህደትን ንዝኣመተ ናይ ሓባር ጉዕዞና ከየሰናኽል ብሓባር ንጸልይን። ብሓባር ምእንቲ ምስፋሕ ወንጌልን ምእንቲ ድኻታትን ዝተናዕቁን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንዕየይ ምስ በሉ ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ቅድሚ ምድጋም ቅዱስ ኣቦና ንክርስቲያን ኣሕዋት ኣብ ቅድስቲ መሬት ቅርበቶምን  ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ካልኦት ዓበይቲ ሃይማኖታት ፍቑር ምሕዝነቶምን ብምርግጋጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ንኹሉ ነባሪ ዝዀነ ሰላም ክመጽእ እትስፈውን እጽልይን ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቡሶሎ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተኦፊሎስ ሳልሳይ እቲ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ብናይ ፓትሪያክ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ኣሪስታርኮስን ብሊቀ ዲያቆናት ማርኮስን ራሚ ሞግራቢን ዳአር ኤሊያስ ሞግራቢን ተሰንዮን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ውርሒ ግንቦት 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዘካይድዎ ምብጻሕን ርክብን ሞሳ ዝኣተዉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ዝቕጽል መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ቅዱስ ተኦፊሎስ ሳልሳይ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ጋላገርን ምስ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ክራኸቡ ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቡሶሎ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.