2017-10-27 15:54:00

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና


እግዚኣብሔር ሓደ’ኳ ኣብ ተስፋ ቍርጸት ዘይሓድግ ኣምላኽ እዩ

መንግስተ ሰማይ ጽውጽዋይ ወይ ከኣ ሰብ ሰርሖ ልበ ወለዳዊ ታሪኽ ዘይኰነስ ኵነት ምስ እግዚኣብሔር ምትሕቑ`ቓፍን ኣብ ሕቕፎ እግዚኣብሔር ምዃንን ማለት እዩ፡ ስለዚህ ሞት ዘየፍርሕ ይኸውን። ዝብል ዓሚዪቕ ቃለ እምነት ዘማእከለ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ክርስቲያናዊ ተስፋ ብዝብል ዓቢይ ኣርእስቲ ብዝተፈላአዩ ንኡሳን ኣርእስታት ኣሰንዮም ኣብ ዕለተ ረቡዕ ዘቕርብዎ ዝነበረ ተኸታታሊ ትምህርቶም ዕለት 25 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ገነት (መንግስተ ሰማ) ናይ እምነትና ሸቶ እዩ ብዝብል መበል 38 ኣስተምህሮ ብምቕራብ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምቕራቦም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብመንሳዊ ማሕበራትን ብጉጅለ ቁምስናታን ብውልቅን ብምሐብረሰብን ደረጃ ንዝተረኽቡ በሸሓት ንዝቑጸሩ ምእመናን እናተዘዋወሩ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ብቐጥታ ናብቲ ኣስተምህሮ ዘቕርብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ መንበሮም በጺሖም እቲ ኣስተምህሮኦም ዘመርኵዝሉ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ.23. ፍቅዲ 33 ካብ ፍቕዲ 38 ክሳብ 43 ዘሎ፥ 

ቀራንዮ ኣብ እትብሃል ስፍራ ምስ በጽሑ ኣብኣ ሰቐልዎ፤ ነቶም ገበርቲ ኽፋእ ከኣ ሓአ ብየማኑ ሓደ ብጸጋሙ ሰቐልዎም። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ ዚብል ጽሕፈት ነበረ። ሓደ ካብቶም ዝተሰቕሉ ገበርቲ ኽፋእ ውን ንስኻ ክርስቶስ ኣንተ ዄንካስ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን እናበለ ጸረፎ። እቲ ኻልኣዩ ግና ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ከሎኻኸ ኣምላኽዶ ኣይትፈርሕን ኢኻ ኢሉ ገሰጾ። ንኢየሱስ ከኣ ኦ ኢየሱስ ጐይታይ ብመንግስትኻ ኽትመጽኣ ከሎኻ ዘክረኒ በሎ። ኢየሱስ ድማ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ በሎ።

ዝብል ቃል ወንጌል ብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ቋንቋታት ምስ ተነበ ቅዱነቶም ከምቲ ልሙድ ፍቱዋት ኣሓዋተይን ኣሓተይን ሓደርኩም ቢሎም ሰላምታኦም ድሕሪ ምቕራብ

ገነት ናይ እምነትና ሸቶ እዩ ቢሎም ኣብ መንጐ መግስተ ሰማይን ክርስቲያናዊ ተስፋን ዘሎ ምትእስሳር ንምግላጽ ነቲ ኣብ የማን ክርስቶስ ተሰቒሉ ዝነበረ ፈያታውን ከምኡ እውን ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ እሞ ናብ ቤት ኣቡኡ ዝተመልሰ ኣብ ወንጌል ዝንገር ታሪኽ እናሓሰቡ፡ ኢየሱስ ነቲ ኣብ የማኑ ዝተሰቕለ ፈያታዊ ከመክሖ ዝኽእል ቢሉ ዝጠቕሶ ሓደ’ኳ ሰናይ ተግባር ኣብ ሕይወቱ ንዘይብሉ ብዘረኣዮ እውነተይና ናይ ምጥዓስ ተግባር ምኽንያት ማዕጾ መንግስቱ ጋህ ኣቢሉ ይኸፍተሉ። እቲ ኣብ የማን ክርስቶስ ተሰቒሉ ዝነበረ ፈያታዊ ናይ ነፍሲ ወከፍና እውነተይና ኵነት መግለጺ እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኩሎም ደቃቱ ብተግባር ካብ ዘርእይዎ ናፍቆት ፍቕሪ ንእግዚኣብሔር ንላዕሊ ልቢ እግዚኣብሔር ዝትንክፍን ቁጣዔ እግዚኣብሔር ዘህድእን ካልእ ሓደ ተግባር የሎን። እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ ሕክምና ኣባይቲ ማሕቡስ ዝደጋገም ተኣምር እዩ። ንቐቢጸ ተስፋ ተመሓላሊፉ ዝሕደግ ብጀካ ክፋእ እምበር ካልእ ዘይፈልጦ ዝኾነ ይዅን ሰብ ኣይክህሉን እዩ። ንጸጋ ኣምላኽ ዘይብቑዕ እዩ ቢልካ ክትፈዶ ዝከኣል ሰብ ሓደ’ኳ የልቦን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዶም ኢና። ሓደ ሰብ ናይ ሕይወቱ ሕልናዊ መርመራ ምስ ዝገብርን እሞ እቲ ግብረ ክፋእ ካብቲ ሰናይ ተግባራቱ ኣዚዩ ዝምዝን እውን ምዃኑ እተስተውዓለ ተስፋ ክቖርጽ ኣይግብኦን። ኣብ እግዚኣብሔር ክእመን ኣለዎ። እዚ እዩ እቲ ተስፋ ዘውህበና ልብና ክኽፈት ዝገብር። ክፋእ ዝተመላእኩ ሰብ እየ ይኹን ደኣ እምበር ናብ እግዚኣብሔር ክምለስ ቢሉ ቍርጺ ፍቓድ ብምግባር ልባትና ምኽፋት።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ እንክገልጹ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ እሞ ተጣዒሱ ናብ ቤት ኣቦ ምምላስ ክሕሸኒ እዩ ቢሉ ኣእጋሩን ልቡን ኣእምሮኡን ናብ ኣቦ ዘንቅል ውላድን ኣቡኡ ድማ ናይ ወዱ ምምላስ ርእዩ ናይ ቁጣዔን ከርእዮ እየ ዝብሉ ኣጻዋራቱ ኩሉ ፈቲሑ ነቲ ወዱ ብኽፍኣተይ ቢሉ ናይ ንስሓ ቃላት ንምቕራብ ኣፉ ክፍት ከብል ኣብ ሕቕፎኡ ኣእትዩ ኣፉ ይዓብሶ። ምጥዓስና ዘሰንፎ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እዩ። ገና ክትናዘዝ ኣፍካ ምስ እትኸፍት ኣፍካ ዝኸድን ሕቕፎ እግዚኣብሔር።

መንግስተ ሰማይ ኣፈ ታሪኽ ወይ ከኣ ኩለ መናኻ ዝምስጥ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዘይኰነስ ምስ እግዚኣብሔር ናይ ምትሕቝቛፍ ኵነት እዩ። ነቲ ሞትና መይቱ ስሌና በጃ ዝኾነ ኢየሱስ ምስጋና ይዅኖ ኣብቲ ኢታእላው ፍቕሪ ንኣትው። እዚ እዩ ገነት። እንክብሉ ዘረድኡ ቅዱስ ኣቦና፥ ሓደ’ኳ ስሌና ዝስቆሮን ስሌና ስሓስብን ኣብ ዘየለሉ እዋን ኢየሱስ ግና ኣብኡ ምስና እዩ። ናብቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ሰናይን ጽቡቕን ዝዀነ ስፍራ በታ ኣብ መላእ ሕይወትና ዝፈጸናያ ንእሽተይ ሰናይ ተግባርና ምኽንያት ከእትወና እዩ። ስለምንታይ ድሮ ኵሉ ብኣኡ ድሒኑ እዩ፡ ስለዚህ ካብቲ ንሱ ኣቐዲሙ ዝደሓኑ ሓደ’ኳ ዝባኽን የልቦን።

ኣብ ቤት ኣቦ ነቲ ገና ኣባና ዘሎ ክድሕን ዝግብኦ ኩሉ፡ ኣብ መላእ ሕይወትና ምስ ኩሉ ድሌታትናን ምግጋይናንትን ኩሉ ናብ ቤተ ኣቦ የብጽሓና። ቤዛ ኵሉ ኮነ። እዚ እዩ እቲ ናይ ምፍጣርና ሸቶ፡ ኩሉ ኣብ ፍቕሪ ክፍጸምን (ክድምደምን) ኣብ ፍቕሪ ክልወጥን።  ነዚ እንኣምን እንተድኣ ኰይንና ሞት ኣይከርዕደናን ኣይከፍርሓናን እዩ። ኣብዚ ዓለም ካብ ምንባርና ኣትሒዝና ብርግኣትን ህድኣትን ሞት ዘጋጥምን ዘይተርፍ ክፍሊ ምንባር ኣብ ዓለም እውን እንተዀነ ተስፋ ንገብር። ኢየሱስ ዝፈለጠ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸበ ሓደ’ኳ ዘፍርሖ ነገር ኣይክህሉን እዩ። ኣብታ እዋን እቲኣ ብኸንቱ ምንባዕ ኣባና ኣይክህሉን እዩ። ስለምታይ ብጀካ ፍቕሪ ኩሉ ሓላፋይ ስለ ዝዀነ፡ ፍቕሪ መወዳእታ የብሉን።

እንክብሉ ኣብ ክርስቲያናዊ ተስፋ ኣሞርኵይዞም ጸቕረብዎ መበል 38 ክፍሊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ንኹሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንኽዕደሉ ንዝተረኽቡ ምእመና ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.