2017-10-31 16:51:00

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ቤተ ክርስቲያን ንምስማዕ ስንድዋት


ናይ ኤውሮጳ ብፁዓ ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘተ ንዳግመ ምሕሳብ (ምስትንታን - ምስትውዓል) ኤውሮጳ፡ ክርስቲያናዊ ኣበርክቶ ንናይ ኤውሮጳ መጻኢ ውጥን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ ላዕለዎ ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ ፖሊቲካ ኣካላትን ልኡካነ መንግስታትን ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ልኡካን ብጠቕላላ ልዕሊ 350 ተጋባእያን ኣሳቲፉ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዎ ዘረባ ተኸፊቱ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኣቦና ንተጋባእያን ብዝለገስዎ መርሕ ቃልን ዕለት 29 ጥቅምቲ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝዓረግ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ኣስዒቦም፥

ቅዱስ ኣቦና ... ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኤውሮጳ ዝግደሱን ዝሻቐሉን ከምዝዀኑ ባዕሎም ካብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘስምዕዎ ዘረባን ዘካይደዎምን ርክባት ክተስተውዕሎ ዝከኣል ክዀውን እንከሎ፥ ናይቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ብፁዓ ጳጳሳት ምኽትል ኣቦ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፒያቸንዛ ቦቢዮ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃኒ ኣምብሮዚዮ ቅዱስ ኣቦና ንተጋባእያን ዕለት 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣመልኪቶም  ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ልኡካነ መግስታትን ልኡካነ ቅድስቲ መንበርን ግልጽን ክፉትን ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ ደጋጊሞም ዘተሓሳስብዎ ምዕዳን ዘቃልሕ እዩ። ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ምዕዳን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዓሚዩቕ ኣቃልቦ ከምዝረኸበን እቲ ንዳግመ ምሕሳብ ዝብል ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስቲ ብቐጥታ ማእከላዊ ትርጉሙ ዝገለጸን ዘብርሄን ምንባሩ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጹ ኣፍሊጦም።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣተኮሮ ዝገበረሉ ስራሕን ሰብን ስርዓትን መንግስትን ኣብ ኤውሮጳን ኣብዚ መዳይ ናይ ዝተፈላለያ ሃማኖታት እጃም ዝብል ክኸውን እንከሎ። እዚ ድማ ነቲ ንዅሉ ክዕብልል ዝደሊ ዝሰፍሕ ዘሎ ህዝብነት ዝብል ፖለቲካዊ ርእየት ኣብ ትኽለይና ናይ እዋናዊ ኩነት ትንተና ሓቅነትን ዘይተሞርከዘን ወይ ከኣ ነቲ ዝረአይ ዘሎ እዋናዊ ጸገም ኩሉ ንምፍታሕ ዘይኰነ ንኣኡ እናኸሰስካ ጌጋ ምዃኑ ጥራሕ እናቃላሕካ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ቅኑዕ ሓሳብ ብዘይ ምቕራብ ዝግበር ፖለቲካዊ ከይዲ ንምእራም ዝድግፍ ሓሳብ ዘቕረበ ዓውደ ጉብኤ እዩ ኔሩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣምብሮዚዮ ኣስዒቦም፥

ኤውሮጳ እቲ ዝዓተረቶ ተበጽሖታት ኩሉ ኣብ ምክንኻኑን ምሕላዉን ከይተሓጽረት እቲ ዘለዋ ናይ ተመክሮ ሃብቲ ንሓድሽን መጻእን ወለዶ ንምትሕልላፍን ብምትብባዕን ብእምንቶ ናብ መጻኢ ኣቕኒዑ ኣብ ናይ ገዛእ ራእሱ መገዲ ሓላፍነት ወሲዱ ክስጉም ክትድግፎ እዩ ዝግብኣ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ቅዱስ ኣቦና ብኸምዚ ዓነትት ምስሊ እንክዛረቡ ብግልጺ ኤውሮጳ ንመጻኢ እተማዕድው ክትከውን። መጻኢ ሕይወት ምዃኑ ንምሕባር እዩ  ቢሎም፥ ብሓቒ ናይ ሕይወት ድኽነት ዘለዋ ክፍለ ዓለም ትኸውን ኣላ። እዚ ኸኣ በቲ ዝረአይ ጽንሲ ናይ ምንጻልን ናይ ሕይወት ባህሊ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ኣብ ምኽባር ዕሴት ሰንከልከል ካብ ምባልን ዝነቐለ ኣሉታዊ ኩነተ ጥራሕ ዘይኰነስ ብሓፈሻኡ ኤውሮጳ ኣብ ዛዕባ ሕይወት ዘለዋ ናይ ኣቀራርባ ጸገም እውን እዩ። ብዛዕባ ሕይወት እወታዊ ኣቀራርባን ኣቕዋምን እዩ ክህልው ዝግባእ። ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽን ኣብ ውሕስነት ድሕነትን ኣብ ፈላላይ መናድቕ ምቛምን ከየድሃበት ኣብ ዕድላትን ተኽእሎታን መጻእን ከተትኵር ይግብኣ። እዚ እዩ እቲ ቅዱስ ኣቦና ካብ ኤውሮጳ ዝደልይዎ መንፈስ።

እዚ ጥንታዊ ክፍለ ዓለም ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ህዝብነታዊ ጽንሰ ሓሳብ ዳግም ዝምለስ ዘሎ እዩ ዝመስል። እዚ ድማ እቲ ዝረአይ ዘሎ ብሓጺሩ ኣብ ኣውስትሪያን ዘሎ ህልው ኩነታን ናይ ካታሎኒያ ጉዳይን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጻእን ዝኣመሰሉ ጉዳያት የረጋግጾ፥ ቅድስቲ መንበር ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ፖለቲካዊ ጽንሰ ሓሳብ ወጻኢ እውን እንተዀነት ፖለቲካ ከም ስነ ምርምር ኣብ ምሓሳቡን ምስትውዓሉን ግና ሓላፍነት ከምዘለዋ ዘረጋገጸ ጉባኤ እውን እዩ ኔሩ ኢሎም።

እውነታዊ ወይ ከኣ ጥዑይ ብሔራውነት ክህሉ ግድን እዩ። እዚ ድማ ንሃገርካ ዘሎካ ፍቕሪ ዝግለጽ እዩ። እዚ ንሃገርካ ምፍቃር ግና ኣብ ኢጎነት ዘይዕገት ክኸውን እንከሎ፡ ሓናጺ ብሔራውነት ይኸውን። ቤተ ክርስቲያን ነዚ እያ እተተባብዕ። ህዝብነትን ብሔራውነትን ሓቂ ንምውጋይ ሓደጋ ከቃልዕ ዝኽእል ከምዝኾነ ብምዝኽኻር እቲ እውነታዊ ብሔራውነት ምስ ሕዝብነት ከይተሓናፈጽ ትመርሕ፡ ኣብ ሕዝብነት ፖለቲካዊ ውድብ ሕዝቢ ክሰምዖ ዝደሊ እዩ ዝጭራሕ እምበር ሓቂ ብምልኣት ወይ ከእ እቲ ክሕበር ዘለዎ ኩሉ ኣይንገርን። ኣሉታዊ ብሔራውነት ድማ ርእሰ ውዳሴ ኣብ ሊዕሊ ካልኦት ቅድመ ፍርዲ ዘስፍሕ እዩ። ዘይጥዑይ ብሔራውነትን ህዝባውነትን ድማ ከም ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለም ሜላ ንኸይቐርብ ብኵለ መዳይ ነቒሕካ ምዕያይ የድሊ እቲ ካልእ ንኤውሮጳ ብድሆ እዩ ዝበሃል ብቐዳምነት ብከላ ተፈጥሮ ኣየርን ምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ማሕታ ናይቲ እዋናዊ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ምዕባለ ዕደ ጥበብን እዚ ኩሉ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ሳዕቤናቱን ዝሰፍሕ ዘሎ ስእነት ስራሕ መንእሰይ ወለዶን ዝብልን ኣስዒቦም ጸኣት ስደተይናታን እውን ጠቒሶም ስደተይናታት ቤተ ክርስቲያን ድኽነትን ሰእነት መግብን ዝድርኾም ተመዛበልትን ዑቕባ ሓተትን ቢላ እትገልጾም ሰብ ምዃኖም እዩ ከገድስ ዘለዎ እምበር ባህሉን ሃማኖቱን ኣይኰነን ኩሉ በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ እዩ ብዝብል ጠመቕ ትምህርቲ እያ እትጣበቐሎም።

ካብ ኣሳዶን ውግእን ዝመጽእ ስደተይና ናብ ዝመጻሉ ምምላስ ገበን እዩ። ብዙሓት ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተምሳል መዕቆቢ ስደተይናታት ኣብ ዝዀነ ማእከል ዝተዓጽዉን ዝወርዶም ዘሎ ስቓይን መከራን ኩሉ ዝርእዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ናይ ፖሊቲካ ኣካላት ዶባትን ወሰናስን ኤውሮጳ ናይ ሞት ዶብ ከምዘይኰነ ዘረጋግጽ ፖለቲካዊ መደብ ከሕንጽጹ ይግብኦም፡ ስለምታይ እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝፍጸም ዓመጽ ጠሪሹ ተቐልነት ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ስደተይና ናይ ዝመጻሉ ሃገሩ እዋናዊ ኵነት ምፍላጥ የድሊ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዘለዎ። ካብ ውግእን ኣሳዶን ዘምልጥ ናብቲ ኣሳዶን ውግእን ዘለሉ ስፍራ ተመልስ ምባል ንሞት ምፍራድ እዩ። እብዚ እዩ እቲ ናይ ሕይወት ባህሊ እውን ዝኣትው። ስደተይና ምስ ዝውሕዝ እንታይ ክንከውን ኢና ዝብል ሕቶ ምቕራብ ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ስደተይና እውን እንታይ ኰን ክኸውን እዩ ዝብል ሕቶ ምቕራብ የድሊ። ናይቲ ሕቶ ማእከል ሰብኣውነት እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ናይ ኢየሱስ መርኣያ እዩ። መጻኢየይ እንታይ ክኸውን እዩ ዘይኰነስ ናይቲ ስደተይና መጻኢ እንታይ ክኸውን እዩ ዝብል ሕቶ ዘቕርብ እዩ። ሰብኣውነት ዘማእከለ ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ዝተነጸሉን ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡን ማእክል ምግባር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.