2017-11-02 16:51:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ኵላትና እቲ ንዓለም ዘድልዮን ጸዋዕታናን ንቕድስና እዩ


ፍቱዋት አዕሩኽ፤ ዓለምን ኣንሕና እውን እንተዀንና ቅዱሳት የድልዩና እያቶም፤ ቅድስና ብዘይ ፍልዩነት ናይ ኵሉ ጸዋዕታ እዩ ዝብል መልእኽቲ ብላቲን ስርዓት ዕለት 1 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብበዓለ ኵሎም ቅዱሳት ምኽንያት ትዊተር ብእተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣራሾም ኣቢሎም መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ክምልከት እንከሎ፤ ቅዱስነቶም በዚ መልእኽቲ’ዚ ኣቢሎም ናይ መስካሪ ክርስቶስ ንምዃንን ብኣኡ ንምትእምማን ከፍርሓና ከምዘይብሉን እቲ ናይ ቅዱሳት መለለዪ ዝኾነ ለውሃትን ትብዓትን ጥሙር ሕይውትን ትሕትናን ዝብል ምዃኑ ቅዱሳት ብሕይወቶም ዘረጋግጹልና ምዃኖም ይምዕዱና እንክብሉ ኣብ ጳጳሳዊ ክላረቲያኑም መንበረ ጥበብ ናይ ውፉያን ሕይወት ቲዮሎጊያ መምህር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ፋቢዮ ቻርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብምኽንያት በዓለ ኩሎም ቅዱሳት ኣብ ዘካድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም ኩሎም ቅዱሳት እቶም ብዕድመ እውን ንኡሳን ዝዀኑ ከም ቅድስቲ ማሪያ ጎረቲ ወይ ቅዱሳት ኪያራ ሉቸ ባዳኖ፥ ምስሉይነትን ተመሳሳሲልካ ምንበር ንዝብል ኣመለኻኽታ ኣሰኒፎም ጥሙር ክርስቲያናዊ ሕይወት ዝነበሩን እግዚኣብሔር ብምልኣት ንምስዓብ ጸጋኻ ሃበኒ ዝብሉ ምዃኖም ሓቢሮም፡ እቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 ሕዳር ክብረ በዓል ኩሎም ቅዱሳትን ዕለት 2 ሕዳር ዝክረ ኩሎም ሙታንም እትቕድሰሉ ዕለት ጠቒሶም ናይ ኵልም ቅዱሳትን ሙታንን ዝክረ ዕለት ብዝተቐራረበ ጊዜ ንምብዓል ዝደረኸሉ ምኽንያት ክርስቶስ ንምምስካር ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ምሃብን፡ ሞትን ስደትን ዘይዓግቶ ምስክርነት እውን ምዃኑን፡ ኵሎም እቶም ንኽርስቶስ ዝስዕቡ ገዛእ ርእሶም ንኣኡ ንምስዋዕ ስንድዋት ምዃኖም ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃኖም ዘሎ ዕቑር ሰብኣውን መንፈሳውን ሓይሊ ንምቅላሕ ዝብል እዩ እንክብሉ ገሊጾም እዚ ኸኣ ጸጋ እዩ ኢሎም።

ቅዱሳት፥ ጀጋኑ ዘይኰኑስ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ፥ ከም ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓጥኣን ኣብ ጐደና ትሕትናን መስቀልን ንኢየሱስ ዝስዕቡን ብኣኡ ንኽቅደሱ ዝፈቕዱን እምበር ባዕሎምን ገዛእ ርእሶም ቀደስቲ ኣይኰኑን ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሱ ብገዛእ ርእሱ ክቕድስ ዝኽእል ማንም የሎን። ስለዚህ ይብሉ ኣባ ፋቢዮ፥ ቅድስና ናይ ክርስቶስ ሓድሽ ብስራት ናይ ምቕባል ጻማ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሕያዋይ ፈያታዊ ማለት ምዃኑ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዕለት 25 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቲያን ገሊጾምዎ እዮም። እቲ ሕያዋይ ብናይ ክርስቶስ መስቀል የማን ተሰቒሉ ዝነበረ ፈያታዊ ኢየሱስ ቅድስና ዝኣወጀሉ ቀዳማይ ቅዱስ እዩ። ኣመነ ኣብ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ኣወከፈ። ከምዚ ብምንባሩ ድማ እቲ ብክርስቶ ዝዀነ ድሕነት ንምንባር ቀዳማይ ኰነ። ድሕነት ብኽርስቶ ዘስተማቕረ ቀዳማዊ እዩ።

ስለዚህ ቅዱስ ምዃንን ዝተቐደሰ ሕይወት ምንባርን ኣብዚ እዋን’ዚ እንታይ ማለት እዩ? ዘፍርህ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘልዓሉ ኣባ ቻርዲ፥ ቅድስትና ኢየሱስ-ክርስቶስ ምምሳል ማለት እዩ። ዘይተገማምዔ ምሉእ ሰብ ናይ ወንጌል ጥዑም ንፋስ ኣብ ዓለም ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክምዕዝ ዝገብር ናይ ኵላዊ ሕውነት ጸገማት ኵል ናይ ገዛእ ርእሱ ገይሩ ጸይሩ ሓድሽ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ዝተግህ ማለት እዩ። እዚ እዩ እቲ ቅዱስ ኣቦና ቅድስና ንእዋናዊ ዓለም ዘድልዮ ናይ ኵሉ ጸዋዕታ እንክብሉ ብዝገለጽዎ ሓሳብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.