2017-11-07 16:56:00

ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ እስያ፥ ሓድሽ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኰርያ


ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሃገራት እስያ ማለት ደቡብ ኰሪያን ቻይናን ቨትናምን ፍሊፒንስ ዘብጽሖም ወግዓዊ ምብጻሕ ዕለት 6 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ጃፓን ብምእታው ከምዝጀመሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውላ ሲሞነቲ ካብ ዘመሓላለፈኦ ዜና ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣብ ናይ ጃፓን ርክቦም ብዛዕባ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ጃፓንን ክሌኣዊ ርክብን ክሌኣዊ ስምምዕ ናጻ ንግድ ርእሰ ጉዳይ ተኮር ዘትዮም እቲ ናጻ ናይ ንግድ ርክብ ንሃገሮም ኣብ መዳይ ኤኮኖሚ ዝሃስይ እዩ እንክብሉ ምስ ዓበይቲ ሰብ ትካላትን መንስግቲ ጃፓንን ኣብ ዘካይድዎ ዘተ ገሊጾም ኣብ ዝሓጸረ እዋን እቲ ዘይተመዓራረየ ናጻ ዝብል ንግዳዊ ርክብ ብሓቂ ክፉትን ናጻን ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ሲሞነቲ ሓቢረን።

ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ናይ ትዕግስቲ ሜላ ዘመን ኣብቂዑ እዩ ብዝብል ሓጽሪ ሓሳብ ኣቢሎም ከምዝገለጽዎን ጊዚኡ ምስ ኣኸለ ምስ ሰሜን ኮርያ ርእሰ ብሔር ኪም ጆን ክራኸቡ ከምዝኽእሉን ኣብዚ ኣብ እስያ ዘካይድዎ ዘለዉ ርክባት ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ክሌኣዊ ርክባት ዝልውጥን ብፍላይ ምስ ቻይናን ሰሜን ኮሪያን ዝምልከት ርክባት ብዙሕ ለወጡ ከምዝህልዎ ኣብ ኢጣሊያ መንበረ ጥበብ ሉይስ ናይ ስነ ወጻኢ ርክባት ፖለቲካ መምህር ናይ ስነ እስያ ፖለቲካን ታሪኽን ሊቅ ኑንዚያንተ ማስትሮሊያ ብዛዕባ ናይ ትራምፕ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ እስያ እመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ስሜን ኮርያ ብርግጽ ምስቲ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እስያ ምንም ዓይነት ርክብ የብሉን ስለምታይ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ጉዳይ እዩ፡ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ናይ ሰሜን ኮርያ ስግኣት ኑክለሳው ኣጽዋር ንምዝታይ ቻይና ዓቢይ ግደ ከምዘለዋ እዩ ዝእምን እዚ ኽኣ ብዘይ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እደ እታውነት ዝብል እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።    








All the contents on this site are copyrighted ©.