2017-11-07 16:43:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፥ ተፈጥሮ ኣይንጉዳእ፡ ንመጻኢ ንዓቅቦ


ኵናት ወትሩ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዓቢይ መጉዳእቲ እዩ። ስለዚህ ነዚ ናይ ሓባር ቤትና ንመጻኢ ትውልዲ ንዓቅቦ ደኣ እምበር ኣይንጉዳኣዮ ዝብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተፈጥሮ ኣብ እዋን ኵናት ካብ ዝወርዶ ሓደጋ ነድሕን ዝብል ዓለም ሓቆፍ መዓቲ ዕቃቤ ተፈጥሮ  ምኽንያት ዕለት 6 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ትዊተር ኣብ እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ክፍለጥ እንከሎ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ትዊተር ልዕሊ 40 ሚሊዮን ሰዓብቲ ከምዘለዉዎም ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ኣብ እዋን ኩናት ኩሉ ከምዝህሰይን ዘርኢ ሰብ፡ ዘርኢ እንስሳን ተፈጥሮን እውን ምዃኑ ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስትይ ዓዋዲ መልኽቶም ብሰፊሕ ከምዝተንተንዎ የዘኻኽሩ።

ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ኣብ ቅድሚ ምጽንቃቕ ሃብቲ ተፈጥሮ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ንምብሓትን ንምውናንን ቅኑዕን ንኽቡር ዕላማን ብዝብል ምስምስ ዝነቓቓሕን ዝካየድን ውግእ ክግመት ዝከአል እዩ። እንተዀነ ግን ውግእ መሊሱ ንዘርኢ ሰብን ዘርኢ እንስሳን ፍጥረትን ናይ ሕዝብታት ባህሊ ጸጋታትን ኵሉ እዩ ዘዕንው። ብፍላይ ከኣ ኑክለሳውን ጸረ ሕይወታዊ ኣጽዋር ክሕሰብ እንከሎ ነቲ ዘሎ ስግኣት ኣዚዩ ከብ ከምዘብሎ እውን ነስተውዕል። ከዝሚ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ ብዝተፈጸሙ ዓለም ለኻዊ ስምምዓት ዝእገድ እውን እንተዀነ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤተ ሙከራ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ውዳነ ከዛብዕ ዝኽእል ምሕዞ መጥቃዒ ኣጽዋር ይሰፍሕ ኣሎ። ነዚ ሓሳብ ብምቕራብ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ኩነት ናይ ዓለም ሓቆፍ መራሕቲ ሓደስቲ ኵናት ከባርዕ ዝኽእልን ንዝተፈላለዩ ምግርጫዋት ኣናስር ክኸውን ዝኽእል ሞትን ሕልቂትን ሕዝብታትን ድኻታትን ዕንወት ተፈጥሮን ምኽንያት ኵሉ ቀዲምካ ከይክሰት ምግባር ወይ ከኣ ናብ ኵናት ከይትርጐም ዝከኣሎም ክገብሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ተወሲኮም የዘኻኽሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ማያት ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑን እዚ ጸገም’ዚ ንልዕሊ ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ዘጥቕዕ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኣብ ተፈጥሮ ዝፍነው ሓደጋ ዘስዕቦ ዋሕዲ ሃብቲ ማይ ብዙሓት ኅብረ ትካላት ነቲ ተሪፉ ዘሎ ሃብቲ ማይ ንምቁጽጻር ዝገብርዎ ምቅድዳም ናይ እዋንና ሓደ ዓቢይ መንቀሊ ውግእ ዓለም ከምዝኸውን ድማ ግሙት እዩ።

ለምዘበን ኣብ ውርሒ ለካቲት ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምርካብ ማይ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስነቶም፥ ናይ ኵላትና ቤት ነቲ ኵሉ ዓመጽን ኵናትን ዘስዕቦ ሓሳር ምጽዋሩ ንኹላትና ዘተሓሳስብ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እቲ ሓሳር ንገዛእ ርእሱ ስሉጥ ኵሉ ዓይነት ነቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ማይ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ዝግህስ ኢጐነት መፍትሒ ክርከቦ ዝጽውዕ ሕቶ እዩ እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኵለ መናኻ ዘንዝር መጠንቀቕታ እዩ። ኣነ ዝሓቶ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብቲ ድሮ እንነብሮ ዘሎና እናተዀላለፈ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም፡ ሃብቲ ማይን ወሓይዝን ንምቁጽጻ ናብ ዝዓለመ ዓቢይ ውግእ ዓለም ነምርሕ ከይንህሉ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.