2017-11-07 16:50:00

ኣብ ቤት ማሕቡስ ረቢቢያ ዛዕባ ቅዱስ ኣቦናን ርክብ ምስ እሱራት ዓለምን ዝትርኽ ፊልም ንትርኢት ቀሪቡ


ኣብ 2016 ዓ.ም. ፍልዩ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ብኣዋጅ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተነብረሉ እዋን ዕለት 6 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ናይ እሱራት ኢዮቤል ኰይኑ ኣብ ዝተሓሰበሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቡርኪናፋሲ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጎ ኣብ ዝርከብ ማኮ ቤት ማሕቡስ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ኵሎም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ምስ ዝርከቡ እሱራት ብምርኻብ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝኣወጅሉ ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምኽንያት፥ ናብ ማኮ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም፥ ቅዱስ ኣቦና ብዝብል ኣርእስቲ እቲ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ምርኻብ ምስ ኩሎም እሱራትን ኣመሓደርትን ማኮ ቤት ማሕቡስን ዝትርኽ ሰነዳዊ ፊልም ዕለት 6 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ረቢቢያ ንምርኢት ከምዝቐረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ዘራዞ ሓቢረን።

እቲ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ቫርሳቪያ ናይ ፊልም ፈስቲቫልን ስዒቡ እውን ዕለት 25 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንምርኢት ከምዝቐረበ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዕዒበን እቲ ፊልም ብተወላዲ ፈረንሳውን ፖላንዳውን ዛኑች ሞርዞውስኪ ዝተቐርጸ ክዀኑ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ናብቲ ኣዚዩ ጽንኵር ዝዀነ ዕለታዊ መነባብሮ ቤት ማሕቡስ ምሕረት ኣምላኽ ሒዞም ብምእታው ነቲ ካብ ቤት ማሕቡስ ወጻኢ ዘሎ ዜጋ ናብቲ ቤት ማሕቡስ ዘብጽሕን ዘውሽጥን ተመክሮ ምዃኑ ገሊጸን፥ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝጐልሕ ከቢድ ሕይወት ብሕትውና ከስዕቦ ዝኽእል ተስፋ ቍርጸት ዘይኰነስ ምስ ኢየሱስ ብምርኻብ ጸጋ እምነት መቐበሊ ስፍራ እውን ምዃኑ ዓሚዩቕ ናይ እምነት ተመክሮ ዝንበረሉ እውን ምዃኑ የመልክታ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተወላዲ ቡርኪናፋሶ ናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኪሲቶ ኡድራኦጐ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ቤት ማሕቡስ ግብረ ገባውን ቁሳውን ከበድ ዘለዎ ኩነት እዩ ዘሎ። ኣባይቲ ማሕቡስ ብብዝሒ እሱራት ዘዕለቕለቐን ናይ ብዙሓት እውያት ተስፋ ቁርጸት ዝቃልሓሉን ኰይኑ ከምዘሎን። ኣብቲ ምዕልቓላቕ እሱራት ዝረአየሉ ቤት ማሕቡስ ምስ ካልኦት እሱራት እናሀለዉ ኩሎም ደሴታዊ ሕይወት ዝነብሩ ኣብቲ ብሓደ ምንባሮም ተነጻጺሎም ብዝነብርዎ ብሕትው ሕይወት ክሳቐዩ እትርእየሉ ስፍራ እዩ። ነዚ ሰብኣዊ ስቓይ ንምጽጋንን ነቶም እሱራት ቀረባ ንምዃን ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ንምቕራብ ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ኣባላት ማሕበራት ወለንተይናታን ካህናትን ደናግልን ኣቢላ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ በቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ቆሞሳት ኣባይቲ ጸሎት ኣቢላ፥ ምሕረት እግዚኣብሔር ወትሩ ተበስር፡ ናይዚ ብቓልን ሕይወትን ብስልጣናዊ ትምህርቲ መስካሪ ድማ ባዕሎም ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር ልኡኽ ዝዀኑ ቅዱስ ኣቦና እዮም። ምሕረትን እምነት ተስፋን ኣብቲ ደጋዊ ከተማታትን ህልውናን ዘበስሩ ናብቲ ደጋዊ ከተማታትን ህልውናን ከነብል ድማ የተባብዑና እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

ኣብ 2015 ዓ.ም. ሰሙነ ሕማማት ብትኽክል ቅዱስ ሓሙስ (ዘሕጽበተ እግር) ቅዱስ ኣቦና ሮማ ናብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ስርዓት ሕጽበተ እግር ከምዝፈጸሙ እንክዝከር። ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝተነብረ ሰብኣውን መንፈሳውን ሃዋሁ ናይቲ ቤት ማሕቡስ ቤተ ጸሎት ቆሞስን ዕለት 6 ሕዳር 2017 ዓ.ም. እቲ ፊልም ኣብ ቤት ማሕቡስ ረቢቢያ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዝተኸታተሉ ኣባ ፒየር ሳንድሮ ስፕሪያኖ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤት ማሕቡስ ረቢቢያ ኣሞርኵይዞም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስ ኣቦና ነዞም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡን ናይ እስራት ፍርዶም ዘቑጽሩ ዘለዉ ዜጋታት ዝሕልፍዎ ስቓይ ኩሉ ዝፈልጦ ጥራሕ ዘይኰነስ ቀሪቡ እውን ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ከቕርብ ብቓልን ኣብነትን የተሓሳስቡ ኰይኑ ግና ብዙሕ እዋን እሱራት ንገዛእ ርእሶም ተሓዲጐም ገሊኦም ርእሰ ቅትለት ዝፍጽሙን ኣብ ደልሃመት ቀቢጸ ተስፋ ዝወርዱን ብዙሓት እያቶም። ስለዚህ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘተሓሳስብዎ መንግስታትን ዝምልከቶም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣባይቲ ማሕቡስ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ባህላውን ሕንጸት ስፍራ ክኸውን ዘግብሮ መደባት ክሕንጽጹ ይግባእ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.