2017-11-09 17:04:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ስደተይናታት፥ ናትካን ናይ ካልኦትን ሃይማኖት ምኽባር


ቅድስት ፍራንቸስካ ካብሪኒ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለደትሉ ዝኽሪ መበል 100ኛው ዓመት ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ናይ እዋናዊ (ዘመንታዊ) ታሪኽ ተሓባባሪት መምህር፡ ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳትን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ፎሊዮን ከምኡ እውን ኮረረ ደ ላሰራ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይና ሉቸታ ስካራፊያ ብዛዕባ እታ ቅድስቲ ታራኽ ዘዘንትው ኣብ መንጐ ምድርን ሰማይን ብዝብል ኣርእስቱ ናይ ስደረሰኦ መጽሓፍ መቕድም፥ ፍራንቸስካ ካብሪኒ፥ እዋናዊ ዓለም በቲ ዝርአይ ዘሎ ብዝተፈላለየ ቅልውላው ብዙሕ እዋን ብተስፋ ምቝራጽን ድኽነትን ዝድረኽ  ጸዓት ስደተይናናታን ተመዛበልንት ምልኩት ከምዝኸውን ቀዲማ ዘስተውዓለቶ ሰብኣዊ ክስተት እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተጻሕፈ ከምዝኾነን፡ ቅዱስነቶም

እዛ ናይ ስደተይናታን ተመዛበልትን ሓላዊት ቅድስቲ ቢላ ቤተ ክርስቲያን ዝኣወጀታ ቅድስቲ ፍራንቸስካ ካብሪኒ ዕለት 22 ታሕሳስ 1917 ዓ.ም. ኣብ ቺካጐ ኣብቲ ባዕላ ክቐውም ዝገበረቶ ቤት ሕክምና ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለየት ክትኸውን እንከላ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታን ናይ ፍቕሪ ስራሕን ዝጸዔ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስደተይናታት ብምቕራብ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ቅድም ቢላ ዘስተውዓለቶ ጥራሕ ዘኰነስ ኣብ ዓለም ማሕበራውን ኤኮኖሚያን ኢፍትሓውነት እናሰፍሔ ምስ ዝኸይድ ብዙሓት ሕይወቶምን ሕይወት ኣባይቲ ስድራኦምን ንምምሕያሽ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምዝንቀሳቐሱን ካብ ዝዀነ ይኹን ኢፍትሓውነት ንምምላጥ ዘይደሊ ሓደ’ኳ ክህሉ ከምዘይክእል ዘተሓሳሰበ ምዃኑ ቅዱነቶም ገሊጾም።  

ንስደተይናታት ሰብኣዊ ሓገዝን ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ብምቕራብ ጥራሕ ከይተሓጽረት ናይቶም ዝስደዱ መንነቶም ባህሎም ሃይማኖቶም እውን ከይተረፈ ክኽበር ከምዘለዎ ተኣሚና ንሳን ኩለን ኣባላት ማሕበራ ደናግል ናብቲ ስደተይናታት ዕለታዊ መነባብርኦም ዝመርሕሉ ኣባይቲ ዕዮ እናኸዳን ኣብ ቤት ማሕቡስ ንዝርከቡ እናበጽሓ ይከናኸና ከምዝነበራን፡ ዘኽታማት እናናበያ ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ወንጌላዊ ፍቕሪ ዝመስከረት ምዃና የዘኻኽሩ።

ስደተይና ተኸቢሩን ናይ ዘእንገዶ ሃገር ሕግን ስርዓትን ተቐቢሉ ገዛእ ርእሱ ከይከሓደ ተቐባልነት ረኺቡ ክነብር ኣለዋ ዝበለት ምዃና ኣብቲ መቕድም ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፡ እዚ ሓሳብ’ዚ እዋናውነት ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ስደተይና መንነቱን ሃይማኖቱን ባህሉን ምስ ዝኽበረሉ ናይ ዘእንገዶ ሃገር ባህልን ሃማኖትን ዘኽብር ክኸውን ይተባባዕ። ተፈላጥነት ምስ እትረክብ ነቲ ተፈላጥነት ዝህብ ክተፈልጦ ትህንጠይ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ቅድስቲ ፍራንቸስካ ካብሪኒ፥ እቲ ንጓለንስተይቲ ፍሉይ ዝገብራ ኣደነትን ሓልዮትን ርሕራሔን ተቐባልነትን ዝብሉ ባህርያት ብምንባር ብፍላይ ነቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ብምጥባቕን ብምሕናጽን እቲ እዋናዊ ዓለም ሎሚ ክገብሮ ዝግብኦ ኣቐዲማ ዝሓበረት እያ። እዚ ተግባራ ፍቕርን ፍትሕን ኣጣሚርና ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ክንገጥሞን ንስደን ምዝብልናን ዝድርኽ ምኽንያት ኩሉ መፍትሒ ክርከበሉ ተተሓሳስብ ብዝብል ሓሳብ ነቲ መቕድም የጠቓልሉ ዝበላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፥ ደራሲት ሉቸታ ስካራፊያ ኣብቲ መጽሓፈን ቅድስቲ ካብሪኒ፡ ንስደተይና ሰናይ ምምናይ ጥራሕ ዘይኰነ ሰናይ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ብቓልን ብግብርን ዝመስከረት ምዃና ነቲ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓላዊት ቅድስቲ ተባሂላ ክትእወጅ ዘብቅዓ ልዑክ ክርስቲያናዊ ክብሪ እንታይ ምዃኑ ብሰፊሕ ትንታኔ ከምዝሃባሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.