2017-11-14 17:43:00

ዕንቅፋት ንልባትናን ንተስፋናን የቊስሎምን ይቀትሎምን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ፍራንቸስኮስ ወትሩ ከምዝገብርዎ ትማል ንግሆ እውን ኣብ ቤተመቅደስ ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ዕንቅፋት ኪመጽእ ዘይተርፍ እዩ፣ እቲ ብሰንኩ ዕንቅፋት ዚመመጽእ ግን ወይለኡ። ንሓደ ካብዞም ንኡሳን ካብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ኣትዩ ናብ ባሕሪ እንተዝጥሕል ምሓሾ ነይሩ።’ (ሉቃ 17.1-2) ዝበሎ ብምጥቃስ ሎሚ እውን እንተኾነ መዓት ዕንቅፋት ከምዘሎ እዚ ዕንቅፋት’ዚ ከኣ ንልባትናን ንተስፋናን ከም ዘቊስሎምን ከም ዝቀትሎምን ገሊጾም፣

ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ድሕሪ እዘን ቃላት ንሓዋርያት ተጠንቀቁ ንዝበሎም ብምጥቃስ ከኣ ካብ ምንታይ ተጠንቀቁ ዝበሎም ይመስለኩም ዝዓይነቱ ኣጠማምትን ሱቊታን የቅርቡ እሞ ‘ዕንቅፋት ከይትህቡ! ዕንቅፋት ከይትኾኑ ተጠንቀቁ እዩ ዝበሎም፣ ዕንቅፋት ብጣዕሚ ሕማቅ ነገር እዩ ከመይ የቊስል ምናዳ ነቲ ተኣፋፊ ዝኾነ ተስፋን እምነትን ሕዝቢ እግዚአብሔርን ነቲ ድኽም ዝበለ ጎኖምን ብሕሱም የቊስሎ ዝገደደ ከኣ እዚ ቊስሊ እዚ ዳርጋ ዘይሓዊ ኮይኑ ንገሊኦም ንመዋዕሎም ምሉእ የሰንዮም፣ ኣቊሲሉ ጥራይ ዝገድፍ ከይከምስለና ዕንቅፋት ይቀትል እውን እዩ፣ ንተስፋ ይቀትል! ንሃንቀውታን ጽቡቅ ሃረርታን ይቀትል፣ ንስኒትን ፍቅርን ስድራቤት ይቀትል! ብዙሕ ልብታት የቊስልን ይቀትልን፣ እዚ ንሓዋርያት ዝበሎ ንስኹም እውን ተጠንቀቁ እትብል ሓረግ ከስ ንኩልና ይምልከታ ምናዳ ነቶም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ብተግባር ግን ኣረሜን ንዝኾኑ ትምልከት፣ እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ሕዝበ እግዚብሔር እዩ፣ ብሕማቅ ኣነባብራኦምን ክፉእ ኣብነቶምን ክንደይ ክርስትያን ንሕዝቢ ካብ ቤተክርስትያንን ካብ እግዚብሔርን የርሕቁ ይመስለኩም! ምናዳ በቲ ግብዝ ዝኾነ ሕይወቶም ዝብልዎን ዝገብርዎን በበይኑ ብዝኾነ ኣነባብራ ዕንቅፋት ይኾኑ! ናይ ክርስትያን ግብዝና ማለት ብኣፍን ክርስትያን እየ ኢልካ ለለይ ምባል ብግብርን ካብ ኣረሜን ንላዕሊ ጨካንን ክፍኣት ዝመልኦን ኣነባብራ ምንባር እቲ ጸላኤ ሰናይት ንሕዝበ እግዚኣብሔር ንምድኻምን ካብ ጐይታኦም ንምርሓቆምን ዝጥቀመሉ እቲ ዝቀለለ መጋበሪ እዩ፣ እትብሎን ካልእ እትገብሮን ካልእ ማለት እዩ፣

ሎሚ ናብ ሕልናና ምልስ ቢልናኸስ እዚ ናይ ግብዝነት ኣምሰሉነት ዕንቅፋት እዚ ኣባይ ኣሎዶ! ሕይወተይ ኣብቲ ዝብሎን ዝነበሮን ውህደትዶ ኣለዎ! ምስ ጐይታስ ይኹን ምስ ቃል ወንጌል ውህደትዶ ኣሎኒ! ወይስ ከምቲ ኣፋይ ምሳይ ልባ ምስ ደበሳይ ዝዓይነቱ ናብራ ክልተ ክልተ እዩ፣’ እንክብሉ ኩልና መርመራ ሕልና ክንገብር ይዕድሙ እሞ ካብቲ ብዙሕ ኣብ ዘመንና ከም ልሙድ ዝውሰድ ሕማቅ ነገራት ከም ገሊኦም ክርስትያና ኢና በሃልቲ ሃብታማት ኣውፈርቲ ማል ንክህብትሙ ዝገብርዎ ምዝመዛን ዓመጽን ዝገደደ ከኣ እቶም ጓሶት ምእመናን ክኾኑ ዝተላእኩ ቤተ ክህነት ንክህብትሙ ክንዲ ነተን መጓሰ ዘቅርቡን ዝጓስዩን ዝገደደ ከርሕቅወን ዝርከቡ ዘተሓሳስብ ዕንቅፋት ናይ ዘመንና ምዃኑ ጠቂሶም፣

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንክልተ ጐይቶት ክተገልግሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም! ንእግዚኣብሔር ንገንዘብን! ሓደ ጓሳ ማለት ካህን ወይ ኣቡን ኣብ ገንዘብ እንተደኣ ጠቢቁ ዕንቅፋት ይኸውን፣ ሕዝቢ `ኣብ ገንዘብ ዝጠበቀ ጓሳ ኣጓኒፉና’ ኢሉ ይዕንቀፍ፣ ስለዚኸስ ነፍሲ ወከፍ ጓሳ ምስ ገንዘብ ዘሎኒ ዕርክነት ከመይ ኮን እዩ ኢሉ ሕልናኡ ይመርምር፣ ክንዲ ነተን ኣብ ሕዝብን እግዚኣብሔርን ዘቅርባኦ ለውሃትን ትሕትናን ተላቢሱ ዘገልግል ንላዕሊ ላዕሊ ዝጥምትን ስልጣንን ከንቱነትን ሃሰስ ዝብልን ጓሳ እንተሎ የስተውዕል! ክንዲ ከምቲ ጐይታ ወዲሰብ ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጸን ቢሉ ንሕዝቢ እግዚኣብሔር ምግልጋል ጐይታ ጐቶት ኮይኑ ዝስምዖም ንኩሉ ክእዝዝ ዝደልን ጓሳ እንተሎ ሕልናኡ ይመርምር! ሎሚኸስ ከመይ ኣሎኹ ዕንቅፋትዶ እኸውን ኣሎኹ ወይስ ኣይፋል! ቢልና መርመራ ሕልና እንገብረላ ዝበለጸት መዓልቲ ክትከውን ትኽእል፣ በዚ ከኣ ንጐይታ ብቅንዕና ክንምልሸሉን ቊሩብ ናብኡ ክንቀርብን ንኽእል፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.