2017-11-15 15:12:00

መልእኽቲ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ፥ ተፈጥሮ ነድሕን


ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ መንግስታት ዓለም እንነብረሉ መሬት ካብ ብከላን ዝወርዶ ዓመጽን ኩለ መዳያዊ ማህሰይቲ ንምድሓን ኣጽኒዖም ክዓዩን ኣብዚ መዳይ ክተሓባበሩን መታን ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ዝጽውዕ መልእኽቲ ናብቲ ዕለት 6 ሕዳር ዝተኸፍተን ዕለት 17 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ዝዛዘም ኣብ ጀርመን ቦን ከተማ ዝካየድ ዘሎ ብዛዕባ ምዝባዕን ምቅይያራትን ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ናብ ዝዝትይ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መበል 23 ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ዝኽሰት ዘሎ ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ኣብዚ እዋን’ዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ምህላዉ ርኡይ ጉዳይ እዩ። ስለዚህ እቲ ምዝባዕ ኣየር ዝቱኽቱኽ እንታይ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ክነሱ እዚ ንፍጥረትን ተፈጥሮን ኩሉ ንሓደጋ ዘቃልዕ ተግባር ንምውጋድ ብዙሕ ዘይጽዕሩን ንምውጋዱ ንዝግበር ጻዕሪ ዝቃወሙ ኰይኖም ምርአዩ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። እቲ ምዛባዕ ዘስዕቦ ቅልውላው ከምዘየለ ገርካ ብምሕሳብ ሽወለልተይና ኰይንካ ምንባር ዝመርጹ ብዙሓት እያቶም። ሳዕቤን ናይ ምዝባዕን ብከላን ካበባቢ ተፈጥሮ ኣየር ዘረጋግጹ ብዙሓት መርትዖታት ግሁድ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘለዎ ማሕታ ቀሊል ኣይኰነ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎም ዘቕረብዎ ጻውዒት ምኽባር ናይ ሓባር ቤትና ገዛእ ርእሶም ኣሕቢሮም ተፈጥሮን ከባብን ካብ ብከላ ንምድሓን ኣይነሳሕብ፡ ተፈጥሮን ፍጥረትን መለኰታዊ ኣሰር ዝተሓትሞም እያቶም እቲ ኵሉ ናይ ሓባር ቤትና ዘቕውም ነገር ኵሉ መግለጺ መለኰት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.