2017-11-15 14:02:00

ርእደ መሬት ኣብ ኢራንን ዒራቅን፡ ናይ ሓዘን መግለጺ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ዒራንን ዒራቅን ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ብዘስዓቦ ናይ ሞትን ማህሰይትን ውድመትን ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ክምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ጠቒሶም ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ጸሎቶም ከምዘዕርጉን እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ምጽንናዕ ካብ እግዚአብሔር ተማሕጺኖም ሕዝቢ ዒራቕን ዒራንን ነቲ ከሃሌ ኵሉ ዝዀነ ምሕረት እግዚአብሔር አወክፍ፡ ንዝቆሰሉን ከምኡ እውን ንዝተጎድኡ ፈውስን ንዝተጎድአ ሕዝቢ ቅርበት ብምርግጋጽ ደገፍ ኣብ ምቕራብ ንዝተጸምዱ መንግስታትን ንመላእ ሕዝብታት እተን ሃገራትን መለኰታዊ ቡራኬ ከምእተማሕጸኑ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

በቲ ዝወረደ 7.3 ንዝረት ዘዕቀነ ካብ 23 ኪሎ ሜትር ጥልቀ ትሕተ መሬት ዝነቐለ ኣብ ዒራቕ ክፍለ ሃገር ሱላኢማኒያህ ኣብ እትርከብ ከተማ ፐንጅዊን ማእከለ ንዝረቱ ዝገበረ ሓደጋ ርእደ መሬት 454 ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ከምዘቃለዔን ካልኦት ልዕሊ 7,000 ዝግመቱ ድማ ማህሰይት ከምዝወረዶም ክንገር እንከሎ። ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ቁጽሪ ክብ ክብል ዝኽእል ምዃኑ ካብቲ ከባቢ ዝፍነዉ ዘለዉ መግለጽታት ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም፥ ንዝረት ናይቲ ርእደ መሬት ክሳብ ማእከላይ እስያን ከምእተሰምዔን። ኣኽራናዊት ከተማ ሳርፖል ኤ ዛሓብ እታ እዚያ ዝተጠቕዔት ዞባ ኢራቕ ምዃና ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ተሄራን ልኡከ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ለዮ ቦካርዲ፥ ነቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ዘድልዮ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኵሉ ንምቕራብ ናይ ድጋፍን ሓገዝን ከምኡ እውን ነቶም ናብ ኣባይቲ ሕክምናታት ንዝተወስዱ ዘድልዮም ሓገዝ ደም ንኽረኽቡ ወልንተይናታት ደም ንኽልግሱን ጻውዒት ከምእተገብረ እውን ሓቢሮም፡ ናይ ሳርፖል ኤ ዛሓብ ቤት ሕክምና ፍርቁ ከምዝዓነወ ገሊጾም ኵለ መደያዊ ሓገዝ ክቕርብ ሕጹጽ ጻውዒት ከምእተመሓላለፈ ኣፍሊጦም።

ነታ ናይታ ከተማ ሕዝቢ ዝቐርብ ሓገዝ ንምውህሃድ ናይ ዒራን ምኒስተር ክንክን ጥዕናን ናይ ውሽጣዊ ጉዳይ ሚኒስተርን ኣብቲ ከባቢ ከምዝርከቡን ዝገለጹ ራቪያርት፥ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳርን መንግስትን ካብ ቤቱ ንዝተመዛበለ ሕዝቢ ቴንዳ ከምዝእተዓደሉን 145 ሄሊኮፕተራት ዘድሊ ሰብኣዊ ቀረብ ናብቲ ከባቢ ከምዘብጽሓን ብዙሓት ብፍርስራስ ኣባይቲ ተቐቢሮም ዝተረፉ ዜጋታት ንምውጻእ እውን ብዙሕ ጻዕሪ ይግበር ምህላዉን ሓይሊ ምክልኻል ሓደጋ ኣብ ከተማ ቓስር ኢ ሺሪን ዝቐርብ ሓገዝ ንኸወሃህድ ሓላፍነቱ ንሓይሊ ምክልኻል ከምዘረከበ ብፁዕ ኣቡነ ቦካርዲ ከምዝገለጹን፡ ናይቲ ከባቢ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋማት ኩሉ ከምዝዓነወ እውን ከምዝሓበሩ የመልክቱ።

እቶም ከቢድ ማህሰይቱ ዝወረዶም ናብ ቴሄራን ከምእተወስዱን ኣያቶላሕ ካመነይ ሕዝቢ ነቲ ዝተጎድኤ ዜጋ ኣብ ምድጋፍን ብፍላይ ነቶም ብፍርስራስ ኣባይቲ ዝተቐብረ ብሕይወት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኵሉ ክሓብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ሮሓኒ ሎሚ ዕለት 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ናብቲ ዝተጎድኤ ከባን ሕዝብን ምብጻሕ ከምዘካየዱ ራቪያርት ገሊጾም።

ኣብ ዒራቕ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 11 ክዀኑ እንከለዉ ብፍላይ ኣብ ዳርባንዲክሓን ኣብ ከባቢ ኢራቓዊ ኵርድስታን እቲ ካብ ዒራን ዝነቐለ ርእደ መሬት ከምእተሰምዔን ናይቲ ከባቢ ቤት ሕክምና እውን ገሚሳዊ ብድመት ከምዘጋጠሞን ናይ ኤሌትሪክ ኣገልግሎት እውን ከምእተቛረጸን ናይ ከባቢ ዒራቓዊ ኩርድስታን ሚኒስትሪ ጥዕና ልዕሊ 50 ዝግመቱ ዜጋታት ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ገሊጾም ኩነታት ናይቲ ከባቢ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉን ናይ ቱርክ መራሔ መንግስቲ ቢናሊ ዪልድሪ ብውገኖም ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ቱርክ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትልእኽ ምዃና ከምዘረጋገጹን ሕብረት ኤውሮጳ ብውገኑ ብናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳይ ላዕለዋይ ወኪል ፈደሪካ ሞገሪኒ ኣቢሉ ቅርበቱን ድጋፉን ከምዝረጋገጸ ራቪያርት ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.