2017-11-15 14:04:00

ናይ ሕዘን መግለጺ መልእኽቲ ብምኽንያት ዜና ዕረፍት ፈረንሳዊ ብፁዕ ካርዲናል ፓናፊየው


ኣብ ፈረንሳ ናይ ማርሲሊያ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል በርናርድ ፓናፊየው ዕለት 13 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ መበል 86 ዓመት ዕድሜኦም ከምዝዓረፉ ምስ ተሰምዔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ማርሲሊያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ገዮርገስ ፖንቴር ናይ ሕዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና፥ ብፁዕ ካርዲናል ፓናፊየው ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ጉስነቶም ነዘረከቦም ሕዝበ እግዚኣብሔር ብትሕትናን ብፍቕርን እግዚኣብሔር ተመሪሖም ዘገልገሉ በዓል ዓቕልን ጥበብን እንክብሉ ከምዝገለጽዎምን፡ ብፍላይ ስንኩፍን ዘይተረጋገጸን ኵነት ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ዘስዕቦ ኵለንተናዊ ጸቕጥን ከምኡ እውን ናይ ሰበኻኦም ሕዝቢ ንብዝሑነት ዓቢይ ግምት ብምሃብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታን ርእየትን ባህልታትን ዘተ ክህሉን በዚ መገዲ’ዚ ኣቢሎም ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብር ንክረጋገጽ ዝመርሑ ሕያዋይ ኣገልግሊ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን እንክብሉ ከምዘገለጽዎን ዝሓበረ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብፁዕ ካርዲናል ፓናፊየው ዕለት 26 ጥሪ 1931 ኣብ ፈረንሳ ሰበኻ ፖኢቴርስ ዝተወልዱን ኣብ 1956 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ናይ መንበረ ጥበብ ቤተ ጸሎት ሓላፍን ቆሞስን ኰይኖም ዘገልገሉን ኣብ 1974 ዓ.ም. ናይ ቲቢሊ ሰበኻ ጳጳስን ናይ ኣነችይ ሰበኻ ተሓባባሪ ጳጳስ ኰይኖም ተሾምዮም ኣብ 1978 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ኣይክስ ኤን ፕሮቨንሰ ሊቀ ጳጳስን ድሓር ኣብ 1995 ዓ.ም. ናይ ማርሲሊያ ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም ከምእተሰምዩን፡ ካብ 1980 ክሳብ 1986 ዓ.ም. ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ወንጌላዊ ተእልኾ ኣብ ፈረንሳ ሓልዮ ድርገት ኣባልን ካብ 1986 ክሳብ 1992 ዓ.ም. ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድርገት ኣቢያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ሓላፍን ከምኡ ኣውን ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓልዮ ናይ ሓባር ዘተ ምስ ምልስምና ሃይማኖት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ተልእኮ ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ኣባል  ኰይኖም እውን ከምዘገልገሉን ኣብ 2003 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንማዕርገ ካርዲናል ከምዝሰመይዎምን ኣብ ሮማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ባርባሊዮ ስዩም ጳጳስ ከምዝነበሩን፡ ኣብ 2006 ዓ.ም. ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ናይ ርእሰ ሰበኻ ማርሲያሊያ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ከምዝዀኑ የዘኻኽር።

ናይ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ፓናፊየው ቅብሪ ዕለት 17 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሰለስተ ኣብ ማርሲሊያ ካቴድራል ቅድስተ ማሪያም ዓባይ ክፍጸም ምዃኑ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ብፁዕ ካርዲናል ፓናፊየው ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ. ንምምራጽን ር.ሊ.ጳ. ከይኖም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም 120ን 98 ድማ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ዘይመርጹን ዘይምረጹን ኣባላት ዝሓቑፍ ብጠቕላላ ናብ 218ን ኣባላት ከምዝወረደ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.