2017-11-15 14:06:00

ክንክን ጥዕና ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ፡ ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ዘይምዕሩይነት ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ዘሎ ኣገልግሎት ኣብዚ እዋን’ዚ ሚዛኑ ዘይሓለወን ዘይምዕሩይን ምዃኑ ብዕምቆት ዝድህስስን ክንክን ጥዕና ሓደ ካብቶም መሰረታውያን ተባሂሎም ዝገልጹ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምዃኑ ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ምዕባለ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ምስ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተቕዋማትን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ፍሉይ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 18 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክካይድ ምዃኑ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ናሙገራ ዕለት 13 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ብዙሓት ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ኮነ ብቕዓት እውን ዘይብሎም ብፍላይ ኣብ ኵነት ድኽነት ዝነብሩን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሕጹጽ ሓገዝን ደገፍን ኣብ ዘድልየሉ ኩነተ እዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ነዚኣቶም እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ካብ ዝዀነ ሓደ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክረኽቡ ምግባር ናይ ኵሉ ሓላፍነት ብፍላይ ናይ መንግስቲ እዩ ዝበሉ ብፁዕነቶም ኣስዒቦም”

ዕለት 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም. እቲ ካብ 66 ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 500 ተጋባእያን ኣሳቲፉ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስሞዎ መደረ ከምዝኽፈት ድማ ሓቢሮም። ክንክን ጥዕና ንኹሉ ኣብ ዝብልን እዚ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝዀነ ኣግልግሎት ብዘይ ኣፋላላይ ውሑስ ምግባር ዝከኣል ምዃኑን ኣብ ምቕራብ ክንክን ጥዕና ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓ ክውገድ ብመሰረተ ሓሳብ ኣደጊፎም ዘረባ ዘስምዑ ዝተፈላለዩ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ኣባይቲ ሕክምና ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍትን ዘረባ ከምዘስምዑን ገሊጾም፡ ቤተ ክርስቲያን በቶም ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ብኣማኢት ሺሕ ዝቕጸሩ ናይ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋማታ ኣቢላ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ብዙሕ ከምእትዓዪን ብፍላይ ነቶም ኣብ ጽንኩር መነባብሮ ዝክረቡ ዝተነጸሉን ድኻታትን ስደተይናታትን ከምእተቕርብን፡ ካብዘን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋማትን ካብቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ምሕበራትን ካሪታስ እተሰምየ ናይ ረድኤት ካቶልካውያን ማሕበራት ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤትን  ዝተላእኩ ኣካላት እውን ብዛዕባ ዘቅርብዎ ኣገልግሎት ሰፊሕ መብርሂ ክህቡ እዮም ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ኣብ ምርካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓን ኣብ መንጐ ዝማዕበላን ኣብ ጐደና ምዕባለ ዝርከባን ድኻታት ሃገራት ዘሎ ጋግ ንምትኽኻል ቤተ ክርስቲያን ኣብነት ብምዃን ከምእተገልግልን እዚ ዘይምዕሩይ ኣገባብ’ዚ ክውገድ ጻውዒት እውን ከምእተቕርብ ገሊጾም፡ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ዘሎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተመስሎኡ ብሰፊሕ ዝግለጸሉ ዓውደ ጉባኤ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን ኣብ መዳይ ክንክን ሕማም ኤይድስን ከምኡ እውን ሕማም ኤይድስ ንምቁጽጻር ዝግበር ጻዕርን ኣቕርቦት ኣፋውስን እንታይ ይመስልን ከይመይ ከይድታቱ ዝሕብር ሰፊሕ መግለጽታት ዝቐርበሉ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ብፁዕነቶም ከምዝገለጹ ኣመልኪተን።

ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ዛናሪን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበርን ናይ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለን ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ድጋፍ ንስደተይናታት ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ቪቲሎን ዘረባ ከስምዑ ምዃኖምን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተቕዋማትን ማሕበራትን ዝሓቍፍ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ኣቦ መንበር አንቶንይ ተርሲኚ እውን ዘረካ ከስምዑ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ናሙገራ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.