2017-11-16 16:59:00

መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎት እዩ! ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እንራኸበሉ ብሉጽ ግዜ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ብወግዒ ዝጀመርዎ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ምሥራዕ ዝምልከት ሓዲስ ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ‘መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎት እዩ! ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እንራኸበሉ ብሉጽ ግዜ እዩ!’ እንክብሉ ጸሎት ምስ እግዚኣብሔር እንራኸበሉን እሂን ምሂን ንበሃሃለሉን መጋበሪ ከምዝኾነን ኣብ ኩሉ ዘተ ከምዝግበር ከኣ ሓንሳእ እንክትዛረብ ሓንሳእ ከኣ ጽን ኢልካ ነቲ መተዓልልትኻ ክትሰምዖ ስለዘሎካ ጸጥታን ጽን ኢልካ ምኽኣልን ከምዘድሊውን ኣመልኪቶም።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጊሓቱ ዝጽበይዎም ዝነበሩ በሽሓት ዝቊጸሩ ምእመናን ሮማን ከባቢኣን ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ነጋድያንን ተዛዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ዓዲሎምን ካብ ወንጌል ሉቃስ 11.1-4 ‘ንሱ ድማ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ይጽሊ ነበረ እሞ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ አርድእቱ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሓንስ ነርድእቱ ዝመሃሮም፡ ጸሎት ምሃረና፡ በሎ። ኢየሱስ ኸኣ፥ ክትጽልዩ ኸሎኹምስ፥ ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኣብ ሰማይ ከምዝኸውን፡ ኣብ ምድሪ ይኹን። መግቢ ዕለትና ኣብ ጸጽባሕ ሃበና። ንሕና ንዝበደለና ዘበለ ይቕረ ንብል ኢና እሞ ኸምኡ’ውን ሓጢያትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ደኣ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ፣ በሎም።’ ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም፣

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ክንቅጽል ኢና፣ ጽባቔ ምሥራዕ ቅዱስ ቁርባን ንምርዳእ ቅልል ብዝበለ ኣገባብ ንምጅማር ደስ ይብለኒ! መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎት እዩ እኳ ደኣ ክንዮኡ ካልእ ጸሎት ዘየለ ዝለዓለ ጸሎት ኮይኑ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ዘስልጥ ጸሎት እዩ፣ ብካልእ ኣዘራርባ ልዕሊ ኩሉ ኮይኑ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ክትርድኦን ክትጭብጦን ዘጸገም ኮይኑ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣሚንካ ምስ እትፍጽሞ ብፍቃድ እግዚብሔር ሳዕቤኑ ብኡ ንብኡ እትርእዮን መልሲ እትረኽበሉን ጸሎት እዩ፣ እዚ ጸሎት እዚ ንፍቅሪ እግዚኣብሔር ብቅዱስ ቃሉን ብቅዱስ ስጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ እንረኽበሉ ጸሎት እዩ፣ ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ምስ ጐይታ እንራኸበሉ ጸሎት እዩ፣

ኮይኑ ግን መጀመርያ ግድን ክንምልሳ ዘሎና ሓንቲ ሕቶ ኣላ፣ ጸሎትከ እንታይ ማለት እዩ! ጸሎት ማለት ዕላል ዘተ ምስ እግዚኣብሔር እንገብሮ ግላዊ ርክብ እዩ፣ ወዲሰብ ጥንተ ፍጥረቱ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ግላዊ ርክብ ንምንባርን ኮይኑ በዚ ከኣ ምስ ፈጣሪኡ ብዘለዎ ርክብ ጥርይ እዩ ምልኣት ህልውናኡ ዘረጋግጽ! ጉዕዞ መንገዲ ሕይወትከስ ምስ እግዚብሔር ዝግበር ናይ መወዳእታ ፍጹም ርክብ ንምብጻሕ እዩ፣

ኦሪት ዘፍጥረት ዘመደ ኣዳም ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ከምዝተፈጥረን እዚ እግዚአብሔር እዚ ከኣ ኣቦን ወድን መፈስቅዱስን ኮይኑ ኣብ ፍጹም ፍቅራዊ ርክብ ኮይኑ ሓድነት እዩ፣ ካብዚ እንርድኦ ንሕና ኩልና ኣብዚ ፍጹም ፍቅራዊ ሓድነት ርክብ ንክንሳተፍ ከምዝተፈጠርናን ኣብ ቀጻሊ እንካ ሃባ ኰና እናሃብናን እናተቀበልናን ምልኣት እንታይነትና ንረክብ፣

ሙሴ ኣብ ቅድሚ እታ እትቃጸል ቑጥቛጥ መጸዋዕታ እግዚብሔር ምስ ረኸበ ሽሙ መን ከም ዝበሃል ሓተቶ፣ እግዚኣብሔር እንታይ መለሰ! ‘ኣነ እቲ ዘሎ እየ’ (ዘጸ 3.14) በሎ፣ እዚ ኣገላልጻ እዚ ኣብቲ መበቆላዊ ትጉሙ ምሳኻ ምህላውን ሓገዙ ምብርካቱን ይነግር ስለዝኾነ ከኣ ኣብታ ትቅጽል ኊልቂ እግዚኣብሔር ‘ኣነ ጐይታ እየ! ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን’ (15) ይብል፣ ክርስቶስ እውን ንሓዋርያቱ ክጽውዕ እንከሎ ምሳኡ ንክነብሩ ይሓርዮም፣ እቲ ዝዓበየ ጸጋኸስ እዚ እዩ፣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኢየሱስ ንምዃን እቲ ዝኸበረ ግዜ ምስ ቅዱስ ቊርባን ኮይኑ በዚ ኣቢልና ከኣ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኣሕዋትናን ንኸውን፣

ጸሎት ማለት ምስ ጐይታ ምዕላል ኮይኑ ከም ኣብ ማንም ዕላል ክትዛረብ ጥራይ ዘይኮነ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ሱቅ ምባል የድሊ ከመይ እቲ ዘተዓልል እንታይ ከምዝብል ምስማዕ መሰረታዊ ስለዝኾነ በዚኸስ ምስ ኢየሱስ ብጸጥታ ኰፍ ምባል የድሊ፣ ናብ ቅዳሴ እንክንከይድ ምናልባት ሓሙሽተ ደቂቅ ኣቀድም ኣቢልና እንተመጺእና ክንዲ ብጸጥታ ንጐይታ ጽን ንብል ምስቶም ኣብ ጥቃና ዘለዎ ክነሕሸዂሹዂ ንጅምር፣ ኮይኑ ግን ናይ ዕላል ግዜ ኣይኮነን፣ ብጸጥታ ናብቲ ዝዓብየ ዕላል ምስ ጐይታ እንሰናደውሉ ግዜ እዩ፣ ምስ ኢየሱስ ንክንራኸብ ሓሳብናን ሕልናናን እንሰናድወሉ ክቡር ግዜ እዩ፣ ሱቊ ምባል ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ፣ ዝሓለፈ ሶሙን ዝበልክዎ ዘክርዎ! ናብ ቅዳሴ እንክንከይድ ናብ ትያትር ዘይኮነስ ምስ ጐይታ ንክንራኸብ ኢና እንኸይድ እሞ ሱቕታ ከሰንየናን ከሰናድወናን ነፍቅደሉ፣ ብጸጥታ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ፣ ካብዚ ምሥጢራዊ ሱቕታ እግዚኣብሔር እቲ ኣብ ልቢ ዘቃልሕ ቃል እግዚብሔር ይፍልፍል፣ ኢየሱስ ኣብዚ ምድራዊ ሕይወቱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ኣቦ በይንኻ ኮንካ ምዕላል ብሓቂ ከምዝከኣል ብጸሎት ከኣ ከምዝግበር ኣርእዩና እዩ፣ ወንጌላውያን ኩሎም ኢየሱስ ወትሩ ንክጽሊ ኣብ ጽምው ዝበለ ቦታ በይኑ ይኸውን ከምዝነበረ እንከመልክቱ ሓዋርያት ከኣ ነዚ ምስ ኣቦኡ ዝነበረ ርክብ ብምርኣይ ንሶም ከምቲ ናቱ ምስ ኣቦ ክራኸቡ ይደልዩ እሞ ‘ጐይታ ጸሎት እንዶ ግዳ መሃረና’ (ሉቃ 11.1) ይብልዎ፣ ከምቲ ኣብ መባእታ ናይዚ ትምህርተ ክርስቶስ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ኢየሱስ ነዚ ሕቶ ክምልስ ከሎ ንክትጽሊ ቀንዲ ረቋሒ ኣቦ ኢልካ ምኽኣል እዩ፣ ነስተውዕል! ኣነ እንተደኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ክብሎ እንተዘይክኢለ ክጽሊ ኣይክእልን እየ፣ ስለዚ ኣቦ ምባል ክንመሃር ኣሎና ማለት ኣብ ቅድሚኡ ብውሉዳዊ ተኣማንነት ክንቀርብ ኣሎና፣ ኮይኑ ግን ንክትመሃር ትምህርቲ ከምዘድልየና ብትሕትና ክነፍልጥን ገርሀይና ብዝኾነ መንገዲ ጐይታይ ጸሎት እንዶ መሃረኒ ክንብል ክንክእል ኣሎና፣

 እዚ እቲ ቀንዲ መበገሲ ኮይኑ ትሑታት ምዃን ደቂ ኣምላኽ ምዃና ምፍላጥን ኣብ ኣቦ ተጸጊዕና ከም ውሉድ ኣባኡ ክንእመን የድሊ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝብሎ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ከም ሕጻናት ናእሽቱ ምዃን የድሊ፣ ትርጉም ናይዚ ከኣ ሕጻናት ከመይ ገርካ ከምትተኣማመን ይፈልጡ እዮም! ብዛዕባ መግቦምስ ይኹን ብዛዕባ ክዳኖም ሓደ ብዛዕባኦም ዝግደስ ሰብ ከምዘሎ ይፈልጡ እዮም፣ (ማቴ 6,25-32) እዚ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ኮይኑ ከምቲ ሕጻናት ኣብ ወለዶም ዘርእይዎ እምነትን ምትእምማንን ርኢኻ እግዚእብሔር ብዛዕባኻን ብዛዕባይን ብዛዕባ ኩልና ከምዝግደስን ከምዝሓልየልናን ክምዝዝክርን ምእማንን ምትእምማንን የድሊ፣

እታ ካልኣይቲ ከኣ ንሳውን ናይ ሕጻናት ኮይና እግዚኣብሔር ብዘይተሓስበ መንገዲ ኣገርህ ኣቢሉ ክረድኣካ ምፍቃዱ እያ፣ ሓደ ሕጻን ንዓለም ክፍለጥ ስለዝደሊ መዓት ሕቶታት የቅርብ ወላ በተን ናኣሽቱን ቀለልትን ዝመስለና ነገራት ይድነቅ ከመይ ንኣኡ ኩሉ ሓዲስ እዩ፣ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታውከስ ክንድነቅ ክንክእል ኣሎና፣ ምስ ጐይታ ኣብ ዘሎና ርክብ ማለት ኣብ ጸሎት ክንድነቅ ነፍቅድዶ ወይ ከምቲ ፓፓጋሎ ዝገብሮ ጸሎት ንዓና ዘረባ ጥራይ ገርና ንሓስቦ! ከምዝስ ኣይፋል! ጸሎትሲ ብእግዚኣብሔር ምትእምማንን ልባትና ንክድነቅ ምኽፋትን እዩ፣ በቲ ናይ ሃንደበታውያን ዘደንቁ ነገራት ኣምላኽ ብሃንደንበት ክንድነቅዶ ልብና ከፊትና ንጽበ! ከመይ ምስ እግዚኣብሔር እንገብሮ ርክብ ወትሩ ሕያው ርክብ እዩ፣ ቤተመዘክራዊ ርክብ ኣይኮነን፣ ናብ ቅዳሴ እንክንከይድ ናብ ሕያው ርክብ ኢና እንኸይድ እምበር ናብ ቤተመዘክራዊ ርክብ ኣይኮነን እንኸይድ፣ ምስ ጐይታ ኣብ ሕያው ርክብ ንምእታው ኢና እንኸይድ፣

ኣብ ወንጌል (ዮሓ 3.1-21) ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ ነንብብ፣ እዚ ሰብዚ ብዕድመ ዝደፍኤ ኣብ እስራኤል በዓል ሥልጣን ዝነበረ ኮይኑ ንኢየሱስ ምእንቲ ክፈልጥ ናብኡ ይኸይድ፣ ኢየሱስ ከኣ ብዛዕባ ካብ ላዕሊ ዳግም ክውለድ ከምዘልዎ ይነግሮ፣ ዋእ እንታይ ማለት እዩ ሰብዶ ዳግም ክውለድ ይከኣሎ እዩ! ሓንሳብ ምስ ሸምገልካ ኣብቲ ናይ ቀደም ጣዕምን ሓጐስን ዘድንቅ ሕይወትን ምምላስዶ ይከኣል እዩ! እሞኸኣ ምስዚ ኩሉ ሁከት! እዛ ሕቶ እዚኣ መሰረታዊት ሕቶ እምነትና ኮይና ነፍሲወከፍ ኣማናይ ክፈልጣ ዝደልን እንደገና ተወሊድካ ነቲ ሓጐስ ብሓዲስ ምጅማር እውን ሃረርታና እዩ፣ እዚ ሃረርታ እዚ ኣሎኩምዶ! ከም ሓቁ ነዚ ሃረርታ እዚ ብቀሊሉ ክንስእኖ ንኽእል! ምኽንያቱ ከኣ ሕይወትና ብብዙሕ ሻቅሎትን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎም ዘሎና ብዙሕ መደባትን ስለዝዕብለል ኣብ መወዳእታ ንዓና ዝኸውን ግዜ ንስእን እሞ ነቲ መሰረታዊ ነገር ኣብ ከውሊ ነቀምጦ፣ ሕይወት ልብና መንፈሳዊ ሕይወትና ብጸሎት ምስ ጐይታ ምርኻብ እዩ፣ እንተዘየሎ ልብና ይድንዝዝ መንፈስና ይዝሕል፣

ከም ሓቁ እንተኾይኑ ጐይታ ኩሉ ግዜ ወላውን ኣብቲ ድኻምነትና ከምዘፍቅረና ብዝተፈላለየ መንገዲ ብሃንደበት ክገልጸልና ይርከብ፣ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ዮሓንስ ሓዋርያ ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓጢኣትና ዝድምስስ በዣ ኮነ፣ ናትና ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ምሉእ ዓለም ሓቲኣት ዚድምስስ በዣ ንሱ ጥራሕ እዩ’ (2.2) ይብል፣ እዚ ጸጋ እዚ ሓቀኛ ምንጪ ናይ ምጽንናዕ እዩ ማለት ጐይታ ኩሉ ግዜ ይምሕር! እዚ ብሓቂ ዘጸናንዕ እዩ ሓቀኛ ምጽንናዕ ከኣ እዚ እዩ። እዚ ጸጋዚ ከኣ በቲ መርዓዊና ዝኾነ ጐይታ ኣብ መኣዲ መርዓ ነቲ ድኻምነትና ዝረኽበሉ ብጥቀ ቅዱስ ቊርባን ኣቢሉ እዩ፣  ኣብ ግዜ ቅዳሴ ቅዱስ ቊርባን ክቅበል ከሎኹ ጐይታ ንድኻምነተይ ይረኽቦ ክብልዶ እኽእል! እወ! ከምኡ ክንብል ንኽእል ከመይ እዚ ሓቂ እዩ፣ ናብታ መበቆላዊት ንጽሕቲ ጸዋዕታና ንክመልሰና ጐይታ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ንድኻምነትና ይጾሮ፣ እታ መበቆላዊት ጸዋዕታ ንብላ ከኣ እታ ብኣምሳሉን ብመልክዑን ዝፈጠረና ኣምላኽ ካብ ዘይምህላው ናብ ህላዌ ዘምጸኣና ዓባይ ናይ ፍጥረት ጸጋ እያ፣ ትርጉም ጥቀ ቅዱስ ቁርባንከስ እዚ እዩ፣ ጸሎት ማለት እውን እዚ እዩ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.