2017-11-17 09:29:00

ተቕዋም ኣስታሊ፡ ዕዉት መደብ ኣእንጋዲ ማሕበረሰብ


እቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝቖመ ብማእከል ኣስታሊ ዝፍለጥ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ግብረ ሰናይ ዘቐርብ ማሕበር ሓገዝን ድጋፍን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ 2013 ዓ.ም. ስደተይናታት ክእንገዱን መንግስታት ዓለምን ከምኡ እውን ቁስምናታትን ሰበኻታትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ኣብ ምእንጋድ ስደተይናታት ክተግሁ ቅዱስ ኣቦና ብዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ገይሩ እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ገሚሳዊ ርእሰ ምሕደራ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለያ መንፍስዊ ማሕበራት ስደተይናታት እንገዳ ክረኽቡ ኣሚቱ ኣእንጋዲ ማሕበረሰብ ዝብል ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግብረጐርያና መንበረ ጥበብ ብወግዒ ዘቕረቦ መደብ ረድኤት ዕዉት ውጽኢት የዕርት ምህላዉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣስዒበን እዚ ኣስታሊ ማእከል ዝሓንጸጾ ኣእንጋዲ ማሕበረሰብ እተሰምየ መደብ ኣብ ሮማ ናይ ካህናትን ደናግል መንፈሳዊ ማሕበራት ብጠቕላላ ኣብ ሳላሳ መንፈሳዊ ማሕበራት ይትግበር ምህላዉ ገሊጸን።  

ናይ ኣስታሊ ማእከል ኣማሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ካሚሎ ሪፓሞንቲ፥ ስደተይና ኣብ ዝተኣንገደሉ  ሃገር ተዋሂዱን ተፋሊጡን ከንብሮ ዘኽእሎ መደብ የድልዮ፡ እዚ ሓደ ኣብቲ ኣእንጋዲ ማሕበረሰብ ዝብል መደብ ዘመልክቶ ሓሳብን ተግባርን እዩ። ሓደ ሰብ ተዋሂዱን ተፋሊጡን ከንብሮ ዝኽእል ዕድል ብዘይ ምቕራብ ምእንጋድ ዝከኣል እዩ። እዚ ግን ምሉእ ንገዳ ክኸውን ኣይክእልን። ሰብ ምእንጋድ ንምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኰረ እዩ ክኸውን አለዎ። እቲ ኩሉ ናይ ግብረ ስናይ ኣገልግሎት ኣብዚ ዘተኰረ እዩ ክኸውን አለዎ። እንተዘይኰይኑ ምሉእ ምእንጋድ ወይ ከኣ ምሉእ ግብረ ሰናይ ክኸው ዘይሕሰብ እዩ እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.