2017-11-17 09:28:00

ንቕዱስ ኣቦና ካብ ናይ ኢጣሊያ ቅድስቲ ኣጋታ ናይ ማኪና ፋብሪካ ዝተበርከተሎም ላምቦርጊን ዝዓይነታ መኪና


ስፖርታዊት ምሹውቲ ናይ ሁራካን ኣብነት ዝዀነት ላምቦርጊን ዝዓይነታ መኪና ካብ ናይ ኢጣሊያ ቅድስቲ ኣጋታ ናይ መኪና ፋብሪካ ዕለት 15 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝተረኽቡ ናይቲ ፋብሪካ ኣባላት ምሕደራ ከም ህያብ ከምዝተገሰሎምን ቅዱስነቶም ኣብታ መኪና ፊርማኦም ከምዘነበሩ እውን ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መልግለጺ እንከመልክት፡ ቅዱስነቶም ከም ገጸ በረከት ዝተውሃበቶም መኪና ድማ ብቐጥታ ሶትሀብይስ ብእተሰምየ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ሎንደን ብዘሎ ናይ እንግሊዝ ናይ ግሊ ኣጫራቲ ማሕበር ንጨረታ ቐሪባ ክትሽየጥ ቅዱስነቶም ከምዝወሰኑን እቲ ዝርከብ እቶት ፍርቁ በቲ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ዝዀነ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ኣቢሉ ኣብ ኢራቕ ናይ ከባቢ ሰጣሕ ጎልጎል ነነዌ ሕዝቢ ማለት ካብ ቤቱን ንብረቱን ተመዛቢሉ ዝነበረ ተቐማጢ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌ ድሕሪ ስለስተ ዓመት ምዝብልና ናብ ቤቱን ከባቢኡን ይምለስ ንዘሎ ሕዝቢ ድጋፍን ክውዕል ከምዝወሰኑ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

ፍርቁ ናይ ጨረታ እቶት ድማ በቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ብዝፍጽምዎ ሓድሽ ሰብ ናይ ምሻጥን ምልዋጥን እኵይ ተግባር ኣደዳ ኰይነን ናብ ጸረ ሰብኣዊ ዝዀነ ንዘስካሕክሕ ንግድ መጋበርያ ግብረ ስጋ ዝተዳርጋ ደቂንስትዮ ካብቲ ዝወደቓሉ መጻወዲያ ሓድሽ ጊልያነት ንምድሓን ዘገልግል ካብዚ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለዩ ዝኽሪ መበል 10 ዓመቶም ዝሕሰብ ብዘሎ ነፍሰ ሄር ክቡር ኣባ ኦረስተ በንዚ ዝመስረትዎ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝክረ መበል 50 ዓመት ምስራታኡ ዘብዕል  ማሕበረሰብ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ንዘካይዶ ግብረ ሰናይ መሳለጥን ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪቃ ግብረ ሰናይ ክንክን ጥዕና ዘወፍይ ብፕሮፈሰር ማርኮ ላንዘታ ዝተመስረተ ጂካም እተሰምየን ብፍላይ ንሕጻናትን ደቀንስትዮን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ንዝፍጽም የዕሩኽ ሃገረ ማእከላዊት ኣፍሪቃ ንእተሰምየ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንዘቕርቦ ድጋፍ መሳለጢ ዝውዕል ክኸውን ቅዱስነቶም ከምዘወሰኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.