2017-11-17 09:25:00

ዚምባብወ፡ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ስልጣን ይኹን ደኣምበር ዕልዋ መንግስቲ ኣይፈጸምኩን ይብል


ኣብ ሃገረ ዚምባብወ ሓይሊ ምክልኻል 93 ዓመት ዝዕድሚኦም 37 ዓመት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ርእሰ ብሔር ሙጋቤን በዓልቲ ቤቶምን ኣብ ሓለዋ ከምዘንበርዎምን ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ከቢቦም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምእታው ንገለ ገለ ኣባላት መንግስቲ ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ናብ ቤት ማሕቡስ ከምዘውረዱን ክንገር እንከሎ፡ ሓይሊ ምክልኻል እቲ ዝፈጸሞ ተግባር ዕልዋ መንግስቲ ኣይኰነን ከምዝበለ ካብ ሓይሊ ምክልኻል ዝፍነዉ ዘለዉ ምንጪ ዜና ይሕብሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ዚምባብወ ካብ ናይ እንግሊዝ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምሕራር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ነጻነት ቃልሲ ብሓብር ምስ ሙጋቤ ዝነበሩ ምኽትል ርእሰ ብሔር ሙጋቤ ኰይኖም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ድሕሪ ሙጋቤ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣን ምልቃቕ ዝትክኡን ርእሰ ብሔር ንምዃን ኣብ ዝካየድ ምርጫ ሕጹይ ተመራጹ ኰይኖም ዝቐርቡ እዮም ተባሂሉ ንዝንገረሎም ምናንጋግዋ ካብ ስልጣኖም ብኽሕደት ሃገር  ብዝብል ክሲ ብሙጋቤ ተኸሲሶም ካብ መዝነቶም ከምእተኣልዮ ክዝከር እንከሎ እዚ ግና ንርእሰ ብሔር ሙጋቤ በዓልቲ ቤት ግረስ ናብቲ ስልጣን ንምድያብ ዘኽእል ፖለቲካዊ መገዲ ብዓንተውኡ ንምጽራግ ብዝብል ምስምስ ዝተፈጸመ ፖለቲካዊ ውዲት ምዃኑ ናይ ፖለቲክ ተንተንቲ ይሕብሩ።

ኣብ ኢጣሊያ ሶለ 24 ኦረ ናይ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይና ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቅ ሪካርዶ ባርላም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ዚምባብወ ኣብ 2018 ዓ.ም. መደብ መረጻ ርእሰ ብሔር ዝካይድ ብምዃኑ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህልው ኩነት ነዚ ከም መርኣያ ዝገበረ እዩ። ኰይኑ ግና ናይዚ ህልው ኩነት ፍጻሜ ቅድመ ግምት ጌርካ ክትዛረበሉን ከምዚ ክኸውን እዩ ቢልካ ክትዛረበሉ ብሓቂ ኣሸጋሪ እዩ። ነቲ ዘሉ ውጡር ኩነት ርኢኻ ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህልዉ ኩነት ፍልቀት ምጽባይ ጥራሕ እዩ ግድን ዝኸውን።

ዚምባብዌ ካብ መላእ ብዝሒ ሕዝቢ ኣብ ስራሕ ዓለም ክዋሳእ ካብ ዝግብኦ ጠቕላላ እቲ 95 ሚእታዊ ዝሽፍን ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዔ እዩ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ 75 ሚእታዊ ዝሽፍን ድማ ትሕቲ ደረት ድኽነት ዝነብር እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ንርእሰ ብሔር ሙጋቢ ደጊፉ ኣብ ኣደባባይ ዝወጽእ ሕዝቢ ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ። ዚምባብዌ ብጸጋታት ተፈጥሮ ዝተዓደለት እያ፡ ሃብታም ክትኸውን እትኽል ሃገር እያ። ዳርጋ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ክበሃል ይከኣል ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ሓይሊ ምክልኻል እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ናይ ግድን ኰይኑ ኣሎ። ስለዚህ ለውጢ ካብ ሓይሊ ምክልኻል እዩ ዝመጽእ ዝብል ኣተሓሳስባ ብሰፊሕ እዩ ዝረአይ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.