2017-11-21 09:33:00

ምያንማር፡ ብፁዕ ካርዲናል ቦ፥ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ዘካይድዎ ርክብ


ዕለት 27 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዝሳፈሩላ ነፋሪት ኣብታ ክሳብ 1948 ዓ.ም. ትሕቲ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበረት ናይ ቀደም ቢርማንያ ናይ ሎሚ ሃገረ ምያንማር ርእሰ ከተማ ያንጎን ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሓን እቲ ቀዳማይ ኣብ ምያንማር ሳልሳይ ኣብ ክፍለ ዓለም እስያን ዝገብርዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። ቅዱስነቶም ምስታ ካብ ጠቕላላ 51 ሚልዮን ብዝሒ ሕዝቢ 700 ሺሕ ካቶሊካዊ ምእመን ዜጋታት ዝርከብዋ ሃገር በጺሖም ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ተስፋን ዕርቅን ምሕረትን ሰላምን ዘነቓቕሕ ከምዝኸውን ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ እዩ።

ዕለት 29 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ክያኢካሳን መናፈሻ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ቀጺሎም ምስ መንእሰያትን ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ምስቶም ኣብ ምያንማር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ክራኸቡን እዮም። እቲ ምስ ናይ ሃገረ ምያንማር ረፓብሊካዊት ርእሰ ብሔር ሕቲን ክያውን ቀጺሎም ናይ 1991 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት መራሔ መንግስትን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትርን ኣውንግ ሳን ሱ ኪይ ዘካይድዎ ርክብ ናይ መላእ ዓለም ዓይኒ ዝስሕብ ከምዝኸውን ብዓንተው ንምርዳእ ዝከኣል እዩ።

ብዛዕባ እዚ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምያንማር ኣመልኪቶም፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ  ዕለት 18 ሕዳር 2017 ዓ.ም.  ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተራኸቡ ናይ ምያንማር ርእሰ ከተማ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነቲ ዝነበረ ወትሃደራዊ ስርዓት ዝዓገተ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ፋልማይ ናጻ ሕዝባዊ ምርጫ ስጒሚ ስርዓት ዴሞክራሲ እንታይ ይመስል ዝብል ሕቶ ብፁዕነቶም እንክምልሱ፥ ብርግጽ ይብሉ እቲ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ተቐይሩ እዮ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሕጂ እውን እንተዀነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብዙሕ ናይ ምያንማር ፖለቲካውን ምሕድራዋን መዳያት ዝቖጻጸር በዓል ሓይሊ እዩ። ብርግጽ ፖለቲካዊ ኤኮኖሚያዊ ማሕበራዊ ለውጢ ክረአይ ጀሚሩ ኣሎ” ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ምያንማር ዝተረጋገጸ ስርዓት ደሞክራሲ ኣብ ኣፈና ዘሎን ገና ተነቃፊ እውን እዩ ኢሎም።

ኣብ ምያንማር ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብቲ ናይታ ሃገር ግብረ ገባዊ ሕንጸት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣለወን። ሕድ ሕዳዊ ምስሕሓብ የሎን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምክብባር ኣሎ። ጸንፈይናታት መነኰስ ቡድሃውያን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምያንማር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም ዝብል ዜና ምስ ተሰምዔ ኣሉታዊ ርእዮት ክህቡ ተራእዮም እዮም። ደሓር ግን ነቲ ኣሉታዊ ርእዮቶኦም ብምሕዳግ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ።

ብርግጽ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምያንማር ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ክራኸቡ እዮም ዝብል ወግዓዊ መርሓ ግብሪ ዘየሎ እውን እንተዀነ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ርክብ ክህሉ ዝግበርዎ ጻዕሪ ኣብ ምያንማር ኣብ መንጐ ሃይማኖት ቡድሃን ምስልምናን ሂንዱን ክርስትያንን ርክብ ክህሉ ዝድግፍ ከምዝኸውን ተስፋ ኣሎ። እዚ ኽኣ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝኸውን ግምት ኣሎኒ ኢሎም።

ኣብ ምያንማር ሕጂ እውን ኣብ መንጐ ሓይሊ ምክልኻል ብዙሕ ምስሕሓብን ዓመጽን ኣሎ። መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ዘሎ ህልው ኩነት ንምቅጽጻር ዘይኽእል ዘምስሉ ብዙሕ ኩነት ይረአይ። ዓሌታውን ሃይማኖታውን ምስሕሓባት ኣሎ፡ እቶም ዓሌት ሮሂንግያ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዝነበረ ወትሃደራዊ ስርዓት ቢርማናዊ ዜግነቶም ካብ ዝተመንጠልሉ ካብ 1982 ዓ.ም. ንነጀው ንስደትን ምዝብልናን ዝተዳርጉ ቢርማናውያን እያቶም፡ ካብ ወርሒ ነሓሴ 2017 ዓ.ም.  ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ልዕሊ 600 ሺሕ ዝግመቱ ቢርማናውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዓሌት ሮሂንግያ ካብ ወትሃደራዊ ጸቕጥን ዓመጽን ብምምላጥ ናብ ባንግላደሽ ተሰዲዶም እዮም። ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ነዞም ዝተመዛበሉን ዝተሰዱን ቢርማናውያን ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ደገፍ እውን የቕርብ ምህላዉ ገሊጾም ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሰላም ዝዘርእ ከምዝኸውን ናይ ኵሉ ተስፋ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠናቒቖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.