2017-11-21 09:31:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፥ ናብ ምያንማር ከም ምልክታ ዕርቅን ምሕረትን ሰላምን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 27 ሕዳር ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምዝነበረ እንክዝከር፡ ቅዱስነቶም ዕለት 17 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ናብ ሃገረ ምያንማርን ነቲ 51 ሚሊዮን ሕዝቢ’ታ ሃገርን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል፡ መልእኽቲ ዕርቅን ምሕረትን ሰላምን ዝኾነ ቃል ከበስረኩም ናባኹም ክመጽእ እየ ቢሎም ብፍላይ ነቶም ኣብታ ብዙሃን ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዝነብሩላ ሃገር ንዝርከቡ ኣስታት 700 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እናሓሰቡ እቲ ናተይ ናባኹም ምብጻሕ ኣብ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለኵም እምነትን እቲ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ መሰልን ክብር ምኽባር ዝብልን ልባትና ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምኽፋትን ብፍላይ ንድኻታትን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ኣሕዋት ቀረባ ምዃን ዝብል ብቓልን ሕይወትን ኣብ እተቕርብዎ ወንጌላዊ ምስክርነት ንምጽናዕ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ስኒት ንምሕናጽ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ጻዕሪ ምኽባር

ክበጽሓኩም ሃረርታ ኣሎኒ፡ እዚ ሃረርታይ’ዚ እግዚኣብሔር ከሳልጦ ፍቓዱ ይዅን። ነቲ ስኒት ንምርግጋጽ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ብዘኽብርን ብዘተባብዕን መንፈስ ናባኹም አብል ኣመንቲ ይዅኑ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኵላቶም ሓድ ሕዳዊ ምርድዳእን ምክብባርን ዝዓሰሎ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘስተውዕሉን ኩላትና ደቂ ሓደ እግዚኣብሔር ብምዃንና ድማ ከም ሓደ ሰብኣዊ ስድራ ብሓባር ምንባርን ንናይ ሓባር ጥቕምን ኣብ ምርግጋጽ ዝዓዩ ብዙሓት ምዃኖም ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፡ ነቲ ናቶም ኣብ ምያንማር ምብጻሕ ንምእንጋድ ዘድሊ ኵሉ ምቅርራባት ዘሳልጡ ንዘለዉ ምያንማርያውያን ኣመስጊኖም፡ እቲ ናተይ ናባኹም ምብጻሕ ኣብ ኩሉን ንኹልን ብዘይ ፍልልይ ናይ ተስፋን ምትብባዕን መንፈስ ኰይኑ ክርከብ ስለይ ጸልዩ። ኣብ ልዕሌኹምን ልዕሊ ኣባይቲ ስድራኹምን ናይ ሓሴትን ሰላምን ቡራኬ እግዚኣብሔር እምሕጸን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ምያንማር ካብ ዕለት 30 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ነሓሴ 2017 ዓ.ም. ድማ ኣብ ሃገረ ባንግላደሽ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.