2017-11-21 09:35:00

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፡ ኣብ ሃይማኖት ቡድሃን እምነት ክርስትናን ናይ ሓባር ዘተ፡ ዘተ ምእንቲ ጸረ ዓመጽ


ንስልጣን ሓቂ ምዝራብ ብፍቕሪ ሓቂ ምግላጽን ናይ ርክብ ባህሊ ንምሕናጽን ካብ መልሰ ግብሪ ናብ መልሰ ግብሪ ዘሰጋግር ዝድግፍ ባህል ምውጋድን ንካልእ ሸልል ናይ ምባል ባህሊ ምስናፍን ካብ ልዕሊ ሕጊ ምዃን ምውጋድን ምክብባርን ምንቕቓሕን ማሕበራዊ ሰላም ምህንጣይን ብውሽጣዊ ሰላም ክውን ምግባርን ብዝብል ሽዱሽተ መገድታት ተመሪሕካ ዘይጐነጻዊ ባህሊ ምርግጋጽ ዝብል ሓሳብ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታዉራን ኣብቲ ካብ ዕልት 13 ሕዳር ተጀሚሩ ክሳብ ዕለት 16 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ታይዋን ኣብ እተኻየደ ናይ ቡድሃ ሃይማኖትን እምነት ክርስትናን ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመሩሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 17 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣፍሊጡ።

ነዚ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሑን ኣብ ታይዋን ታይፐ ኣብ ዝርከብ ናይ ብድሃ ሃይማኖት ደብሪ ሊንግ ዡ ዝተኻየደ ናይ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓወደ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ዓመጽ ሰብኣዊ ሕይወት የዕንው፡ ስለ’ዚ እቲ ናትና ዕማም ነቲ ዝተጋምዔ ሕብረተሰብ ምፍዋስ እዩ፡ ከምዝበሉ ኣብ ናይ ዕለት 17 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ሕትመቱ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣስዒቡ፥ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንዓመጽን ጐነጽን ፍቱን ፈውሲ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ጐነጽ እቲ ናትና ግብረ መልሲ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን መሰልን እምበር ኣብ ናይ ግሊ መንነትን ቅድመ ፍርድታትና ዘይቆመ ጸረ ግርጭትን ጸረ ኣልቦ ስኒትን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ብፍላይ ኣብ ኣባይቲ ስድራናን በርገሳውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ተቕዋማትና ጐነጽን ዓመጽን ዝነጽግ ሕድሕዳዊ ምክብባር ዘመልክት ሓድሽ ናይ ሕይወት ኣግባብ ከነማዕብል ይግባእ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብፁዕነትም ኣብ ናይ ብድሃ ሃይማኖት ትምህርቲ ተወኪሶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ብበዓለ ብርሃን ናይ ሃይማኖት ቡድሃ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርሑስ በዓል ቨስካሕ (ብርሃን) መልእኽቲ ዝጠቐስዎ፡ ሽዱሽተ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ መገድታት፥ ንስልጣን ሓቂ ምዝራብ ብፍቕሪ ሓቂ ምግላጽን ናይ ርክብ ባህሊ ንምሕናጽን ካብ መልሰ ግብሪ ናብ መልሰ ግብሪ ንዘይምስግጋር ዝድግፍ ባህል ምስግጋርን ንካልእ ሸልል ናይ ምባል ባህሊ ምስናፍን ካብ ልዕሊ ሕጊ ምዃን ምውጋድን ምክብባር ምንቕቓሕን ማሕበራዊ ሰላም ምህንጣይን ብውሽጣዊ ሰላም ክውን ምግባርን ዝብሉ ጠቒሶም እዚ ማለት ከኣ ስለ እቶም ዝተናዕቁን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ስለ እቶም ፍትሒ ዘእውዩን ጠበቓ ብምዃንን ስሌኦም ደው ብምባልን ኢፍትሓውነት ኩሉ ብምኹናን ክንበር ዘለዎ እዩ፡ ብድሃ ንስልጣናት ሓቂ ምንጋር ስለ ዝበለ በዚ ትምህርቱ’ዚ ሕይወቱ ንሓደጋ ኣቃሊዑ እዩ። ስለዚህ ንሕና ናይ ቡድሃን ክርስትናን እምነት ሰዓብቲ እቲ ዝረአይ ግብረ ክፍኣት ብዓውታ ከነውግዝን ክንቃወምን ተበዓት ክንከውን ይግብኣና። እዚ ክንገብር እንኰለና ነቶም ዝሳቐዩ ዘጸናንዕ ቃል ነስምዕ ብተግባር እውን ርእዩ ንገብር ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣመልኪቱ።

ብዱሃዊ መነኮስ ቲኽ ንሃት ሃንሕ ኣብ እዋን ውግእ ቪየትናም በቶም ኣብቲ ናይ ቪየትናም ውግእ ተዋሰእቲ ብዝነበሩ ሓይልታት ሰላም ንኽረጋገጽ ጻውዒት ስለ ዘቕረበን ምእንቲ ሰላም ደው ስለ ዝበለ ከዳዕ ብዝብል ክሲ ንስቓይ ተዳረገ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ገዳማዊ ቶማስ መርቶን ግና ብወገኑ ነቶም መነኵስ ቡድሃ ሓው ቢሉ እዩ ዝጽውዖም ዝነበረ። እዚ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ፍቕርን ሕውነትን ድማ ምርድዳእን ሰላምን ፍቕርን ብዝብል ቃል ሰላም ዝብል ቋንቋ ተቓልሔ። እዚ ተግባሮም’ዚ ድማ ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ኰነ። ንኣና ድማ ብሓባር ኩነት ኢፍትሓውነትን ጭቖናን ምንጻልን ክንገጥም የተባብዓና ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣስዒቡ፥ ብፁዕነቶም ቀታሊ ሰብ ዝነበረ ደሓር ሃይማኖት ብድሃ ተቐቢሉ ሕይወቱ ዝለወጠ arahant - ንክቡርነት ብቑዕ ተባሂሉ ብሃይማኖት ብድሃ ዝተኣወጀሉ ኣንጉሊማላ ልክዕ ከም ቅዱስ ማቴዎስ ሌዊ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ግብሪ ዝቕበል ዝነበረ ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኽበ ሕይወቱ ዝተለወጠ፡ ናይ ክልቲኣቶም ሕይወት እቲ ዝነበሮም ካልኦት ዘሳቕይ ናይ ግሊ ሕሉፍ ታሪኾም ብዘየገድስ ሰብ ክልወጥ ከምዝኽእል የረጋግጸልና። ብሓባር ስለ እቶም ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ድኻታትን ስደተይናታትን እቲ ዘሎና ባህላውን ሃይማኖታውን ማሕበራውን ፍልልያት ብዘየገድስ ስሌኦም ደው ንበል ስለ መሰሎምን ክብሮምን ብፍቕርን ሓቅፍ ፍትሕን ንጣበቕ።

ዓመጽ ዝገደደ ዓመጽ እዩ ዝወልድ ስለዚህ ዓመጽ ብግብረ ዓመጽ ምስ ዝምለስ ምምለጢ ናብ ዘይብሉ ናይ ክፋእ ዓንኬል ይእተው። ቂምን ሕነ ምፍዳይን የስፍሕ፡ ቡድሃን ኢየሱስን ግና ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ትምህርቲ ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሩ እያቶም። ዓመጽን ጐነጽን ኣቐዲምካ ብኸመይ ክትከላኸሎ ከምዝግብኣካ የስተምህሩ፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ድማ ስለ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ምዕባለን ፍትሕን ሰላምን ፍቕርን ከረጋግጽ ዘብቕዕ መገዲ ይሕብር ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።         








All the contents on this site are copyrighted ©.