2017-11-23 16:52:00

መስዋዕተ ቅዳሴ ቀዳማይ መዓልቲ ድኻታት፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ዝተዓጽው ኢድ ዘይኰነስ ምእንቲ ድኻታት ዝዓዩ ኣእዳው ይሃልወና


ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፍልዩ ናይ ምሕረት ዓመት እዋን ዕለት 19 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ተባሂሉ ክሕሰብ ብዝሃብዎ ውሳኔ መሰረት ዕለት 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ መዓልቲ ድኻታት ተሓሲቡ ከምዝወዓለ ክንገር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ብዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበራት ወለንተይናታን ዝተሰንዩ ካብ ኢጣሊያን ወጻእን ዝተዋጽኡ ኣርባዕተ ሺሕ ድኻታት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዘዕረጉን ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ 1.500 ድኻታት ምስ ቅዱስ ኣቦና ናይ ምሳሕ መዓዲ ከምእተቛደሱን እቶም ዝተረፉ ድማ ሮማ ኣብ ዝርከቡ መንፈሳዊ ማሕበራት ኣብ ዝቐረበሎም ናይ ምሳሕ ዕድመ ከምእተሳተፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

 

ቅዱስነቶም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ

         ምጽሓፈ ምሳሌ ምዕ. 31፡ 10-13፤ 19-20፤30-31

         ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ምዕ. 5፡ 1-6

          ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25፡ 14-30

ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እቲ ዘስግእን ዓቢይ ሓደጋን ንኣና ልክዕ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ተመልኪቱ ዘሎ ከምቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ ምዃን እዩ፡ ክፉእ ዘምግባር ንበይኑ እኹል ኣይኰነንእግዚኣብሔር ትኬት ኣሎካን ዘይብልካን ተቖጻጻሪ ዘይኰነስ ሃብቱ ንኸውርስን መክሊት ክዕድልን ንደቁ ዝደልይ ኣቦ እዩ እግዚኣብሔር ስለ ፍቕሪ ገዛእ ርእሱ ንሓደጋ ዘቃልዕ ምእንቲ ካልኦት ሕይወቱ ኣብ ሰብኣዊ ኩነት ዝእትው፡ ኩሉ ከም ዝነበሮ ኵይኑ ክተርፍ ዘይሓድግ ኣቦ እዩ። እቲ ቅኑዕ ዝዀነ ሸልል ምባል ገዛእ ርእስኻ ምቕራብ እዩ፡ እቲ ናተይን ናኣይን ትብሎ ምሕዳግ እዩ፡

ንድኻታት ምዝንጋዕ ዘይተገዳስነትን ሸልል ምባልን እዩ ዘስምዕ። ማለት ንሓው ኣብ እተድልየሉ እዋን ሕቖኻ ምሃብ፡ ነቲ ናይቲ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ድላይ ሕቖኻ ምሃብ። ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለቱ ዝተነበ ወንጌል ተወኪሶም ኢየሱስ እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ንኣይ ከምዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎዅ (ማቴ. 25፤40) ዝበሎ ጠቒሶም፡ ከመይ ገይርና ኢና ብግብሪ ንእግዚኣብሔር ባህ ዘብሉ ኰይንና እንርከብ? ዝብል ሕቶ ድማ ኣልዒሎ፡ እቶም ዝዓረቑን ሕሙምን እሱራትን ድኻታትን ንበይኖም ዝተሓድጉን ዝተረስዑን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን፡ ዝነኣሱን ግና ብኣኡ ብሉጻትን ምሩጻቱን እያቶም። ኣብ ገጽ ኣዚኣቶም ኣሕዋት ወጅሂ ኢየሱስ ንምርኣይ ኣኽእሎት ይሃልወና። ዋላ’ኳ ብምረትን ሕሰምን ድኽነትን ስቓይን ከናፍሮም ዝተጣብቀ ንምዝራብ ዝተሳእኖም ኰይኖም እውን እንተተራእዩ፡ “እዚ ስጋይ እዩ” (ማቴ.26፥ 26) ዝብል ቃል ኢየሱስ ኣብ ከናፍሮም ነስተውዕል።

ሸለል ምባልን ዘይተገዳስነትን ናብ ድኻታትን ናይ ጐይታ ስቑይ ኣካል ናብ ዝዀኑ ብዝዝርጉሕን ንምድጋፎም ብዘምርሑ ገበርቲ ሰናይ ኣእዳው ኣቢልና ነብል። ኣብ ድኻታት ዘሎ ድኻምነት ሓይሊ ድሕነት እዩ። ናብ መንግስተ ሰማይ ዘእትው ናይ ይሕለፍ ሰነድ ንሳቶም እያቶም (ፓስፖርት) ስሌኦም ምዕያይን ምጥባቕን ንኣና ወንጌላዊ ግቡእነትና እዩ። ንሳቶም እውነተይና ሃብትና እያቶም። ስለዚህ እቲ ወንጌላዊ ግዴታና እንጌራ ብምሃብ ዘይኰነስ ምስኣም እቲ ንሳቶም ቀዳሞት ተቐበልቲ ዝዀንዎ ናይ ቃል እንጌራ ብሓባር ብምክፋል እዩ። ድኻ ምፍቃር ማለት ኣንጻር እቲ ኩሉ መንፈሳውን ንዋታውን ድኽነት ምቛምን ምቅላስን ማለት እዩ።

እቲ ዘገድስ እግዚኣብሔርን ብጻይካን ምፍቃር እዩ፡ ካልእ ኩሉ ሓላፋይ እዩ። ኣብ ሕይወተይ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስብከት ኣብ ምዝዛሞሞም ኣልዒሎም፡ ዝያዳ (ካብ ዘድሊ ንላዕሊ)  ምንዳይ ዘይኰነስ ናይ ካልኦት ሰናይ ነናድይ ስለምታይ ከምዚ ምስ እንገብር ዝጐድለና ነገር ኣይክህልውን እዩ (ሓደ’ኳ ዝጐድለና ነገር ኣይክህልውን እዩ)፡ ከምዝብሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፓኒለ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.