2017-11-23 17:24:00

ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመ ናይ ድሕነት ተግባር ንደግም! ር.ሊ.ጳ


‘ኣነ ድሮ ምስ ክርስቶስ ተሰቂለ እየ! ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር ኣነ ኣይኰንኩን ብሕይወት ዝነብር ዘሎኹ፣ እዚ ሕጂ ኣብ ሥጋይ ዝነብሮ ዘሎኹ ሕይወት በቲ ዘፍቅረንን ነፍሱ ምእንታይ ዘወፈየን ወልደ እግዚአብሔር ብእምነት ሕያው ኮይነ እየ ዝነብሮ ዘሎኹ፣. . . ኣነ ግና ንጸጋ እግዚብሔር ከንቱ ኣይገብሮን እየ። (ገላ 2.19-21)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ቅዳሴ ዝጀመርናዮ ትምህርቲ ክርስቶስ ብምቅጻል ነዛ እትስዕብ ሕቶ ክነቅርብ ንኽእል! ብመሰረቱ ቅዳሴ እንታይ ማለት እዩ! ቅዳሴ ዝኽሪ ናይ ምሥጢረ ፋሲካ ክርስቶስ እዩ፣ ቅዳሴ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ዝገበሮ ዓወት ከምእንሳተፍ ይገብረና ንሕይወትና ከኣ ምሉእ ትርጉም ይህቦ፣

ስለዚ ክብሪ ቅዳሴ ንምርዳእ ዝኽሪ ተዝካር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ምርዳእ የድሊ፣  ኣብ ሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ ቊ።1363 ‘ብናይ ቅዱስ መጽሓፍ ትርጓሜ ዝኽሪ ወይ ተዝካር ኪበሃል ከሎ፤ ናይ ዝሓለፈ ክዉን ነገራት ትዝታ ብሕቱ ዘይኮነስ፤ ኣምላኽ ምእንቲ ረብሓ ደቅሰብ ንዝፈጸሞ ዓበይቲ ግብራቱ ምእዋጅ (ምንጋር ምብሣር) ማለት እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ብግብረ-ኣምልኾኣዊ ኣገባብ ዚኽበረሉን ዚዝከረሉን ግዜ እዚ ዓበይቲ ግብራት’ዚ ህልውን ኣማናውን ይኸውን። እስራኤል’ውን ካብ ግብፂ ሓራ
ንዝወጽኣሉ ዚዝክሮ ዝነበረ በዚ ዓይነት’ዚ እዩ፣- ወትሩ ግዜ ፋሲካ እናኺበዓል ከኣ ንሕይወቶም ምስኡ ምእንቲ ከሰማምዕዎ፤ እቲ ናይ ፀኣተ-ግብጺ ክዋኔ (ፍጻሜ) ኣብ ዝኽሪ-ምEመናን ህልው ከምዚኸውን ይግበር።` ይብል፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ናብ ሰማይ ብምዕራጉን ንበዓለ ፋሲካ ናብ ምልኣት ኣብጺሕዎ፣ መስዋዕተ ቅዳሴኸስ ተዝካር ናይ ፋሲካኡ እዩ እቲ ምእንታና ቢሉ ዝፈጸሞ ጸኣት ማለት ካብ ባርነት ሓጢኣት ነጻ ክንወጽእን ናብታ ምድሪ ተስፋ ዝኾነት ዘለዓለማዊት ሕይወት ንከእትወናን ዝተፈጸመ ፋሲካ ተዝካር እዩ፣ ማንም ዝኽሪ ወይ ትዝታ ዘይኮነስ ነቲ ቅድሚ ዕስራ ዘመናት ዝተፈጸመ ህልው ዝገብር ስርዓት እዩ፣

ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ስራህ ድሕነት እግዚአብሔር የብጸሓና፣ ጐይታ ኢየሱስ ንዓና ዝቊረስ እንጌራ ኮይኑ ከምቲ ኣብ ልዕለ ዕጸመስቀል ዝገበሮ ምሕረቱን ፍቅሩን ብምሉኡ ኣባና የፍስሶ እሞ ልብና ከምዝሕደስ ገሩ ሕይወትናን ምስኡን ምስ ኣሕዋትናን ዘሎና ርክብ የሐድሶ፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ቊ.3 ‘መሥዋዕቲ መስቀል ኣብ መንበረ ታቦት ኣብ ዝሥርዓሉን እዋን፣ ወትሩ ስራሕ ድሕ2ነትናውን ኣብኡ ይፍጸም’ ይብል፣ ነፍሲወከፍ ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባን ናይቲ ዘይዓርብ ጸሓይ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ነጸብራቅ እዩ፣ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስታፍ ምናዳ ሰንበት ሰንበት እንክንሳተፍ ኣብቲ ብብርሃኑ ዝተዀለዔን ብፍቅሩ ዝሞቈን  ዓወት ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምስታፍ ማለት እዩ፣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ መንፈስ ቅዱስ ነቲ መዋቲ ጥንተ ፍጥረትና ክልውጥ ብዝኽእል መንገዲ ኣብ መለኮታዊ ሕይወት ከምንሳተፍ ይገብረና፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ ግዝያውንት ናብ ዘለዓለማውነት እንክሰጋገር ንዓናውን ምሳኡ ኣብ ፋሲካኡ የሳትፈና፣ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ፋሲካ ነብዕል፣ እምበኣርከስ ንሕና ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እቲ ናብ ህይወት ዘለዓለም ዝጐተና መይቱ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንቅድሚት የሰጒመና፣ ምሳኡ ሓደ ንኸውን፣ ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ክርስቶስ ኣባና ንሕና ከኣ ኣባኡ ንነብር፣ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ፣ ክንብል ንኽእል፣

ደም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞትን ፍርሒ ሞትን የናግፈና፣ ካብ መግዛእቲ ስጋዊ ሞት ጥራይ ዘይኮነ ካብቲ መንፈሳዊ ሞት ዘኸትል ክፍኣት’ውን ማለት ካብቲ ብዝፈጸምናዮ ይኹን ካልኦት ብዝፈጸምዎ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ባርነቱ ዘእተወና ሓጢኣት እውን ሓራ የውጽአና፣ ሓጢኣት ምስ እንገብር ነፍስና ትብከል ጽባቄኣ ተጥፍእ ትርጉም ትስእን እሞ ትቅምስል፣

ክርስቶስ ግን ሕይወት ይህበና! ንሞት ፊት ንፊት ገጢሙ ሓንሳእን ንሓዋሩን ምስ ኣጥፈኦ ክርስቶስ ምልኣት ሕይወት ሂቡና! ከምቲ ኣብ ኣኰቴተ ቊርባን እንብሎ ‘ካብ ሞት ብምትንሣእ ንሞት ደምሰሶ ሕይወትና ከኣ ኣሓደሶ’፣ ፋሲካ ክርስቶስከስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተገብረ ወሳኒ ዓወት እዩ ከመይ ንሱ ንሞቱ ኣብ ዝለዓለ ተግባር ፍቅሪ ስለዝለወጦ፣ ስለፍቅርና ሞተ! ኣብ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ከኣ ነቲ ዓወት ዝመልኦ ፍቅሩ እዩ ከመሓላልፈልና ዝደሊ፣ ብእምነት ምስ እንቅበሎ ከኣ ከምቲ ንሱ ሕይወቱ ምእንታና ብምስዋዕ ዘፍቀረና ንእግዚአብሔርን ንብጻይናን ብሓቂ ክነፍቅር ንኽእል፣

ፍቅሪ ክርስቶስ ኣባይ እንተደኣ ኣልዩ ንገዛእ ርእሰይ ምእንቲ ካልኦት ከውፊ ወላውን ብውሽጢ ልበይ እቲ ካልእ ክጐድኣኒ ይኸይድ ምህላውን ንገዛእ ርእሰይ ክከላኸል ኣሎኒ ዝብል ርግጽነት እውን ይሃሉ ንገዛእ ርእሰይ ብምልኣት ምእንታኡ ከወፍያ ኣሎኒ፣ ሰማዕታት ስለዚ እዮም ሕይወቶም ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ ርእሲ ሞት ዝተጐናጸፎ ዓወት ብምትእምማን ወፍዮማ፣ ነዚ ሓይሊ ፍቅሪ ዝኾነ ሓይሊ ክርስቶስ ምስ ኣስተማቀርካ ጥራሕ እዩ ብዘይ ፍርሒ ነፍስና ክነወፊ ብሓቅ ነጻ እንኸውን፣ ቅዳሴ ማለት ከኣ እዚ እዩ ኣብዚ ሕማምትን ሞትን ትንሣኤን ዕርገትን ክርስቶስ ምስታፍ! ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንክንከይድ ልክዕ ኣብ ቀራንዮ ንጐዓዝ ከምዘሎና እዩ፣ እስኪ ሕስብ ኣብልዎ! በዚ መንፈስ እዚ ናብ ቀራንዮ ንጐዓዝ እንተሊና ኣብቲ ኮረብታ ክርስቶስ ከምዝሎ ኣረጋጊጽና ንፈልጥ፣ ኮይኑ ግን ሓንሳእ ሓንሳእ ዕላልን ስእሊ ክትስእል ቅልስን እንክትርኢ ናብ ትያትር ገጹ ዝኸደ ይመስል፣ ከምዚ ክግበር የብሉን! እንተደኣ እዚ ሓሳብስን እዚ ስእሊ እዝን ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ኣልዩ ብሱቊታ ክነስተንትን ጥራይ ዘይኮነ በቲ ፍጻሜ ክነብዕ ስለ ድሕነትና ከኣ ክንሕጐስ እዩ ዝግባእ፣ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ናብ ቤተክርስትያን  ክንኣቱ ከሎናኸስ ነዚ ንሕሰብ! ናብቲ ኢየሱስ ምእንቲ ድሕነትይ ሕይወቱ ዘወፈየሉ ናብ ቀራንዮ እኸይድ ኣሎኹ ቢልና እንተሓሲብና ሕሹዅሹዅን ሕሜታን ህልም ኢሎም ክጠፍኡ ብዓቢ መንፈሳውነት ክነቀድስ ንኽእል በዚ ከኣ ኢየሱስ ይዕወት፣

ተዝካር ፋሲካኸስ ትርጉሙ ነቲ ምእንታና ዝተፈጸመ  መሥዋዕተ ድሕነት ሕያው ገሩ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ነዕርገሉ ዝኾነ ጊዜ ከምዝዓዩ ሕጂ ብሪህልና ክኸውን ተስፋ እገብር፣ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ምስታፍ ኣብ ፋሲካዊ ምስጢር ክርስቶስ ከም እንኣቱ ይገብረና ምሳኡ ከኣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ንሳገር፣ መስዋዕተ ቅዳሴ መስዋዕተ ቀራንዮ ምድጋም እዩ፣ ትያትር ኣይኮነን! እግዚኣብሔር ይሃበለይ!’ እንክብሉ ትምህርቶም ደምደሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.