2017-11-23 16:56:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት (ዕሸልነት)፡ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና፥ ስለ ናይ ሕጻናት ሃሴት ምዕያይ


ሕጻናት ብፍሹኽ ገጾም ክርእዩናን ብርሁን ምሉእ ሃሴትን ተስፋን ክዕቅቡ መታን ብሓባር  ስሌኦም ንዕየይ፥ ዝብል መልኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም በቢ ዓመቱ ዕለት 20 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት (ዕሸልነት) ምኽንያት በቲ ኣብ ትዊተር እተሰምያ ማሕብራዊ  መረብት ብዘሎ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዝፈነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ሓልዮ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ፓውሎ ሮዘራ እቲ ቅዱስ ኣቦና ብትዊተር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሕጻን ካብ ኩነት ውግእን ሰላምን ዘለሉ ከባብን ሃገርን እውን ይምጻእ ካብ ውሽጢ እቲ ናይ ምሕላም ሰብኣዊ ባህርዩ ክዕመጽ የብሉን ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ቅዱስነቶም ምእንቲ ሓልዮት ሕጻናት ድማ ኵሉ ብሓባር ክዓዪ ዝብልን ብሓባር ስለ ሕጻናት ምዕያይ ናይ ዓለምን ሕዝብን ተስፋ ምክንኻን ማለት ምዃኑ ዘረድእ መልእኽቲ እዩ እንክብሉ ከምዝተንተንዎ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥  ሕዳር 20 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ንምንቕቓሕ ብዝብል ዕላማ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 20 ሕዳር 1989 ዓ.ም. ዘመሓላለፎ ውሳኔ ምዃኑን እዚ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር ሓልዮ ሕጻናት ዝሰናደውን ብዛዕባ ሕጻናት ጉዳይ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ኣብ መላእ ሃገራ ዓለም ዝቐርበሉ ምዃኑ እውን ኣፍሊጠን።

ኣብ ዓለም ናይ ልዕሊ 180 ሚሊዮን ሕጻናት መጻኢ ካብቲ ዝነበረ ናይ ወለዳቶም ኩነታን መነባሮን ዝተሓተ ምዃኑ ሮዘራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ኣስዒቦም እውን ከምዝሓበርዎ፥ ድኽነትን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ከም ኣብነት እቶም ትምህርቲ ካብ ምራካብ ዝተገሉን ብዙሓት መንእሰያት እውን ኣብ ፖለቲካን ኤኮኖምን ብሓፈሻኡ ኣብቲ ዓቢይ ወለዶ ዝፍጽሞ ተግባር ኣመኔታ ዘይብሎምን ትሕቲ 19 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣደዳ ዓመጽን ዕግርግርን ዝዀኑ ብዙሓት እያቶም፡

ብፍላይ ኣብ በኒን ካመሩን ማዳጋስካርን ሶሪያን ዒራቕን ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝርከቡ ሕጻናት ንብዙሕ ሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም እውን ገሊጾም፡ ኣብተን ምርግጋእ ዝጎደለን ኣብ ውጥረትን ሕድሕዳዊ ግርጭትን ዝክረባ ሃገራት ዝነብሩ ሕጻናት ብፍላይ ኣብ ሶሪያን የመንን ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝተቓልዑ ምዃኖ ጠቒሶም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.