2017-11-24 16:05:00

ሰንበት ዘቅድስት 17 ኅዳር 2010 ዓ.ም. (11/26/2017)


ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡20-28፤ 1ጴጥ 1፡13-21፥ ግ.ሓ.19፡27-ፍ፥ ማቴ 25፡13-46 ምስባክ፡  ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ መዝ. 135፡6።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ፥ ሓንቲ ደቒቕ እኳ ዘይነበረላ ጊዜ የላን ስለዚ ንአምላኽ ምሳና ከምዘሎ ርኢና ንኽአል ሽዑ ሕይወትና ሓቀኛ መንነት ተፈጥሮን ሒዝና ከምእንኸይድ ክገብረና እዩ። ሓደ ካብቲ ከቢዱና ዘሎ አምላኽ አበይ ከምዝርከብ ጠፊኡና ሃዘው ንብል አሎና። ገለ ሰባት አምላኽ አብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ገለ ኸአ አብ ኩሉ ስፍራ እባ ገለ ኸአ የለን እናበሉ አብ ናይ ምድንጋር ዓለም ከም እንነብር ገሮምና አለዉ። አምላኽ አበይ ይርከብ?

ላቲናዊ ስርዓት ንዝኽተሉ ሎሚ መጨረሻ ሰንበት ናይ ዓመተ ልጡርግያ እዩ። ንሓዲስ ዓመት ብዘመነ ምጽአት ይጅምርዎ። አብ ስርዓተ ልጡርግያና እዚ እዋን ዘአስተምህሮ ይብሃል፥ ብፍሉይ ከአ እዚአ ሰንበት “ሰንበት ዘቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። አብ ንባባትና መሰረት ገርና ክነስተንትን ከሎና ክርስቶስ ንጉሥና ገርና ክነብር ከም ዘሎና የዘኻኽረና። ክርስቶስ ንጉሥና እዩ ኢልና ክንአምን እንከሎና ንሱ ገዛኢን ናይ ኩልና ጓሳን እዩ ዘስምዕ። ነዚ መሰረት ገርና ንመጻኢ ሕይወትና ክንርኢ እሞ አብ መጨረሻ ኢየሱስ ብግርማ ናይ መጨረሻ ፍርዲ ክህብ ነቶም ጽቡቕ ዝገበሩ ክሽልሞም ነቶም ሕማቕ ዝገበሩ ክቐጽዕ ብዳግም ክምለስ  እንከሎ እሙናት ኮና ክንርከብ ንሕተት አሎና። እዚ ርድኢት እዚ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንኹሉ ናይ ድሕነትና ምስጢርን ዝሓዘ እዩ። አብ ዘመነ ምጽአት ክንቀርብ ከሎና ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ምቅርራብና ንትስብእቲ ወዲ አምላኽ ዘኪርና ንአኡ ዝኸውን ሕልናን ሕይወትን ክንቅርብ ዘዘኻክር ፍሉይ እዋን እዩ።

ንባባትና አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዳግም ምስ መጽአ ዝኸውን ናይ መጨረሻ ፍርዲ ዘድሃቡ እዮም። ነዚ ክነስተንትን ዝሕግዘና አብ ሕዝቅኤል 34፡11-17 ዘሎ እንተ ርአና ብዝያዳ ሓልዮት አምላኽን ድለቱን ክንርኢ ንኽእል። ሕዝቅኤል ነብይ አምላኽ ጓሳና ከም ዝኾነ እዩ ዝነግር። አብ ጊዜ ስደት ባቢሎን ሕዝቅኤል ነቶም ጓሶት ህዝቢ ኢና ዝብሉ ግን ሓስወቲ ብትሪ ይወቕሶም። አብዚ ምዕራፍ ሕዝቅኤል ንመራሕቲ ህዝቢ ጓሶት ሃገር አጥቢቝ እናአጠንቀቐ አምላኽ ንሕዝቡ ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝአልዮም ይነግር፥ ምኽንያቱ ነትን አባግዕ ብእንስሳ በረኻ ክጥቅዓ ስለ ዝሓደግወንን ንርእሶም ዘዝበለጸ እናተመገቡ ክምግብወን ስለ ዘይ ክአሉን። ሕዝቅኤል ነቶም ብምረት ስደት አብ ተሳፋ ቍርጸት በጺሖም ንዝነበሩ ዘተአማምን ይህቦም፥ አምላኽ እንደገና ንህዝቡ ባዕሉ ክጓሲ ክምለሰና እዩ ዝብል ተስፋ ይነግሮም። አብዚ ብዛዕባ ፍርዲ ክዛረብ እንከሎ ደቂ ሰብ ሓደ መዓልቲ አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና በብዘሎና ሓላፍነት ጸብጻብ ክህብ ከም ዝኾና ክነግር ኢሉ እዩ። ብፍሉይ አብ ሓላፍነት ህዝቢ አምላኽ ዘሎና ፍሉይ ተልእኮ እዩ ዘሎና። አብ ናይ ቤተ ክርስትያን ይኹን አብ ናይ መንግስታዊ ሓላፍነት ዘሎና አምላኽ ሓደ መዓልቲ ጸብጻብ ተልእኮና ክሓተና ከምዝኾነ ክንሓስብ የድሊ። ዓለም ሎሚ መራሕቲ ስኢና ኩልና ደቂ ሰብ ፋሕ ኢልና ሹመናኡ ዝጠፍኦ ንህቢ ኮና አሎና። ስደት በዚሑ፥ ዓመጽ፥ ጥልመት፥ፍትሒ ጎዲሉ ኩሉ ባቢሎን ኮይኑ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። አብ አምላኽ ጓሳና ተመሊስና ንድላይ አምላኽ ክንገብር ንመጸዋዕታ ሕዝቅኤል ነብይ ክንሰምዕ ሎሚ እውን እዋኑ እዩ።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና 1ቆሮ 15፡20-28 ቅ. ጳውሎስ ናይ ክርስቶስ ንግስነት ንኩሉ ዓለም ዝመልኸ ከም ዘኾነ ይገልጽ። አብዚ ኃያልን ዝበለጸን ስኢሊ ክርስቶስ ጎይታን ንጉሥን ኩሉ ስልጣንን ግዝአትን አብ ትሕቲኡ ከም ዝኾነ የስተምህር። ብዛዕባ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ስልጣን ኢየሱስ ክነግር እንከሎ ፍረ ትንሣኤኡ ከም ዝኾነ ክገልጽ እንከሎ ንኹሎም ጸላእቱ አብ ትሕቲ አእጋሩ ክሳዕ ዘግርሮም ኪነግሥ ይግብኦ እዩ። እቲ ክድምሰስ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ኸአ ሞት እዩ ይብል። ትንሣኤ ክርስቶስ ናይ እቶም ዝሞቱ በኹሪ ትንሣኤ መጀምርታ እቶት ናይ ኩሉ ዝተንሥእ ህዝቢ እዩ። እዚ ስዕረት አብ ልዕሊ ሞትን ከምኡ ትንሣኤ ንሓዲስ ሕይወት ዝብል አምር አብቲ ንኹሉ ስርዓተ አድማስ ዘምርሐ እዩ፥ እዚ ኸአ አምላኽ ኵሉን አብ ኵሉን ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

ቅ. ጳውሎስ አዳምን ክርስቶስን እናበለ እናአመሳሰለ ዝገልጾ ንኹሉ አማናይ ንትርጉም ትንሣኤን ርድኢቱን ክግንዘብ ከምኡ ከመይ ኢሉ አብ ትንሣኤን ብእምነትን ጥምቀትን ከም ዝሳተፍ ከረድእ ኢሉ እዩ። ምኽንያቱ ሞት አብ ዓለም (ኃጢአት) ብሰንኪ አዳም አተወ፥ ንሕና ኸአ ብስንኪ ሰብአዊ ባህርና ምስኡ ዝተአሳሰርና ኢና ስለዚ ትንሣኤ ሙታን ብሰብ ብክርስቶስ ክመጽእ ግድን እዩ። እዚ ሓዲስ ሕይወት ብኣኡ ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል ምኽንያቱ ብሞቱ ንኹሉ ሳዕበናት ኃጢአት ደምሲሱ አብ ልዕሊ ሞት ተዓዊቱ። ብሳላ ትንሣኤኡ ሕጂ አብ ሰማይ ነጊሱ አሎ። አብ መወዳእታ ዓለም ክርስቶስ ንኹሉ አብ ትሕቲኡ ምስ ገበረ ወልድ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኹሉ ዘግዝአሉ ኪግዛእ እዩ። ክርስቶስ ተንሢኡ እዩ፥ ክርስቶስ ነጊሱ እዩ፥ ክርስቶ ብግርማ እንደገና ክመጽእ እዩ። ንሕና እውን ክንትንሥእ ኢና። ጎይታና ብምልኡን ብኹሉን ንዘለዓለም አምላኽ እዩ። ነዚ ከም ዛዛሚ ሓሳብ ገርና አብ ሕይወትና ክነብር ይግብአና።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ማቴዎስ ወንጌላዊ ምስላ አባግዕን አጣልን ይነግረና። እዚአ ምሳሌ ስላሰይቲ ብዛዕባ ምጽአት ዓለም እትነግር አብ ምዕራፍ 25 እያ። አብዚ ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ሓባራዊ ፍርዲ ዓለም አብ መወዳእታ ዓለም ዝውሃብ እንብሎ ይነግረና። እዛ ምሳሌ ንሓደ ታሪኻዊ ኩነት ክመጽእ ዘለዎ ዘርዚራ አቐዲማ እትገልጽ አይ ኮነትን፥ ነቶም ሰማዕቱ ዝነብርዎ ዘለዉ ሕይወት ክርእዩ እሞ ክሰርዑ እሞ ሽዑ ሕይወት ብምልኡ ክነብሩ ዝነግር እዩ። እዛ ምሳሌ ከምተን ቀዳሞት ክልተ ምሳሌታት (ምስላ ዓሰረ ደናግል፥ምስላ መክሊት) ንዕለታዊ ሕይወትና ርኢና ክንክእል እሞ ንአምላኽ ክነመስግን ነቲ ዘይተርፍ ሰብአዊ ሞት ክንሓስብ፥ ነቲ መጻኢ አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ኢልና ክነቕርቦ ዘሎና ጸብጻብ ሕይወትና ክንሓስብ ትነግረና።

ቅ.ማቴዎስ ሓደ ካብቲ ጸቒጡ ዝዛረበሉ ነቲ አብ መወዳእታ ዓለም ዝውሃብ ፍርዲ እዩ። አብዚ ወንጌል እዚ ጥራሕ ኢና እንረኽቦ ክርስቶስ ከም ንጉሥ መጠን አብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ከም ዝፈርድ ዝነግር። አብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ነቲ ተባሂሉ ዘሎ ቃል ንቃሉ ክንወስዶ የብልናን። አብቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ትርጉም ኢና ክነተኩር ዘሎና። ነቲ ምስ አምላኽ እንገብሮ ርክብ ከም አብዚ ዓለም እንገብሮ ርክብ ገርና ክንሓስቦ እንተ ፈተና ትርጉሙን ሓቅነቱን ንቕይሮ አሎና ማለት እዩ። አብ ገለ እዋን ገለ ሰባት እቲ ናይ ግልን ናይ ሓብርን ፍርዲ ኢላካ ምርአይ ብቍዕ ወይ አድላዪ ድዩ ኢሎም ይሓቱ እዮም። ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም መላእኽቲ ብኽብሩ ብደመና ተኸሊሉ ክመጽእ እዩ ዝብል አብ ባህሊ ቅ. መጽሓፍ ዝተመስረተ ዕብየትን ልዕሊ ባህርያዊ ነገራት ከምዝኾን እምበር አብዚ ምድሪ ዘሎና ተመክሮ ዝተመሰረተ ከም ዘይኮነ ክንርዳእ አሎና።

ክልተ ዓይነት ሰባት አብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክሙ እዮም፥ ንሶም ከአ ከም አባግዕን አጣልን ወይ ጥዑያትን ክፉአትን ሰባት ብዝብል ተመሲሎም ይግለጹ። እቶም ጥዑያትን ክፉአትን ሰባት ከመይ ኢሎም ክፍለዩ እዮም? እቲ መምዘኒ መፍለይኦም ብሓቂ ዘገርም እዩ፥ አብቲ አብቶም ንኡሳን አሕዋት ዘርእይዎ ናይ ፍቕርን ሕያውነትን ተግባር ዝተመስረተ እዩ። አብዚ ምሳሌ አብቲ ዝለዓለ ሰብአዊ ክብሪ ዘተኮረ እዩ። እቲ ብፍሉይ ተግባር ተጠቒሱ ዘሎ (1) ንጥሙይ ምምጋብ፥ (2) ንዝጸምአ ምስታይ፥ (3) ንሕሙም ምብጻሕ፥ (4)ንምዉት ምቕባር፥ እዚ ኸአ ባህላዊ ሸውዓተ አካላዊ ናይ ምሕረት ስራሓት ዘጠቓለለ እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና ነዚ ጽቡቕ ግብሪ ክንገብሮ ከሎና ንኢየሱስ ብአካል ንረኽቦ እሞ ካብ ኩነኔ ነጻ ንኸውን ማለት እዩ። ነቲ ሰናይ ነገራት አብ ግብሪ ክንፍጽሞም ከሎና አብ መንግስተ ሰማይ ዘእቱ ምግባር እዩ፥ ነዚኦም ዘይምግባር ከአ አፍደገ መንግስተ ሰማይ ብግብርኻ ምዕጻው ሽዑ ናይ አምላኽ ምዃን ሓዲግካ ናይ ካልእ ምዃን እዩ። አብዚ ክነስተውዕሎ እንኽእል ካብዚ ኢየሱስ ዝበሎ ወላ ሓደ እኳ ብባህሪኡ ናይ እምነት ነገር አይኮነን፥ ከምኡ ንእኦም ብምግባር ወይ ብምፍራስ ወላ ሓደ ካብ ትእዛዛት ምሕላው ወይ ምፍራስ ከም ዝኾነ ዝገልጽ አይንረኽበሎምን። ሰባት ዝፍረዱ ገለ ብሞራላዊ መገዲ ጌጋ ዝኾነ ብምግባር ዘይኮነ ገለ ነገር ክገብሩ ብዘይምኽአሎም እዩ።

አብዚ ኢየሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ክልቲኦም ጋንታታት በቲ ኢየሱስ ዝሃቦ መምዘኒ ፍርዲ ተገሪሞም። እቶም አባግዕ አቱም ናይ አቦይ ብሩኻት እቲ ዓለም ክፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ኽትወርሱ ንዑ ዝብል ምስ ሰምዑ ክግረሙ እዮም። ብርግጽ እዚ አይኮነን ክሰምዑ ዝጸብዩ ዝነበሩ። ነዚ ነገራት ከም ዝገበርዎ ክዝክሩ አይክአሉን ወላ እኳ ገለ ካብኡ ገሮም እንተ ኾኑ። ሓንቲ ብርግጽ ዝዝክርዋ ወላ ሓንቲ ካብቲ ኢየሱስ ዝበሎም ከምዘይገበሩ እዩ። ጎይታ መአዝ ጠሚኻ ርኢናካስ አብላዕናካ፥ ወይ ጸሚእካስ አስተናካ፥ መአዝከ ጋሻ ዄንካ ርኢናካስ ተቐበልናካ፥ ወይ ዓሪቕካ ከደናካ፥ መአዝ ሓሚምካ ወይ ተአሲርካ በጻሕናካ እናበሉ በቲ ዝበሎም ይግረሙ። ንሱ ኸአ እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነአሱ አኅዋተይ ዝገበርክምዎ ንአይ ከም ዝገበርኩም ብሓቂ እብለኩም አሎኹ ኢሉ ክምልሰሎም እዩ። አብተን አጣል ግልጽ ኢሉ እናረገሞም ካብቲ ዝበሎ ሓንቲ ክገብሩ ስለ ዘይክአሉን ንኢየሱስ አብቶም ንኡሳን አሕዋት ከለልይዎ ብዘይምኽአሎም ይኹንኖም።

ናይ ሎሚ ቃላት አምላኽ እምብአር አብ ዝሓለፈ ነገራት ጠሚትና ክንፈርሕ ክንሹቕረር ዘይኮነ ንቅድሚት ርኢናዮ አብዘይንፈልጥ ክነተኩር ይነግሩና። ንግስነት ክርስቶስ አብ ሰማይ ዘሎ ኮይኑ አንቃዕሪርና እንርእዮ አይኮነን አብዚ አብ መንጎና ዘሎ እዩ። እዚ አብ ወንጌል ዘሎ ናይ ፍርዲ ምሳሌ ክንፈርሕን ክንሽቝረርን ኢሉ ዝበሎ አይኮነን። ብዛዕባ ዝሓለፈ ዘይኮነ ብዛዕባ ሎሚ ክንሓስብ ዝሓትት እዩ።

አብ ሕይወተይ ነጊሱ ዘሎ መንእዩ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ሰብ ብሥጋዊ ነገራት ከምኡ ብሰይጣን ተመሊኹ ምአዝኑ አጥፊኡ አብ ፍርሕን ራዕድን ርእሰ ምትእምማን አጥፊኡ ዘሎ ፍጡር ኮይኑ ይርአ አሎ። መገዲ አምላኽ ጠፊኡና ንክርስቶስ አብ አሕዋትና ብፍላይ አብቶም ብዝተፈላለየ ተጸጊሞም ዘለዉ ክነለልዮ ብዘይ ምኽአልና ንሕይወትና ሹመኛ ከምዘይብሉ ንህቢ ኮና ከም እንነብር ገሩና አሎ።

አብዚ ዓለም መምዘኒ ፍርድና አብቲ ምስ ሓውናን ሓፍትና ዘሎና ናይ ፍቕሪ ርክብ ዝተመስረተ እዩ። ስለዚ አብ ልብና ዘሎ ፍቕሪ ባጀት አብ መንግስቲ አምላኽ ከምዘሎና እዩ። ግዙፋዊ ናይ ምሕረት ስራሕ መለክዒ ናይ እቲ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ። አብ ሕብረተሰብ ብዘሎና ቦታ፥ ክብሪ፥ ደራጃ ትምህርትና፥ ሃብትና፥ ፍሉይ ዝፈጸምናዮ ጅግንነት አይኮናንን መምዘኒ ፍርድና። ወይ እውን አብ መዓልታዊ ብዝገበርናዮ ጸሎት አይኮነን ብዘይካ አብ ዝዓበየ ፍቕሪ አምላኽን አብ ገለግሎት ድኻታትን ዝመርሕ እንተ ዘይኮይኑ። ኢየሱስ አብዞም ድኻታትን ንጸገም ዝተቓልዑን ብግሁድ አሎ። ብሓጺሩ ካብቶም ፍቝራት አምላኽ ክንቍጸር ንደሊ እንተ ኾና ዝውሃበና መልሲ ተግባርና ብዘየገድስ አፍቀርቲ ክንከውን ይግብአና። ብኸምዚ መገዲ እዩ አምላኽ ዘፍቅረና። ግቡእና እምነታውን ግቡአትና ጥራሕ ምግባር እኹል አይኮነን። አነ ንፉዕ ካቶሊካዊ እየ ጥራሕ ምባል እኹል አይኮነን። ነቶም አብ ከባቢና አብ ዓድና አብ ቍምስናን አብ ስድራና ዘለዉ ዘይንግደስ እንተ ኾና ዘሕዝን ፍርዲ አምላኽ ክውሃበና እዩ።

አምላኽ እምብአር በቲ ዝሃበና ጸጋታት አብኡ ክንምለስ እሞ ናቱ ክንከውን ይደሊ አሎ፥ ስለዚ በዚ ብሩኽ ሰንበት አብ ንጉሥናን አምላኽናን ብምሉእ ልብና ተመሊስና ነቲ አቱም ናይ አቦይ ብሩኻት እቲ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ክትወሩ ንዑ ንዝብል እንሰምዕ ይግበረና።

ብሩኽ ብዓል ክርስቶስ ንጉሥ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ       








All the contents on this site are copyrighted ©.