2017-11-29 09:37:00

መበል 21 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ምያንማርን ባን ግላድሽን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 27 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2017 ኣብ ምያማርን ባግላደሽን ናይ ሰላም ልኡኽ ብዝብል ቃል ተመሪሑ ዘካይድዎ መበል 21 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ንሓዋርያዊ ዑደት ቅድሚ ምንቃሎም ከምቲ ልሙድ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ በጺሖም ሓዋርያዊ መገሻኦምን ነቶም ኣብ መገሻኦም ዘሰንዮምን ንዝራኸዎም ሕዝብታትን ኣቢያተ ክርስትያንን መራሕትን መንፈሳውያን መራሕትን ንኣማላድነት ቅድስቲ ማርያም ኣወኪፎም ፡ ዕለት 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ኣርብዓን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ፊውሚቺኖ መዕርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ነቶም ዘሰንይዎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታኦም እንከቕርቡ፥ ሰናይ ጉዕዞን ልዋም ለይቲ ይግበረልና፡ ስለ ስራሕኩም ኣገልግሎትኩም ድማ አመስግን፡ ስሉጥን ፍርያማ ተልእኾ ይኹነልኩም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነተን ናይ ኣየር በረራ ዶባተን ዘቋርጹለን ሃገራት መንግስታን መራሕትን ርእሰ ብሔራትን ማለት ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን፡ ንመንግስትን ሕዝብን ኢጣሊያ ሰናይን ብሩህ መጻኢ ምንዮት ዝገለጽሉ ናይ ቴሌግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላልፉ ክምልከት እንከሎ፡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ እውን ንናይ ክሮኣዚያን ቦዝኒያን ኤርዘጐቪናን ንሞተነሮን ንሰርቢያን ቡልጋርያን ቱርክን ጆርጂያን ኣዘበጃንን ቱርከመስታንን ፓኪስታንን ህንድን ርእሰ ብሔራት እውን ከምዘመሓለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ምያንማርን ወግዓዊ ክሌኣዊ ርክብ  2 ግንቦት2017 ዓ.ም. ከምእተጀመረን ቅድስቲ መንበር ወኪሎም ምስ ምያንማር ዘድልዩ ክሌኣዊ ርክባት ዘሳልጡ ኣብ ታይላንድ ካምቢጃን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ላኦስ ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪልን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ቻንግ ኢ ናም ከምዝዀኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እታ ናይ ቀደም በርማኒያ እዋናዊት ምያንማር ብናይ 2015 ዓ.ም. ብዝተኻየደ ናይ ሕዝቢ ቆጸራ ብዝሒ ሕዝባ 54.800.000 ከምዝዀነ። ብዙሃን ሕዝቢ ምያንማር ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝተመስረተ ቡድሃዊ ቪፓሳና ሃይማኖት ሰዓቢ ክኸውን እንከሎ እምነት ክርስትና ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ካብ ጎኣ ከምዝኣተወን በቲ ኣብታ ሃገር ብዝነበረ ስርዓት ድማ ልኡካነ ወንጌል ከምእተሰጉ ኣዘኻኺሩ፡ ኣብ 18ን 19 ክፍለ ዘመን ልኡካነ ወንጌል ናብ ምያንማር ዳግም ክምዝኣተዉን እምነት ክርስትና ኣብቲ ባማራ እተሰምየ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ብድሃ ዝነብርሉ ከባቢ እንተዘይኰነ ኣብ ካልኦት ከባቢ’ታ ሃገር ክኣትዉ ከምዝኸኣሉን ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያንን ክርስትያን ማሕበረሰብን ልኡካነ ወንጌልን ብነጻነት ከምዝነብሩ የመልክት።

ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጻ ወጺኣ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እውን እንተተበገሰ እታ ሃገር ዓሌት ተኰር ብዝዀነ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ተሓሚሳ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1964 ዓ.ም. ወተሃደራዊ ስርዓት በትረ ስልጣን ምስ ሓዘ እታ ሃገርን ሕዝብን ንብዙሕ ስቓይን መከራን ከምእተዳረገን ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዘበለ ድማ ተወርሰ። ልኡካነ ወንጌል ድማ ተሰጉ።

ካብ 1990 ዓ.ም. ንነጀው እታ ሃገር ንቤተ ክርስቲያን በራታ ከምዝኸፈተትን በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ምያንማራውያን ኣባላት ውሉደ ክህነት ካብ ሃገሮም ወጻኢ ንዝለዓለ ትምህርቲ ክወጹ ከምእተፈቐደሎምን ድሕሪ 2010 ዓ.ም. ምርግጋጽ ስርዓት ደሞክራሲ ስዒቡ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ወንጌል ዝበተበሰረሉ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ከተብዕል ከምዝኸኣለት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዋን’ዚ ኣብ ምያንማር 16 ሰበኻታን 900 ካህናትን 2,400 ገዳማውያን ደናግልን በሸሓት ዝቝጸሩ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ከምዘለዉን። ውሉደ ክህነትን ውሉደ ማሕበረ ደናግልን መብዛሕቲኦም መንእሰያት ምዃን እውን እንክንገር፡  ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ማሕበር ተራድኦ ኣብ ምያንማር ብ 800 ሰራሕተይናታት ዝመሓደር 16 ጨናፍር ኣባይቲ ጽሕፈት እውን ከምዘሎን፡ ቤተ ክርስቲያን በዚ ናይ ረድኤት ማሕበር ኣቢላ እተቕርቦ ደገፍን መደብ ሕንጸን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ኰነ በቶም ኣብ ምያንማር ብዝክረቡ ልኡካነ መንግስታት ኣዚዩ ዝድነቕ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ናይ ምያንማር ነበር ርእሰ  ከተማ ያንጐን ርእሰ ሰበኻ ዕለት 8 ጥቅምቲ 1991 ዓም. ከምእተመስረተን ኣብዚ እዋን’ዚ 69 ዓመት እድሜ ብዘለዎም ሊቀ ጳጳሳ ብብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦ ጉስነት ዝምራሕ እውን ምዃና የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምያንማር ኣትዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 27 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ያንጐን ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ኣብ ታይላንድን ካምቦጃን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ላኦስ ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ቻንግ ኢን ናይ ምያንማርን ቅድስቲ መንበርን ናይ ክሌኣዊ ርክብ ስነ ስርዓት ሓላፊ ናብታ ኣይሮፕላን ደይቦም ንቕዱስነቶም ዓጂቦም ካብታ ኣየር ምስ ወረዱ ብናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ህቲን ክያዋ ፍሉይ ምኒስትርን ኣብ ምያንማር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓ ጳጳሳትን ልዕሊ 100 ዝግመቱ ብባህላዊ ኣልባሳት ዝተሰለሙ ሕጻናትን ብናይ ምያንማር ክቡር ዘብዐይና ብዘቕረቡሎም ናይ ክቡር ሰላምታ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ያንጐን ዝርከብ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ከይዶም፡ ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ካብ ዘመሓላለፍዎ ምንጪ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስነቶም ከምቲ ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደት መደቦም ዕለት 28 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ዝዓረፍሉ ናይ ሰበኻ ያንጐን ቤተ ጳጳስ ብናይ ምያንማር ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 11፡15 መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ፍርቂ መዓልቲ ምሳሕ ተቛዲሶም ምስ ናይ ምያንማር ሓይሊ ምክልኻል ዋና ኣዛዚ ጀነራል ሃላኢንግ ከምእተራኸቡን፡ ድሕሪ እዚ ግላውን ሓጺር ርክብ ቅዱስነቶም ምስቶም ጀነራል ሚን ኣኡንግ ህላኢንግ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ወግዓዊ ርክብ ከካይዱ ምዃኖም ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ዘካይድዎ ሓጺርን ግላዊ ርክብ ስነ ስርዓት ምልውዋጥ ህያብ ከምእተፈጸመ ነቕዱስነቶም ኣብቲ መገሻ ዘሰንዩ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዝሃብዎ ውግዓዊ ጋዜጣዊ ምግለጺ ጠቒሶም ድሕሪ ምሕባር፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ያንጐን ቤተ ጳጳስ ኣብ ምያንማር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ምስቶም 17 ናይ ቤተ ቡድሃን ቤተ እስላምን ቤተ ሂንዱን፡ ቤተ ኣይሁድን፡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕትን ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ተሰንዮም ከምእተራኸቡን ኣብቲ ርክብ ንቕዱስ ኣቦና ምስቶም ናይ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ዘላለዩ ናይ ሰበኻ ፓተይን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ሃሳነ ህግዪ ክዀኑ እንከለዉ፥ ኣብቲ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቶም መንፈሳው መራሕቲ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ዝለገስዎ ቓል፡ መዝሙረ ዳዊት ጠቒሶም ኣሕዋት ክሓብሩ ክንደይ ሰናይን ጥዑምን እዩ ቢሎም ሕብረት ወይ ሓድነት ክበሃል እንከሎ ሓደ ዓይነት ምዃን ማለት ኣይኰነን። ሕብረት ክበሃል እንከሎ ሓደ ዓይነት ምዃን ማለት ኣይኰነን እዚ እውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት እውን ከምኡ እዩ። ዝተፈላለና ኢና ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ንኻልእ ዘካፍሎ ናተይ ዝብሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃብትታትን ባህልን ኣለዎ። እዚ ዝኸውን ድማ ሰላም ምስ ዝህልው እዩ። ሰላም ዝሕነጽ ኣብ ዘሎ ፍልልይ እዩ። ሕብረት ምስ ኣብ ፍልላይትና። እንተዘይኰነ መግዛእቲ እዩ ዝኸውን። ሃማኖታውን ዓሌታውን ሕዝባውን ባህልታና ዘለዎ ሃብቲ ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ። በቲ ዘለኵም ፍልልያት መሰረት ድማ ነዛ መልክኣ ምድረ ሃብታ ሃገርኩም ክትሃንጹ ትኽእሉ። ፍልልይ ምስ ዝከሓድ ግን ኩሉ መንቀሊ ጸገም እዩ ዝኸውን። ኣብ ምያንማር ዘሎ ፍልልያት ናይታ ሃገር ሃብቲ እዩ። ዘሎ ፍልልይ ከፍርሓና የብሉን። ስለምታይ ደቂ ሓደ ኣቦ ስለ ዝዀንና። ኣሕዋት ኢና። በዚ መገዲ’ዚ ጥራሕ እዩ ሰላም ክሕነጽን ውስሕ ክኸውንን ዝኽእል። ኣብ ልዕሌኹም ባህላዊ መግዛእቲ ክዕወት ኣይትፍቀዱ፡ ብምክብባርን ምቅብባልን ኣብ ፍልልያ እዩ እቲ እውነተይና ናይ ሰላም መሰረት። መለኮታዊ ቅኑይ ውህደት ነቲ ፍልልያት ከከም መንነቱ ነናቱ ድምጺ ዝስምዓሉ ንቅዋሜ ሓደ ዓይነት ቃና ኩነት እዩ። እዚ ኸኣ ሰላም ይበሃል ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ምሳሕ ናብታ ሓዳስ ርእሰ ከተማ ዝዀነት ን ፒ ታው ብነፋሪት ተጓዒዞም ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ ርእሰ ብሔር ህቲን ክያውን ምስተን ኣብ 1991 ዓ.ም ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚትን ንልዕሊ 15 ዓመት ኣብ ቤታዊት ማሕቡስ ሕይወተን ዘሕለፋ ናይ እዋናዊት ምያንማር ኣማኻሪት መንግስትን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ኡንግ ሳን ሱ ክዪ ወግዓዊ ርክብ ከምዘካየዱ ዲ ቦሶሎ ሓቢሮም።

ናይ ምያንማር ርእሰ ብሔርን መንግስቲ ምያንማርን ንቅዱስነቶም ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ተገይርሎም ክሌኣዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ድሕሪ እዚ ወግዓዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ምያንማር ላዕለዎት ኣካላትን በርገሳውያን ማሕረሰብን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተራኺቦም ቀዳማይ ወግዓዊ ዘረባኦም ከምዘስምዑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲ ቦሶሎ ኣስዒቦም፥ ናብ ምያንማር ዘምጽኣኒ ነታ ኣብዛ ሃገር ንእትርከብን ነቶም ውሁዳን ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ እምነት ንምጽናዕን ኣብ ናይ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ቀንደይና ተዋሳኢት ንኽዀኑ ንምብርትታዕ እዩ። ዕለት 4 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበርን ምያንማርን ናይ ሓባር ርክብ ብወግዒ ኣብ ዝተጀመረሉ ዕለት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም እቲ ማንም  ንጹልን ግሉልን ዘይኰነሉ ቅኑዕን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዝግበር ጉዕዞ ናይ ዕርቅን ሰላም ጎዳና እዩ ምስ በሉ ምያንማር እታ ሕዝባ ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈላ ሃገር ብእግዚኣብሔር ውበትን ውህበትን ዝተዓደለት እያ፡ እቲ ልዑል ሃብታ ድማ እቲ ብሕድሕድ እዚዩ ዝተሳቐየ ሕዝባ እዩ ከምዝበሉ ገሊጾም።

ዘሎ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ንምግምማዕን ዘይምትእምማንን ምኽንያት ዘይኰነስ ንጽኑዕ ሓድነትን ምሕረትን ምክብባንርን ምቅብባልን ብሓጺሩ ናይ ሃገራውነት ጥበብ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ስለዚህ ሃይማኖታት ነቲ ንነዊሕ ዓመት ዝተኻየደ ሕድሕዳዊ ግጭት ዘስዓቦ መንፍሳን ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን በሰላ ፈውሲ ኰይኑ ዓብይ ተስፋ ዝዘርእን ሓባሪ ብሩህ መጻኢ ክዀና ዝተጸውዓ እያተን። ሃይማኖታዊ ባህሊ ንሰላምን ንሓልዮት ድኻታትን ንሕንጸት ኣብ ኣውነተይና ዕሴታትን መሰረት እዩ። መንእሰይ ወለዶ ንቕንዕናን ንምሉእነትን ንምትሕብባን ዝሓጽ እዩ። ከምኡ እውን ዝተረጋገጸ ስርዓት ዴሞክራሲ ዘጽንዕን ሓድነት ኣብ ሰላም ዘበርትዕ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲ ቦሶሎ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እዚ ርክብ ናብ ያንጐን ብነፋሪት ናብቲ ዝዓርፍሉ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ብናይ ምያንማር ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 18.20 ንምሕዳሮም ከምእተመልሱ ኣፍሊጦም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.