2017-12-01 10:43:00

ካብ ዕለት 27 ሳክብ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምያንማር


ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ምያንማር ርእሰ ብሔርን አማኻሪት መንግስትን ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትርን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ካብ ያንጐን መዕርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ምያንማር ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 3 ነቒሎም ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ነፋሪት ጉዕዞ ኣብታ ናይ ምያንማር ሓዳስ ርእሰ ከተማ ንያ ፕዪ ታው በጺሖም ኣብቲ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ህቲን ክያው ዘቕረብሎም ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መግለጺ ክሌኣዊ ርክብ ስነ ስርዓት ከምእተሳተፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ብርእሰ ብሔር ህቲን ክያው ኣቀባብላ ተገይርሎም ብሓባር ክቡር ዘበዐይና ጉጅለ ሙዝቀይና ምያንማር ወተሃደራዊ ብሔራዊ መዝሙር ምስ ኣስምዐ ናይ ሓባር ስእሊ ተሳኢሎም ብቐጥታ ናብቲ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ምያንማርን ሰንደቕ ዕላማ ናብ ዝተነብሮ ኣዳራሽ ምስ በጺሖም ኣብ ናይ ሃገራዊ ክቡር መዝገብ ቅዱስ ኣቦና ክታሞም ምስ ኣንበሩ ወግዓዊ ናይ ሓባር ስእሊ ምስ ተሳእሉ ግላዊ ናይ ሓባር ዘተ ከም ዘካየዱ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ካብ ርእሰ ብሔር ምስ ተሰናበቱ ቀጺሎም ምስ ኣማኻሪት መንግስትን ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኡንግ ሳን ሱ ክዪ ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኡንግ ሳን ሱ ክዪ፥ እዚ ናይ ሓባር ርክብ’ዚ ኣብ መንግስትን ኣብ ከይዲ ሰላምን ዘሎ ናይ ሓባር እማነ ዘረጋግጽ እዩ ቢለን እቲ ኣብ ራክሂነ ዘሎ እዋናዊ ቅልውላው ኩነት እውን ከምዝሓበራን። ቅዱስ ኣቦና፥ ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ክበራታዕ ኣለዎ እንክብሉ፡ ሳን ሱ ክዪ እውን ብወገነን መንግስቲ ሃገረን እቲ ነበር መግንስቲ ዘበገሶ ቶኽሲ ደው ኣብ ምባል ናይ ሓባር ስምምዕ ዝቖመ ናይ ሰላም ዘተ ክቕጽል ናይ መንግስቲ ድላይን ዕላማን እዩ ከምዝበላ ኣፍሊጠን።

ናይ ሰላም ጉዕዞ ወትሩ ቁልቁለት ኣይኰነን ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ዝማዕበለትን ጸግዕን መኹርዒትን ሓሴትን ዝዀነት ናይ ሕዝቢ ሃገር ንምርግጋጽ እንኰ መገዲ ንሱ እዩ፡ ንመጻኢ ትውልዲ ዝተረጋገጸ ውሑስ መጻኢ መታን ክህልው ሰላም ናይ ምንዳይ ከይዲ ተቐባልነት ብዘለዎ ናይ ምዕባለ መደብ ዝስነይን ዝበረታዕን ክኸውን ይግብኦ ከምዝበሉ ማሶቲ ገሊጸን።

 

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምያንማር፥ ሰላም ፍትሕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ይሓትት

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ኣብቲ ዝቐረበሎም ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት ተሳቲፎም ምስ ኣብቅዑ በቐጥታ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ኣዳራሽ ሕዝባዊ ባይቶ ከይዶም ምስ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ምያንማር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ቅድም ቀዳድም ንዝተገብረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፥ ኣብ ምያንማር ምርኻበይ ነቶም ንኡሳን ይኹን ደኣ እምበር ቀናእያን እምነቶም ዝዀኑ ካቶሊካውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምያንማርን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ እምነት ንምጽናዕን ንናይ ሃገሮም ምዕባለ ብጽንዓት ሓቢሮም ንናይ ሓባር ጥቅሚ ብርክታኦም ንምብርታዕ እዩ፡ ከምኡ እውን ንመላእ ሕዝቢ ምያንማር ዝሓቁፍን ዘይንጽል ኵሉ ሓቆፍ ማሕበራዊ ስርዓት ንኽረጋገጽ ንዝዓዩ ኵሎም ንምብርትታዕ ዝሓቀነ ምብጻሕ እዩ፡ እንክብሉ ብሓጺሩ ነቲ ዕለት 4 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዝተበገሰ ናይ ቅድስቲ መንበርን ምያንማርን ክሌኣዊ ርክብ ዕላማኡ እንታይ ከምዝዀነ ብዘዘኻኽር ዓላማ ገሊጾም፥

ምያንማር ኣዚያ መልክኣ ምድራዊ ውበትን ውህበት ዝተዓደለት ሃብታም ብተፈጥሮ እያ፡ እቲ ኣዚዩ ዝለዓለ ሃብታ ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈን ገና እቲ ውሽጣዊ  ምግምማዕ ዝወልዶ ስቓይ ምኽንያት ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝርከብ ሕዝባ እዩ። ምያንማር ካብዚ ስቓይ ንኽትላቐቕ ሰላም ንምርግጋጽ እቲ ምግምማዕ ዝፈጠሮ ፖለቲካውን መንፈሳውን ማሕበራውን ብድሆ ንምፍዋስ ትቃለስ ሃገር እያ። መንግስቲ ብወገኑ ጽኑዕ ናይ ሃገርን ሰላምን ሕንጸት ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ። እዚ ከይዲ’ዚ ንቕድሚት ክስጉም ዝኽእል ኣብ ፍትሕን ምኽባር ሰበኣዊ መሰልን ክብርን ምስ ዝቐውም እዩ፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ድንጋገ ጠቒሶም እዚ ውሳኔ’ዚ ፍትሕን ሰላምን ምዕባለን ዝረጋገጽ በጽዋር ውግእ ዘይኰነስ ብናይ ሓባር ዘተ ጥራሕ እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ናይ ምያንማር መጻኢ ሰላም እዩ ክኸውን ዘለዎ! እዚ ማለት ድማ ብምክብባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣባላትን ዓሌታትን ባህልታትን መንነትን ናይ ኵሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምኽባርን ልዑላውነት ሕግን ከምኡ እውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ብሔር ክብሪ ዘውሕስ ስርዓት ደሞክራሲ ብምርግጋጽ ናይ ነፍሲ ወከፍን ናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ ማለት እዩ። ኣብዚ ብዙሕ ብድሆታት ዘለዎ ጉዕዞ’ዚ ሃይማኖት ዓቢይ ግደ ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ምግምማዕን ግርጭንት መንቀሊ ዝዀነ ኩሉ ዘወግድ መራኸቢ ድልድል ምሕናጽን ድልያ ፍትሕን ንዝሳቐዩ ነቢያዊ ድምጺ ምዃን ዘረጋግጽ ኣበርክቶ እዩ። ሃይማኖት ንምግምማዕን ንሓድ ሕድ ሸለል ምብህሃለን ዘይምግዳስን ምኽንያት ክኸውን ኣይግብኦን። በንጻሩ ንውህደትን ይቕረ ንምብህሃልን ንምክብባርን ንጥበባይና ልምዓት ሃገር መጋበርያ እዩ።

ኣብዞም ዕሴታት ዝቖመ ምዕቡል መጻኢ ምርግጋጽ። መንሰይ ወለዶ ኣብ ቅንዕናን ምሉእ ምዕባለን ንተሓባባርነት መንፈስ ምሕናጽ። እዚ ርጉጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዘረጋግጾ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ጽፍሕታት ሰላምን ምዕባለን ኩሉ ዝውሕስ ሓድነት ንኽዕተር ይድግፍ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ዘረባ እንከጠቓልሉ፥ ናይ ምያንማር ካቶሊክ ሕብረተሰብ ብሰብኣውን ብምህዞኣዊ ክህሎት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብምትሕባር ንሓድሽ ናይ ስምምዕን ምርድዳእን ዝዓሰላ ፍትሓዊ ናይ ሕዝባ ምዕባለ እተዕትር ብቕዕቲ ናይ ሕዝቢ ሃገር ንምሕናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቀዳሞት ተዋሰእቱ ይኹኑ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካም ማሶቲ ኣስዒበን፥ ኣውን ሳን ሱ ክዪ  ቅድሚ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዐኦ ዘረባብጣልያንይና ቋንቋ፥ ቅዱስነትኩም ብእማኔ ዘበግስናዮ ናይ ሓባር ጉዕዞ ይቕጸል ከምዝበላ ኣዘካኺረን።

 

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ንምያንማር ናይ ቡድሃ ኣይማኖት ላዕለዋይ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣባላት፥ ብሓባር ቃል ተስፋ ነቕርብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ካባ ኣየ እተሰምየ ናይ ምያንማር ተራቫዳ ቡድሃዊ ሃይማኖት ማእከል ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቲ ካብ 1980 ዓ.ም. ኣትሒዙ መንግስቲ ምያንማር ብናይ ሃይማኖትን ባህልን ጉዳያት ሚኒ. ኣቢሉ ዘቖሞ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ኣገልግሎት ዘመን ዘለዎ በ47 ብድሃውያን መናንያን ዝቖመ ሳንግሃ እተሰምየ ብዶክተር ብሃዳንታ ኩማራብሂቫምሳ ዝምራሕ ላዕለዋይ ናይ ምያንማር ሃይማኖት ብድሃ ቤት ምኽሪ ኣባላት ከምእተራኸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ሃይማኖት ቡድሃ ማእከል ምስ በጽሑ ብናይቲ ሳንግሃ ላዕለዋይ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ክቡርነቶ ዶክተር ኩማራበሂቫምሳ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ድሕሪ ክብሩነቶም ዶክተር ኩማራበሂቫምሳ ዘስምዕዎ ዘረባ ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና፥ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ ምክብባር ዝቖመ ሕውነታዊ ርክባትና ንምሕዳስ ዓቢይ ዕድል ክኸውን እንከሎ፡ ብተዛማዲ እውን እቲ ንሰላምን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሓባር ጻዕርታትና ንምጽናዕ ዕድል እዩ። ኣብ ምያንማር ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም ዘርኢ ሰብ ከምዚ ዓይነት ናይ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ምስክርነት ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ።

ንሕና ብዛዕባ እቲ ዘይበርስ ናይ ፍትሕን ሰላምን መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዕሴታት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብሓደ ድምጺ ክንዛረብ እንከለና ናይ ተስፋ ቃል ኢና እንዘርእን እነቃልሕን እነረጋግጽን። ንኹሉ ካቶሊካውን ሰዓቢ ሃይማኖት ቡድሃን ንኹሎም እቶም ንልዑል ሓባራዊ ስኒት ዝቃለሱ ንደገፍ።

ነቲ ዝሓለፈ ዘጉህይ ሎሚ እውን ኣብ ዘመንና ዝረአይ ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ግጭትን ዘይማዕርነትን ዝፈጥሮ ኵለ መዳያዊ ማህሰይቲ፡ ኣብ ቅድሚ እዞም ብድሆታት ህዝቢ ምያንማር ብዘለዎ ቡድሃዊ ሃይማኖት ናይ ተስፋን ምክብባርን ምኽባር ሕይወትን ምህዳርን ብዝብሉ ዕሴታት ኣቢሉ ብምቕራብ ንብሉጽነት ይቐውም። ኣብቲ እውነተይና ናይ ተራኽቦነት ባህሊ፡ እቶም ዕሴታት ንማሕበረሰብና የበርትዑን ናብቲ ብርሃን ዘድልዮ ምሉእ ሕብረተሰብ ብርሃን ንኸብጽሑ ይድግፉ።

ቡቕባቔን ትዕግስትን ንምንቕቓሕን ነቶም ሕዝብታት ብባህልን ቋንቋን ዓሌትን ብዝኽተልዎ ሃይማኖትን ዝገማምዔ ግጭት ንዝኸሰቶም ኣቁሳል ንምፍዋስ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ስልጣን ወይ ብንጹል ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ መላእ ሕብረተሰብ መዝነት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ብፍላይ ናይ ብርገሳውያንን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ድምጺ ክስማዕ ብምግባር ተተሓሒዙ ብድሆታትን ናይ እዋናዊ ኣገዳስነታት ክስትውዓሉን ብዘይ ሌላን ጉሌላን ብሕድ ሕዳዊ ምትሕብባር ክግጠሙን ዝድግፍ እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ እንክገልጹ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ስንድውቲ ብጻይ እያ። ስለምታይ እውነተይና ፍትሕን ነባሪ ሰላምን ክብጻሕ ዝከኣል ንኹሉን ናይ ኩሉን ሰላም ውሑስ ምስ ዝኸውን ስለ ዝዀነ እዩ ኢሎም፥ ብስም ኵሎም ካቶሊካውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብሓባር ምሳኹም ናይ ሰላምን ፈውስን ቡቕባቔን ተስፋን ዘርኢ ኣብ ምድሪ ዓለም ንምዝራእ ምሳኹም ከምዝሓብር ከረጋግጸልኩም ኣፈትው እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ዛዚሞም ናይ ሰላም ትእምርቲ ዝዀነ ዝተቐርጸ ሓወልቲ ምስሊ ርግቢት ገጸ በረከት ንናይ ቡድሃ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ከምዝለገሱ ጂሶቲ ሓቢረን።

 

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምያንማር ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ያንጐን ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ከምእተራኸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

እቲ ጥልቂ ምግምማዕ ዘወግድ ብሔራዊ ሓድነት ሕነጹ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምያንማር ስኒትን ፍቅርን ንሕውነት ሕይወት ህዝቢ ዝተጸውዔት እያ፡ ናይ ካቶሊክ ማሕበረሰብ ሕይወታዊ ዕማም እወታዊ ዝዀነ ናይ ሕብረተሰብ ሕይወት ምሕናጽ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ መላእ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ዘቃልሕ ድምጺ ምዃን እዩ። ብፍላይ ምእንቲ ድኻታትን ንዓመጽን መጥቃዕትን ንዝተቓልዑ ጥቕሚ ደው ምባል ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ናይ ብፁዓን ኣቡናት ተልእኮ ዘለዎ ሃሴትን ብድሆታቱን ናይ መጓሰይኦም ዓመጽን ግጭትን ዝወልዶም ብድሆታት ናቶም ናይ ምግባሮም ምልክት እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ጎዳና’ዚ ብዙሓት ናይ እምነት ናይቲ ጥንታዊ ክቡር ባህሊ መሰኻኽር  ኣዐዲሉ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ምያንማር ንኽራኸቡ ኣብቲ ካቴድራል ምስ ኣተዉ ብስም ኵሎም ብፁዓን ጳጳሳት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ዘስምዑ ናይ ካላያ ጳጳስን ናይ ምያንማር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፈሊፕ ሊያን ክሀን ታንግ ቀጺሎም ዱስነቶም ኣብቲ ኣብ፥ ፈውስን (ምፍዋስን)፤ ምስናይን ነቢይነትን ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ቀጺሎም፥ ፍልልያቶም ዘብዕሉን ዝቕድሱን ኢና፡ ሓድነትና ካብ ፍልልያትና ዝምንጭው እምበር ፍልልያትን ዝሓክኽ ማለት ኣይኰነ፡ እቲ ናይ ሓባር ሃብትን ዘዕብይን ዘሎና ፍልልያት ብናይ ምርኻብን ምትሕብባርን ባህሊ ኣቢልና ነኽብሮ።

ኣብ ምያንማር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእኾኣ ፈውስን ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ ብምምስካር እቲ ዓለም ክህቦ ዘይከኣሎ ሰላም ንኽብጻሕ ብቓልን ሕይወትን እትምስክር እያ። እግዚኣብሔር ብምምስካር ንብጻይ ምስክር ብምዃን ንድኻታትን ንቶም ዝተናዕቁን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተሓርሞም ቀረባ ብምዃን ስሌኦም ደው ብምባል ኣብ ፈቐዶ ወሰናስን ጐደናታት ተደርብዮም ስለ ዝሳቕዩ እትጣበቕን ኣቁሳሎም ትፍውስን እያ።

ሃይማኖታዊ ዘተ እተነቓቕሕ ቤተ ክርስቲያን፥ ስለዚህ ናይ ዘተ ባህሊ እትሃንጹ ኩኑ! ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ናይ ሃገርኩም ሕይወት ናይ ስላምን ዕርቅን ተራኽቦ ይሃልውኩም። … ኣብ ዓውደ ኵናት እትርከብ ቤት ሕክምና፡ ኵለ መዳያዊ ኣቝሳል እትፍውስ።

ሽታ እግዚኣብሔር ዘለዎ ሽታ ኣባጊዕ (ጨና መጓሰይ እትሽትት) ኣብ ገዛእ ርእሳ እትዕጾ ዘይኰነስ ናብ እትብል፡ ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማን ህልውናን እተበል ቤተ ክርስቲያን መሰኻኽር ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና። ጳጳስ ንመጓሰይ ቀረባ ኣዚዩ ንካህናቱ ቀረባ ይኹን።

መሰረት ዘለዎ ውዕዉዕ እምነት ዝነብር ናይ ልኡከ ወንጌል ውዕዉዕ መንፈስ ዘለዎ፡ በቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓንዲ ዝዀኑ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን ዝሕገዝ ይኹን።

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም መንእሰይ ወለዶ ኣብ ጥዑይ ግብረ ገብ ክህነጽ ክስነይ ይግብኦ። ኣብቲ ዝተሓላለኸ እዋናዊ ፈጣን ዓለም ነቲ ዓብላሊ ባህልን ህልዮን ክብድህ መታን ንመንእሰይ ወለዶ ቀረባ ምዃን እንክብሉ ምስቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ንኽካይድ ዝጸውዕዎ ኣብ መንእሰይ ዘማእከለ ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብምስትውዓል ኣተሓሳሲቦም፡ ቤተ ክርስቲያን ነቢይ እያ።ስለዚህ ጻላይን ዓቃቢት ፍጥረትን ተፈጥሮ እያ። ሰብኣውን ማሕበረሰብኣውን ስነ ምህዳር እተሳልጥ እያ ምስ በሉ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን እንከጠቓልሉ፥ መንፈሳውን ሰብኣውን ጥዕና ብማዕረ ምሕላው። ንኻህናት ኣብነት ንምእመናን ኣብነት ናይ ጸሎትን ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝቖመ ናይ ምሕረትን ዕርቅን ሕይወት መስከርቲ። እቲ ቀዳማይ ናይ ሓደ ኣቡን ተልእኾ ጸሎት እዩ። ጻላይነት ናይ ክህነት መንነት መግለጺ እዩ። ጸሎት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ፍቕሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

 

ንኩላቶም ምልክት ተስፋ ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት ምያንማር

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ምያንማር ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብቅዳሴ እንክዛዝምዎ ኣብቲ መንእሰያት ብብዝሒ ዝተሳተፍዎ ኣብ ካተድራል ንጽሕት ድንግል ማርያም ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ ብምድጋም ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም፣ ‘ንስኹም ደስ ዘብል ሠናይ ዜና ኢኹም ከመይ ነቲ ቤተክርስትያን ኣብ ክርስቶስ ንዘለዋ እምነት ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ተመልክቱ ስለዝኾንኩም ኣባናውን መወዳእታ ዘይብሉ ሓጐስን ተስፋን የንጸባርቅ፣ ኮይኑ ግን ኣብዚ ድኽነትን ውርደትን ብዙሕ ምጉዳል ፍትሕን ዝመልኦ ዓለምና እቲ ሠናይ ዜና ናይ ሓጐስ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል! ኢሎም ይሓቱ እሞ ነዙ ጉዳይ እዚ ንጹር መልእኽቲ የድልዮ `ሕዝቢ ንስኹም መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ምያንማር ነቲ ሠናይ ዜና ምሕረት እግዚብሔር ኣሜን ኢልኩም ንምቅባል ዘይትፈርሑን ነግ ፈረግ ዘይትብሉን ምዃንኩም ክፈልጡ ክንደይ ምደለኹ! ከመይ እዚ ሠናይ ዜና እዚ ስምን ገጽን ኣለዎ ንሱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ናይዚ ሠናይ ዜና እዚ መልእኽተኛታት ብምዃንኩም ከኣ ንቤተክርስትያንስ ይኹን ንዓድኹም ከምኡ እውን ንመላእ ዓለም ሓቲ ናይ ተስፋ ቃል ንምብሳር ስንድዋት ኩኑ፣ ኣብተን ኢየሱስ ዝዓደለና መሰል ደቂሰባትን ፍትሕን ከምኡ እውን ኣብ ፍቅርን ሰላምን ዘሎኩም ውዕውዕ ስምዒት ንኩልና የገድሰናን ይጠቅመናን እዩ፣ ነዙ ንክትገብሩ ግን ነቲ ሎሚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ መሠረት ብምግባር ሕቶታት ከቅርበልኩም ምፈቶኹ፣ ቅድሚኡ ግና ንዘረባ ኢየሱስ ንምስማዕ ክትገብርዎ ዘሎኩም ነገር ኣሎ ማለት ቅድሚ ዘረባ ብጸሎት ክትረኽብዎ ኣሎኩም ድሕሪ ተዘራርብዎ ኣብ ልብኹም ዘሎ ኩሉ ተካፍልዎ ወላውን ነቲ ዝስመዓኩም ፍርህስ ይኹን ሻቅሎት ከምኡ እውን ሕልምታትኩምን ተስፋታትኩምን ኣዕልልዎ፣ ናብቲ ቀንዲ በዳሂ ሕቶታት ጳውሎስ እንክንምለስ ሠለስተ ግዜ እንተዘይ ትብል ቃል ይደጋግም፣ ሓያል ቃል ኮይና ኣብ ስፍሓት መንግሥቲ ኣምላኽ ግደ ናይ ነፍስወከፍና ብግዲ ክህሉ ትሓተና፣ እምበር ነተን ቅዱስ ጳውሎስ ዘቅርበን ሠለስተ ሕቶታት ናባኹም ከቅርበን። ቅዱስ ጳውሎስ ስም እግዚኣብሔር ዚጽውዕ ሰብ ኩሉ ኪድኅን እዩ ይብል እሞ እንተኾነ ብኣኡ ከይኣመኑ ኸመይ ኮይኖም ኪጽውዕዎ ይኽእሉ፧` ብማለት ነታ ቀዳመይቲ ሕቶ የቅርበልና ትብል፣ እታ ካልኣይቲ ከኣ ‘ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ከመይ ኢሎም ብኣኡ ይኣምኑ፡’ ትብል ኮይና ኣብ መወዳእታ ድማ  ዜበስርዎም ሰባት እንተዘይተረኽቡኸ ኸመይ ኰይኖም ይስምዑ፧ እቶም ዜበሥሩኸ እንተዘይተላእኩ ከመይ ገይሮም የብሥሩ!  ከመዮ፡ ድምጺ ኣእጋር እቶም ኬበስሩ ዝመጹ ኽንደይ እሞ ይጥዕም፡ ተባሂሉ ዝተጻሕፈሎም እዩ፡ እንክብል ሎሚውን ይሓተና ኣሎ፣ ስለዚ ንስኹም መንእሰያት ምናዳ ንመሳቱኹም ከም ተልእኮ መዘና ክትወስድዎ ዘሎኩም ነዚ ሠናይ ዜና እዚ ኣበስሩ፣ ንሰባት ወጠርቲ ዝኾና ሕቶታት ንምሕታት ኣይትፍርሁ፣ ነዚ ንምግባር ንክትስምዑ ኣተና ካልኦት ናባኹም ገጹ ንከብል ክትጭርሑ ምደለኹ እዚ ምጭራሕ እዚ ግን ብድምጺ ዘይኮነ ብሕይወትኩም ብልብኹም ክትገብርዎ ምደለኹ፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ ተስፋ ንዝቈረጸ ተስፋ ንዝሓመመ እትዝርጋሕ ኢድ ንጓናን ስደተኛን ሃንጐፋይ ኢሉ ዝቅበል ፍሽኽታ ብሕቱ ኰይኑ ንዝሳቀ ደገፍ ኰንኩም ምልክት ተስፋ ኩኑ፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ ነታ ቅዱስ ጳውሎስ ዘቅረባ ሳልሰይቲ ሕቶ ንምልስ ማለት ቅዳሴ ምስ ወዳእና ኩሉኹም እንኮላይ ንሕና ነቲ ዝተቀበልናዮ ጸጋ ምስ ካልኦት ንምክፋል ንውፈር፣ ነዚ እንክንገብር በይንና ኣይኮናን ኢየሱስ የሰንየና እዩ፣ ሎሚ እንክዝኽሮ ዓቢይ ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ ነዚ የረጋግጸልና፣ በይንና ገለ ክንገብር ከይንፍትን ወይ ከይንሓስብ ኩሉ ምስ ኢየሱስን ብኢየሱስን እዩ፣ ብሓይልና ዝኸውን ሓንቲ ነገር የላን ከይትጋገዩ፣ ጐይታ ንገለኹም ብክህነት ንክተገልግልዎ ይዕድመኩም ይኸውን በዚ ከኣ ገፈፍቲ ሰብ ትኾኑ፣ ንገሊኦም ኣብ ውፉይ ሕይወት ክሳተፉ ይጽውዕ፣ ንገለኦም ከኣ ኣቦታትን ኣደታትን ንክኾኑ ኣብ ኪዳናዊ ሕይወት ይጽውዕ፣ ጸዋዕታኹም ዝኾነ ይኹን ዝምሕጸነኩምን ሓደራ ዝብለኩምን ጽኑዓት ኩኑ ለጋሳት ኩኑ ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ጸዋዕታኹም ሕጉሳት ኩኑ፣ ንኩሉኹም ኣብነት ትኾነኩም እኖና ድንግል ማርያም እያ፣ ከመይ ንሳ ከማኹም መንእሰይ እንከላ እያ ነቲ ዘሐጐስ ዜና ምስ ሰምዔት ክትቅበሎን ንምሉእ ሕይወታ ናብ እግዚብሔር ንክተወፈን ትብዓትን እምነት ዝረኸበት፣ ከም ማርያም ሕይወትኩም ብምሉኡ ናብ እግዚኣብሔር ንምውፋይከስ ከምኣ ትሑታት ብምዃን ንኢየሱስን ንፍቅሩን ናብ ካልኦት ንምብጻሕ ጽኑዓት ኩኑ` እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.