2017-12-02 17:26:00

ሰንበት ዘምኵራብ ኅዳር 24 2010- ዓ.ም. (12/03/2017)


ንባባት፡  ዕብ 12፡ 22-ፍ፥ ያዕ 3፡3-10፥ ግ.ሓ. 21፡27-33፥ ማቴ 8፡23-ፍ     ምስባክ፡  ኵሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ ሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። “እግዚአብሔር ንዝደለዮ ኩሉ አብ ሰማይን አብ ምድሪን፥ አብ ባሕርን አብ ቀላያትን ገበረ”  መዝ. 135፡6።    

መዝሙር፡ “ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዘሎ አምላኽ ብኅላዌኡ ፍጹም እዩ፥ ንሱ ብግዝአቱ ንዓለም የመሓድር፥ ሰማይ ንኽብሩ ገበሮ ንዓለም ፈጠሮ፥ ንምድሪ አጸበቓ፥ ንኹሎም አብ ጸገም ዘለዉ ከዕርፉ ንባሕርን ንኹሎም ንፋሳትን ገሰጾም፥ ኩሎም አብአ ከዕርፉ ምእንቲ ንሰንበት ቀደሳ። አብ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእንቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ። ንሶም ብጸጋን ብልቦናን ብሃይማኖትን ካብ መጀመርያ ንጎይትኦም ዘሕጎስዎ መምህር ቅዱሳን አኽሊል ሰማዕታት ናይ ካህናት ሽመት ዝኾነ አምላኽ ብጸግኡ አጽንዖም”።

ሰንበት ዘምኩራብ አብ አምላኽ ዘሎና ምቅርራብ ክነስተንትን ይሕግዘና። መዝሙር አምላኽ ፍጹም ከም ዝኾነ እናገለጸ ንፍጡራቱ ከም ዝሓልን አብ ሕይወቶም ንዝጓነፎም ጸገማት ክሕግዞም ምስኦም ከምዘሎ ይነግር። አምላኽ ብአርአያኡን አምሳሉን ንሰብ ክፈጥር እንከሎ ካብኡ ክፍለ ስለ ዘይደለዮ እዩ። አምላኽ ፈቃር እዩ፥ ንኹሉ ብፍቕሪ ስለ ዝርእዮ ምሕረቱ ወሰን የብሉን ስለዚ ክንቀርቦ ክንሰምዖ ይደልየና።

ወንጌል ማቴ 8፡23-27 ኢየሱስ ማዕበል ከምዘህድአ ብማርቆስን ሉቃስን እውን ይንገረና እዩ። እዚ ፍጻሜ ካብቲ ዝንገረና ንንየው ትርጉም ክውሃቦ ይግባእ ምኽንያቱ ነቲ ዝተገብረ ጥራሕ ንምዝንታው እንተ ኾነ ሓንቲ ትርጉም የብሉን ክንርድኦን ክንሓስቦን ዘሎና ዝሓዘ እዩ። እቲ ቀንዲ ትርጉም ኢየሱስ አብ ቀላይ ገሊላ ማዕበል አህዲኡ ክብል እንከሎ ኢየሱስ አብ ዘለዎ ኩሉ ናይ ሕይወት ማዕበል ይሃድእ። ፈተናንን ከቢድን ጽንኩርን አብ ሰላም ይልወጥ። ናይ ሓዘን ንፋስ ምስ ነፈሰ ኢየሱስ ምሳና እንተሎ ሽዑ ቅሳነትን ህድአትን አሎ። ናይ ጥርጣሬ ማዕበል ንእምነትና ክምንቍሶ ምስ ተፈታተኖ ምስ ኢየሱስ እንተሎና ጽንዓት አሎ። አብ ዝኾነ ማዕበል ሕይወት ኢየሱስ ሒዝና እንተ ገጠምናዮ መጨረሽትኡ ህድአት ሰላም አሎ።

ማቴዎስ ነዚ ዝጸሓፈ እቶም አይሁድ ዝነበሩ አብ ክርስትና ምስ ተመልሱ ድሕሪ 70 ዓ.ም. ኢየሩሳሌ ብቲቶ ዝብሃል ሮማዊ ጀነራል ጨሪሻ ምስ ተደምሰሰት ከም ሓንቲ መርከብ አብ ባሕሪ ብማዕበል ተናዊጻ አብ ሕማቕ ኩነታት ዝነበረት ክርስትያን ከአ ንበይኖም ተስፋ ቆሪጾም ነገራት ኩሉ ፋሕ ኢልዎም ኩሉ ሓርቢትዎም እንከሎ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኲንኡ ርእዮም ክርእዩ እሞ ብተስፋ ክሓልፍዎ ኢሉ እዩ ጽሒፍዎ። እዚ ኸአ ናብታ እተድሕኖም ወደብ ክሕብሮም ኢሉ እዩ።

አብ ክርስትያናዊ ትውፊት ነዚ ተአምራት ብብዙሕ መገዲ ንሕይወት ቤተ ክርስትያንን ተመክሮ ናይ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ከም ዝገልጽ ገሩ የቕርቦ። ካብ መጀመርያ ዘመናት አብ ክርስትያናዊ ስነጽሑፋትን ስነጥበባውያንን ጃልባ/መርከብ አምሳል ቤተ ክርስትያን እያ እትርአ። ኢየሱስ አብ መርከብ ምስ ሓዋርያቱ እናተጓዕዘ ንሱ ደቂሱ ከም ዝነበረ እሞ ብማዕበል ክሳብ እትጉልበብ አብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንዋጽ ከም ዝኾነ ነንብብ። እዚ ማዕበልን ንፋሳትን አምሳል እቲ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ አብ እትጉዓዞ ሕይወታ በብእዋኑ ንዝጓነፋ መከራን ስደትን ዘመልክት እዩ። አብተን ቀዳሞት ዓመታት ክርስትያን ብብዙሕ መገዲ ብአይሁድ ይስደዱ ነሮም፥ ቀጺሎም አረማውያን ብፍላይ ሮማውያን የሳድድዎምን ይቀትልዎምን ነሮም። 300 ዓመት ብብርቱዕ ስደት ሓሊፋ። ሎሚ እውን አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ብግሁድን ብስዉርን ትስደት አላ፥ ኢየሱስ ግን ኩሉ ጊዜ ምስአ አሎ፥ እቶም ዘጸግምዋ ዘሳድድዋ እዮም ዝሓልፉ። ንክርስትያን ተስፋ ምቝራጽ አይናቱን እዩ፥ እኳድአ መከራ አብ ዝበዝሓሉ አብኡ ብዝያዳ ሓልዮትን ፍቕሪ አምላኽን አሎ።

ማቴዎስ ፍሉይ ርድኢት ክህልወና ኢሉ ኢየሱስ አብዚ ጽንኩር እዋን ይድቅስ ነሩ ይብለና። ብሓቂዶ ይድቅስ ነሩ ወይስ ንዝበለጸ መግለጺ ክቕርበና ኢሉ እዩ። ደቂሱ እንተ ኾነ ክሳብ ክንደይ ደኺሙ ነሩ ማለት እዩ። ማቴዎስ ይድቅስ ነሩ ክብል እንከሎ ነቲ አብ ሰማያዊ አብኡ ዘልኦ እምነት ስለ ዝፈልጥ ሃዲኡ ነሩ ከምዝነበረ ክነግር ኢሉ እዩ። ሓዋርያት እናአእወዩን ጭርሑን ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ምዃኑኸ ስለምንታይ እዩ? አብዚ መሰረት ገርና አብ ገለ እዋን አምላኽ ንቤተ ክርስትያኑ አብ ከቢድ ስደትን ውርደትን እንከላ ከድሕና ዝመጽእ አይመስልን። ክርስትያን አሰር ሓዋርያት ተኸቲልና ንክርስቶስ ንደልዮ አሎና ኦ ጎይታ ጠፋእና አድኅነና ክንብሎ ይግባእ። እዚ ክንብል እንከሎና ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ንዝኾነ ሽዑ ክሕግዘና ይመጽእ።

ሰብ እንታይ ምስ ኮነ እዩ ዝጭነቕ ወይ ተስፋ ዝቖርጽ? አብ አምላኽ እምነት ምስ አጉደለ ንነገራት ባዕሉ ንበይኑ ክፈትሕ ምስ ደለየ ኩሉ ይሕርብቶ። ሽዑ ግልጽ ምልጽ ክብል ይጅምር ከም ገለ ሓደ እምነት ዘልኦ እንተ ተረኽበ አብ አምላኽ ግልጽ ይብል። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምስኡ አሎ ክሕግዞ ክሰምዖ ምስኡ አሎ፥ እሞ ሎሚ አብ አምላኽ ንመለስ ክሰምዓና እዩ። 

ንአምላኽ ምስ ተጨነቕና ጥራሕ ክንልምኖ ክንቀርቦ የብልናን፥ አብ ኩሉ እዋን ምስኡ ክነብር ምስኡ ክንጉዓዝ አሎና። አብ ገለ እዋን ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ምስ ተጸገምና እንብሎን እንገብሮን ይጠፍአና፥ አብ ከምዚ ሕይወት እንከሎና ኢና እምብአር ምስ መን አሎኹ ክንብል ዝግባእ። ሰብ ንበይኑ ወይ ምስ ከምኡ ዝመሰሉ ሰባት ጥራሕ ዝጉዓዝ እንተ ኾነ ሕይወቱ ዋሕስ የብሉን ስለዚ ምስ አምላኽዶ እጉዓዝ አሎኹ ኢልና ክንሓስብን ክነስተንትን አሎና።

ከም ሓዋርያት ዘንጋዕቲ ኢና። ሓዋርያት ክርስቶስ እቲ አምላኽ ምዃኑ ብተአምራታቱ ብትምህርቱ ዝነገሮም ምስኦም እንከሎ እምነት አጉዲሎም ክዝክሩ ጸጊምዎም። ንሕና እውን ከምዚ ብዙሕ ጊዜ ንገብር ኢና እምነት አጉዲልና አብ ካልእ ንዝንብል። ሎሚ ንብዙሓት ከቢዱ ዘሎ ንኸማኻ ሰብ ከም ፈጣሪ ገርካ ምርአይ እዩ። እምነትና ዳርጋ አብ ዕዳጋ ከም ዝወረደ ኮይኑ እንኸዶ ዘሎና መገዲ ጠፊኡና ነዕበድብድ አሎና፥ አብ አምላኽ ንመለስ እሞ ጎይታና ንጠፍእ አሎና አድሕነና ንበሎ።

ኢየሱስ ተጨኒቖም እናለመንዎ አቱም ሰብ ጎደሎ እምነት ንምንታይከ ትፈርሁ እናበለ ተንሢኡ ንንፋሳትን ንባሕርን ገሠጾም እሞ ዓቢ ህድአት ኮነ። ኢየሱስ በቲ ማዕበል አይኮነን ተንሲኡ በቲ ተስፋ ቍርጸት ሓዋርያት እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ አቱም ሰብ ጎደሎ እምነት ንምንታይ ትፈርሁ እናበለ ዝተዛረቦም።ሽዑ ተንሢኡ ንንፋሳትን ባሕርን ገሰጾም ምኽንያቱ ዘፍርሕ ጸገም ስለ ዘይነበረ። ከምቲ ሓደ ሰብ አብ ገዛ ዓርኩ እንተ ኸደ እሞ ከልቢ ጎይትኡ እንተነብሐ ዓርኩ ምስኡ ከም ዘሎ ስለ ዝፈልጥ አይፈርሕን እዩ ወላ እኳ እቲ ኸልቢ ብርቱዕን ዘፍርሕን እንተ ኾነ፥ ምኽንያቱ ዓርኩ ንከልቡ ክሕዞ እዩ። እዚ ኢየሱስ ዝገበሮ ተአምራት ከምቲ አብ ዘፅ 14፡22 ዝንበብ እስራኤላውያን ንባሕሪ ክሳገሩ ከለዉ ብዘይፍርኂ ዝሰገሩ ከምኡ እዩ። ነዚ እዩ ኢየሱስ ከም ብሓዲስ ዝደግሞ ዘሎ። ከምኡ ነቲ አብ ኢሳያስ 43፡2  “ብማያት ምስ እትኃልፍ ምሳኻ ክኸውን እየ ብዝኂ መከራ አይኬጥሕለካን እዩ፥ ንሓዊ ምስ እትከይድ አይክትነድድን ኢኻ ዚበጽሓካ ፈተናውን አይክጎድአካን እዩ” ዝብሎ የዘኻኽር፥ ከምኡ ነቲ አብ መዝ. 107፡23-30 ዘሎ ንማዕበል ከም ዘህድእ ዝነግር የዘኻኽር።

ሓዋርያት ዝገበሮ ምስ ረአዩ ዝያዳ ፈሪሆም እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝዎስ መን ኮን ይኸውን በሉ። ጸገማት ማዕበል አብ ባሕሪ ዝገጥም ብፍላይ መብዝሕትኦም ገፈፍቲ ዓሣ ስለ ዝነበሩ ክርድኦም ይኽእል እዩ፥ እዚ ኢየሱስ ዝገበሮ ግን ፍሉይ ነገር እዩ፥ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ንፋሳትን ባሕርን ዝእዘዝዎ እናበሉ ሓሰቡ።

አብ ርድኢቶም ነዚ ነገር ክገብር ዝኽእል ሓደ ጥራሕ እዩ ንሱ ኸአ አምላኽ እዩ። እዚ ዝብልዎ ዘለዉ ግን ንዝዓሞቐ እንታይነትን መንነት ኢየሱስ አብ ምርዳእ ዘምርሐ እዩ። እዚ ዝኽተልዎ ዘለዉ መምህር መን ምዃኑ ከለልዩ ክፈልጡ መገዲ ሓቢርዎም። ሰብ ብባህሪኡ ሓደ ዘደንቕ ወይ ዝበለጸ እንተ ረአየ ኲንኡ ክርኢ ይደሊ። ሓዋርያት በቲ ዝርአይዎ ኢየሱስ መን ምዃኑ ክሓቱ ጀሚሮም። አብዚ ንሕና እውን አምላኽ አብ ሕይወትና ወይ አብ ስድራና ወይ አብ ዓድና ዘርእየና ርኢና ኢድ አምላኽ ክነለሊ ከም ዝግባእ ክንሓስብ አሎና። ተደኒቕካ ምፍትራፍ ለውጢ አየምጽእን እዩ፥ ኲንኡ ክንከይድ የድሊ።

መንዩ እዚ ሰብአይ? መንዩ ኢየሱስ ንአና፥ ንአይ? እዚ ሕቶ እዚ ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብ ይሕግዘና ንኢየሱስ ብዝበለጸ አብ ሕይወትና ክንፈልጢ ክነለልዮ ምእንቲ። አብ ቀዳሞት ክርስትያን ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ብምርአይ ዝተፈላለየ አስማት ይህብዎ ነሮም መስሕ፥ ነቢ፥ ወዲ አምላኽ፥ ወዲሰብ፥ ብርሃን ዓለም. . . . እዚ ዝተፈላለየ አስማት ኢየሱስ አብ ሕይወቶም እንታይ ዓይነት ጽልዋ ወይ ሳዕበን ከምዘምጽአ ግምት ብምግባር እዩ። እንተ ኾነ ስም ትርጉሙን ጽባቔኡን ብዘየገድሲ ናይ እቲ ሰብ ምስጢር ክገልጽ ብዝያዳ ኸአ ናይ ኢየሱስ እንታይነት ክገልጸልና አይክእልን እዩ። ኢየሱስ አብ ስም ዝሕጸር አይኮነን ልዕሊ ስም እዩ። አብ ሓደ ዓቚርካ እትሕዞ አይኮነን ስሙ። ዝበለጸ ስም ኢየሱስ ፍቕሪ እዩ። አብ ፍቕሪ አስማት ምሉእ ትርጉሞም ይረኽቡ። እሞ መን እዩ ኢየሱስ ንአይ ንአና?

ነዚ ማቴዎስ ዘዘንተወልና ካልእ ትርጉም እውን ክውሃቦ ይክአል ማለት ማቴዎስ ወንጌሉ ንፍሉያት ክርስትያን አይሁድ ዝነበሩ እሞ አብ ኩሉ ፋሕ ኢሎም አብ መንጎ ዝበዝሑ አረመን ህዝቢ ዝነበሩ ማለት ከምታ ጃልባ አብ ማእከል ባሕሪ እትርከብ እሞ ብንፋስን ማዕበልን እትግፋዕ  ንሳቶም እውን አብ መንጎ አህዛብ ዝተፈላለየ ግፍዕን ስደትን ውርደትን ከም ዝነበሮም ዝነግር ኮይኑ ክንረኽቦ ንኽእል። ነፍስወከፍ ንእሽቶይ ማሕበር ክርስትያን አብ መንጎ ዝበዝሑ አረመን ከምቲ ንሓዋርያት ዝተሰምዖም ኮይኑ ይስምዓ ነሩ ክኸውን ይኽአል እዩ። አብ ገለ እዋን እቲ ማዕበል ነታ መርከቦም ዘጥሕላ ዘሎ ክመስል ይኽእል እዩ። አብቲ እዋን ኢየሱስ እቲ ጎይታ ዝድቅስ ዘሎ፥ ካብኦም አዝዩ ርሒቑ ዘሎ፥ ጸገሞም ዘይግድሶ ወይ እውን ዘይፈልጥ ኮይኑ ይርአ ይኸውን እቲ ሓቂ ግን ንሶም እየም ክርእይዎ ዘይክአሉ እምበር ንሱ ምስኦም እዩ ነሩ። አብዚ ወንጌል ሓደ ፍሉይ እንርእዮ “ጎይታ” ዝብል ቃል እዩ እዚ ነቲ ህልው ኩነታቶም ዘመልክት ኮይኑ ርግጽነት አብዘይብሉ ዓለም ካብ ኩሉ ተፈልዮም ከም ዘለዉ እሞ ንመምህሮም ከም ዝልምኑ ዝሕብር እዩ።

ድሕሪኡ ኢየሱስ አብ ማእከሎም ከምዘሎ ፈሊጦም አለልዮሞ ብአኦም ከም ዝግደስ እውን ክርእዩ ክኢሎም። ሰላም ሽዑ እንደገና ክምለሶም ጀሚሩ። እቲ ንሱ ዘምጽኦ ሰላም አብ ልቦም እዩ፥ እቲ አብ ከባቢኦም ዘሎ ባሕሪ ከም ከቀድሙ ዝበርትዐ ማዕበል ከምጽአሎም ይክአል እዩ።

አብዚ ብዙሕ እንምሃሮ ነገር አሎ። ብዙሕ ጊዜ አብ ከባቢና ንዘሎ ዓለም ክንቅይር ንእሽቶይ ነገር ኢና እንገብር፥ ወይ እውን ነቶም ዝህውኹና ሰባት አብ ልቦም ክንመልሶም ወይ ከም ዝቕይሩ ክንገብሮም አይንጽዕርን ኢና። ምናልባት ክንቅይሮም መሰል ዘይብልና ክንከውን ንኽእል፥ ግን ክንቅይሮም ንኽእል ኢና፥ ንነገራት ብዝተፈለ ብኻልእ ክንርእዮም ንኽእል ኢና፥ አብ ክንዲ ነጸግቲ እንኸውን ተሓባበርቲ ክንከውን ንኽእል ኢና።

ልዕሊ ኹሉ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ካባና ርሑቕ ከምዘይኮነ ክንምሃርን ክነስተውዕልን ንኽእል ኢና። ንሱ ጸገምና ይፈልጥ፥ ይግደሰልና እዩ፥ አብ ክንዲ ንነገራት ካባና ዝአልዮም ባዕልና በቲ ጸገም ሓሊፍና ክንቅይሮም ይሕግዘና ሽዑ ሰላምና ንረክብ።

ንኹሉ አብ ሕይወት ንዝጓነፈና ማዕበላት አህዲእና እንኽእለሉ ጸጋ ይዓድለና።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ     








All the contents on this site are copyrighted ©.