2017-12-04 16:50:00

ሢመተ ክህነት ኣብ ኤጳርቅና ከረን ኤርትራ


አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጼድቅ (መዝ. 110፣4)ዕብ. 5፣6፡ ንስኻ ከም መዓርግ መልከጼድቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ፣ አሉ መሓለ አይጠዓስን ከኣ’ዩ።

መልከጼድቅ፣ ንጉሠ ጽድቅ፣ (King of Righteouness) ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ፣ መልከጼድቅ፣ ብጊዜ ኣብርሃም ኣብ ሳሌም ጥንታዊት (ኢየሩሳሌም) ዝገዝእ ዝነበረ። ንጉሥን-ካህንን ነበረ። ኣብ እስራኤል ሓደ ዓይነት ሥርዓት ክህነት ነበረ (Jobsite Priest)። ካብ ነገደ ሌዊ ኣሮን ደቁን ነበረ። ዓሌት ዳዊት ዝኾኑ ነገሥታት፣ ካብ ነገደ ይሁዳ ነበሩ፣ ንዝኾነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ግና፣ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ክህነት ኣሮን ነበሩ። ካብ ነገደ ይሁዳ ኣብ ክህነት ክኣቱ እንተደኣ ኮይኑ፣ ክህነት ነገደ ኣሮን ከብቅዕ ኣለዎ። እዚ ክርስቶስ ምስ ተሰቅለ ፍጻሜ ኮነ። እቲ ሕዝቢ ከኣ ሓዲስ ሊቀ-ካህንን ንጉሥን ረኸቡ፣ ኣምላኽ ከኣ ነዚ ንጉሥ እዚ ክህነቱ ንዘለዓለም ምዃኑ መሓለሉ።

“አንተ ከህኑ ለዓለም” - ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። ኣምላኽ ካህናት ምስ ሐሪዩ፣ ነዚ ሕርያነቱ ዚቃልም የልቦን፣ ኣምላኽ ነቲ ንጉሥ ጐይታና ዝኾነ ንኣኡ ከኣ ዘለዓለማዊ ሊቀ-ካህናት ክኸውን ይመርጾ። በዚ ከኣ እዩ፣ ናይቲ ንጉሥ ንፍዓት ኣገልገልቲ ይለብሱ ጽድቀ ዝበለ ንጉሦም ካህኖም ክንድዝኾነ። ከም ካህን፣ ንሕዝቡ ቀዲሱ፣ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ይገብሮም በዚ ከኣ “ክህነታዊ መንግሥትን ቅዱስ ሕዝብን” ዝብለ (ዘፀ. 195)፣ ሓዋርያ ጳውሎስ፣ ነዚ ትሕዝቶዚ ብምድጋም፣ ዕብየት ሕርየትን፣ ኣገልግሎትን ኪገልጸልና ምድላይ፣ ብቀዳምነት፣ ሊቀ-ክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘስተምህር።

ኣብ ዝኾነ ዘመን፣ ወለዶን፣ ናይ ክህነት ፫ ኣገደስቲ ረቋሒታት የቕርበልና።

ካህን ንኣምላኽ ዝምልከት ነገራት፣ ኣብ ክንዲ ሰባት ምእንቲ ክዋሳእ - ዝጽዋዕ ምኻኑ።

e.g. ሓደ ጸሓፊ A.J. Gossip ዝብል፣ ክክህን እንከሎ ዝስምዖ ዝነበሩ ንተመሃርቱ ከምዚ ይብል ነበረ።

እቶም ሕዝቢ ከምዚ ዝብሉኒ ይስመዓኒ ነበረ፣ “ንሕና ወትሩ ኣብ ናይ መዓልታዊ ደሮናን ዋዕን ተጸሚድና ንርከብ፣

ጊዜና ኣብ ምእካብን ምጥፋእን ንሕልፎ፣
ኣብ ሥራሕ ኣገልግሎት ክንህብ
ኣብ ፋብሪካታት እቲ መሣርሒታት ከምዝግባእን ክሰርሕ ክንደክም ንውዕል

ንሕና፣ ኣብ ማሕረስ፣ ኣብ ሸቀት፣ ኣብ ማሕበራዊ ነገራት፣ ትሑዛት ኰንና ንርከብ፣ ንስኻ ግና፣ ፍልይ ኢልካ፣ ኣብቲ ምሥጢራዊ ስፍራ ኣምላኽ ከድካ፣ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰንበት፣ ቃል ኣምላኽ ሒዝካልና ምጻእ ዝብሉኒ ኮይኖም ይስምዑኒ ይብል ነበረ።

ካህን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘራኽብ ድልድልዩ ማለት’ዩ።

ኣብ ኣይሁድ ካህን ሓንቲ ፍልይቲ ሥራሕ ነበረቶ፣ ምእንቲ ኃጢአት ሕዝቢ መሥዋዕቲ ምቅራብ።

ኃጢኣት፣ ኣብ መንጎ ሰብ ኣምላኽን ክነብር ዝነበሮ ቅሳነት ስለዝዘርግ፣

መሥዋዕቲ- ነቲ ዝተዘርገ ርክብ ኣብ ንቡር ዝመልስ’ዩ።

            ባህሊ       ነቲ ብወዝቢ ዝግበር ኃጢኣት’ዩ ዝምሕር።

ብሉይ      ነቲ ደይ መደይ ኢሉ ብኣልቦ ዝግበር እሞ ከኣ ሓዘንን ይቅረታን ንዘይረኣዮ ግና፣

       ኪዳን    መሥዋዕቲ ምሕረት ኣይመጽእን።

ንኸመዚ ዝኣመሰለ ኃጥእ ኣዒንቱ ከፊቱ ክምለስ ምስ ዝደሊ መንገዲ ዝኸፍተሉ ካህን’ዩ፣ መንጎኝነት ካህን፣ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ይገልጽ። በዚዩ ንመላእኽቲ ዘይተዋህበ - ንደቂ ሰባት ተዋህበ ዝበሀል። እዚ ዓቢይ መጋበሪ’ዚ ግና፣ ብብዙሓት ዝተናዕቀ ኮይኑ ይርኤ። ነዚ ሕይወት ዝመርጹ ከኣ፣ ድኹማትን ድሑራትን፣ ሀሱሳትን ይበሀሉ።

ዓለም ጥርዚ ዕብዳናን ድንቍርናኣን በዚ ትገልጽ። ካህን ግና ንዓለም ዝተዋህበ፣ ትሕቲ ኣምላኽን ልዕሊ መላእኽትን ዝርከብ፣ ፍሉይ መራኸቢ ነፍሳት ምስ እግዚአብሔር ኢዩ፣ መንፈሳዊ ሞባይል’ዩ።

ካህን ካብ ሰባት ሓደ ክኸውን ኣለዎ፣

ተመኵሮ ሰባት ዝሓለፈ፣ ሕማማት ሰባት ዝሓምም ሕይወቶም ዝነብር፣ ከም ክርስቶስ’ዩ፣ ፍሉይነቱ፣ ንሱ ዘፅርሳ መሥዋዕቲ ምእንቲ ኃጢኣቱን፣ ኃጢኣት ሕዝቡን’ዩ።

ክርስቶስ ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ ኣዳም ጥራሕ’ዩ ዘወፈየ።

 

ንባዕሉ ካህን ዝስየም የልቦን፣ ሥያሜ ካብ ኣምላኽ’ዩ፣

ክህነት - ሰብ ዝወስዶ ዓይነት ሥራሕ ኣይኮነን፣

              ነቲ ዝተጸወዓሉ ክብርን ጉንዖን’ዩ።

ንኣገልግሎታምላኽ ዝውፈ፣ ሥራ ኣይኮነን፣ ምያነት እንታይ ደኣ ጸዋዕታ’ዩ። ነዚ ሥራሕዚ መሪጸ ወይ ኣብዚ ሥራሕዚ ተቈጺረ ዝብል የልቦን። እንታይ ደኣ ኣምላኽ ጸዊዑኒ፣ ነዚ ዕዮዚ ክገብር ከኣ ሃበኒ፣ ዝብል ኢዩ።

እዞም ሎሚ ንሥዮም ዘሎና፣ በዚ መንገዲ ዝተጸውዑ፣ ነዚ ዕዮዚ ክገብሩ፣

ኩሉ ዝገደፍ፣ ኵሎ ኃደግና ወተሎናካ፣ ዝመነኑ
ቃል ኣምላኽ ክሰብኩ
ጸለይትን ኣጸለይትን ኪኾኑ፣ ሕይወቶምን ሕይወት ምእመናኖምን ኣብ ማእከል ቅዱስ ቍርባን ምእንቲ ክገብሩ፣

 

ንኣገልግሎት ክውፈዩ፣ አርዑተ መስቀል ተሰኪሞም፣ ንጉዕዞ ቀራንዮ ዝፍልሙ፣ ናይዚ ወለዶዞ መንጎኛታት’ዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.