2017-12-04 13:35:00

መበል 21 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ካብ ምያንማር ኣብ ባንግላደሽ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣጠናቒቖም ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 30 ሕዳር ካብ ሃገረ ምያንማር ተሰናቢቶም ካብ ናንጐን ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ወጋሕታ ነቒሎም ኣብ ባንግላደሽ ርእሰ ከተማ ዳካ ልክዕ ብናይታ ሃገር ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 15.00 በጺሖም ብኽልተ ናይ ሃገረ ባንግላደሽ ባህላዊ ልብሲ ብዝተኸድኑ ቁኑን ዕንበባ ብዘበርከቱን ልሙዕ ሓመድ ዝተመልአ ሳርማ፡ ከም ትእምርቲ መሬት ባንግላደሽ ንኽባርኽዎ ብዘቕረቡሎም ክልተ ሕጻናትን ብዓበይቲ ናይ መንግስቲ ላዕለዎ ኣካላትን 10 ብፁዓን ጳጳሳትን ዕስራን ሓሙሽተን ምእመናንን ናይ ሃገር ባህሊ ሸብሸቦ ብዘቕርቡ ኣርብዓ ሕጻናት ኣቀባብላ ተገይርሎም ናይ ቤተ መንግስት ክቡር ዘብዐይና ክቡር ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ንናይ ክልቲኣተን ሰንደቕ ዕላማ ክብሪ ሃገራዊ መዝሙራት ምስ ተሰምዔ ብቐጥታ ንኽብሪ ሃገርን ሕዝብን ባንግላደሽ ናብቲ ሓወልቲ ሰማዕታት ብሔራዊ ዝኽሪ ዝተነብሮ ስፍራ በጺሖም ቅኑን ዕንባባ ኣንቢሮም ንዝኽሪ ሰማዕታት ሰንደቕ ዕላማ ትሒቱ ምስ ተሰቕለ ናይ ሕሊና ጸሎት ኣብጺሖም ኣብቲ ናይ ክብሪ ሰነድ ክታሞም ኣንቢሮም ኣብቲ ናይ ሰላም ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ንትእምርቲ ሰላም ገረብ ተኺሎምን፤ ናብ ቤተ መዘክር ናንጋባንድሁ ብምኻድ ናይ ባንግላደሽ ሃገራዊ ኣቦ ተባሂሉ ዝንገረሎም ናይ ሼክ ሙጂቡር ራሃማን ትውልደ ሓረግ ብዝዀኑ ብሓሙሽተ ኣባይቲ ስድራ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብቲ  ቤተ መዘክር ቅኑን ዕናባ ኣንቢሮምን ናይ ሕልና ጸሎት ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ክቡር መዝገብ ክታሞም ከምዘንበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ልክዕ ብናይ ባንግላደሽ አቆጻጽራ ሰዓት 17.30 ድማ ንኽብሪ ረፓብሊካዊት ባንግላደሽን ርእሰ ብሔርን ናብ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ብናይ ርእሰ ብሔር ወተሃደራዊ ጉዳይ ኣማኻሪ ዋና ጸሓፊ ኣቀባብላ ተገይርሎም ምስ ርእሰ ብሔር አብዱል ሓሚድን ስድራ ቤት ርእሰ ብሔርን ተራኺቦም ግላዊ ዘተ ኣካይዶምን ምልውዋጥ ገጸ በረኸት ምስተፈጸመ ቅዱስነቶም ብርእሰ ብሔር ተሰንዮም ኣብቲ ቤተ መግንስቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ናይ ባንግላደሽ ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ባንግላደሽ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተራኺቦም ኣብ ባንግላደሽ ቀዳማይ ወግዓዊ መደረ እንከስምዑ

ክቡር ርእሰ ብሔር

ክቡራት ሰበ ስልጣናትን

ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ ብፁዓን ጳጳሳትን

ክቡራትን ክቡራንን ልኡካነ መንግስታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ባንግላደሽን

ካብ ምያንማር ከባቢ ራክሂነ ዝተሰዱ ኣብ ባንግላደሽ ዝተዓቑቡ ስደተይናታት እናሓሰቡ እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝነብርዎ ዘለዉ ጽንኩር ኩነት ንኹሉ ርኡይ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ማሕበረሰብ ዓለም ነዞም ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡ ስደተይናታት ኣሕዋትን ኣሓትን ደገፉ ከቕርብ እምሕጸን።

ርእሰ ብሔር ኣቡድል ሓሚድ ንቕዱስነቶም እንክቕበሉ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ባንግላደሽ ሃይማኖታዊ ምክብባርን ምቅብባልን ሰላምን ሰብኣውነት ዝዓሰላ ሃገር እያ ዝበለዎ ሓሳብ ብምስትዎዓል ድማ እዛ ምክብባር ዝዓሰላ ሃገር ነቶም ተመዛበልቲ መስዋዕትነት ዝሓትት እውን እንተዀነ ብለጋስነት ሰብኣዊ ድጋፍ ተቕርብ ኣላ። ኣብዚ መዳይ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓደራ ሕዝብን ሃገረ ባንግላደሽ ንበይኑ ከይሕደግ።

እቶም ስደተይናታት ዘለውዎ ኩነት ኣገዳሲ ዝበሃሉ መሰረታውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሓትት እዩ። እቲ ዝቐርብ ሓገዝ እዅል ብዘይምዃኑ ድማ ንብዙሕ ስቓይ ተቓሊዑ ይርከብ። እቲ ተከሲቱ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ፖለቲካው ፍታሕ ክርክበሉ ማሕበረሰብ ዓለም ብዙሕ ይጽዕር ኣሎ። ኰይኑ ግና ቅድሚ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምንዳይ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተመዓራረየ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ምቕራብ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ። ሃገረ ባንግላደሽ ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ስደተይናታት ኣብ ሰብኣዊ ድጋፍ ምቕራብ ኣዚያ ትረባረብ ምህላዋ ብሓቂ ዝምስገን እዩ ነቲ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክግበረሉ ሓደራ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ባንግላደሽ ቀዳማይ ምብጻሕ ዘካየዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ድሓር ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምንባሮም ዘኪሮም ንኣይ እውን ኣብዛ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ንኸካይድ ወግዓዊ ዕድመ ንዘቕርቡለይ ርእሰ ብሔር አመስግን። ባንግላደሽ ኅብረ ቋንቋን ኅብረ ባህልን ግምት ዝህብ እትስዕቦ ማሕበራውን ፖለቲካውን ከይዲ ዝነኣድ እዩ። ዝዀነ ይኹን ሃገርን ሰብን ተነጺሉ ዕጹው ሕይወት ህልው ክኸውን ዘይከኣል እዩ። ብተነጽሎ ምዕባለን ዘይዕተር እዩ። ናይቲ ሓደ ሰብኣዊ ቤተሰብ ኣካል ምብዃንና ድማ ንሓድ ሕድና ተደላየይትን ሓድ ሕድ ተደጋገፍትን ጽግዕይተይናታትን ኢና። … ባንግላደሽ ካብ ፓኪስታን ተፈልያ ናይ ገዛእ ርእሳ ሉኣላውነት ዘንብራ ነጻነት ምስ ዓተረት ቀዳማይ ርእሰ ብሔር ሸኽ ሙጂቡር ራህማን፥ ኵሉ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣሚቱ ኣስተዋጽኦ ዘበርክተላ እዋናዊት ህብረኣዊት ንዅሉ እትሓቁፍ ነጻነትን ሰላምን ሓድነትን ዝንበረላ ንድኽታት ነቶም ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ ብምዃኑ ኩሉ ንዅሉን ምትሕስሳብን ዝንበራላ ሃገር ምሕናጽ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም እውነተይና ቅኑዕን ብዙህነትን ዝኽበረላ ናይ ባህልን ሃይማኖትን ቋንቋን ፍልልያት እተሳንይን ናይ ኩሉ ሓሳብ እተእንግድ ሃገር ውህደት ኣለዋ። ዘተ መጻኢ የመልክት ሓድነት ይሓንጽ ነፍሲ ወከፍ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ንቑሕ ይገብር ከምዝበሉ ዲ ቦሶሎ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ሃይማኖት መጋበሪ ሰላም ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እንክገልጹ፥ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ሃይማኖት መጋበርያ ሁከትን ዓመጽን ኰይኑ ክግለጽን በዚ መንፍስ’ዚ ክትግበር ምርአይ ዘሕዝን እዩ። ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ሃይማኖት ንሰላምን ዕርቅን ምክብባር ዝዓሰሎ ንናይ ሓባር ናብራ መጋበርያ ምዃኑ መሰኻኸር ኰይኑ ክርከብ ከምዝግብኦም ዝጽውዕ ኣዋን እዩ ምስ በሉ ኣብ ባንግላደሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸመ ግብረ ሽብራ ምኽንያት ናብ ኩለን ሃይማኖታትን ርእሰ ብሔርን ባንግላደሽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ስም እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹም ፍጥረት ሰብ ንዝፍነው ግብረ ሽበራ መጋበሪያ ክኸውን የብሉን። ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም፤ ነቶም ውሁዳን ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ባንግላደሽ እናሓሰቡ ውሁዳን እውን እንተዀኑ ኣብ ሕንጸት ሃገር ዘለዎም ኣበርክቶ ልዑል እዩ ከምዝበሉ ዲ ቦሶሎ ኣፍሊጦም።

… ኣብ ባንግላደሽ ዘሎ ናይ ነጻነት ግንዛበ ኣድኒቖም፤ ናይዚ ነጻነት ተጠቃሚ ኩሉ ሕዝቢ ባንግላደሽ እዩ፤ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትረከቡሉ ከባቢ ናይ ምርኻብ ባህሊ እተስፍሕ ኣብዚ ባህሊ’ዚ እትሓንጽን ኩሉ ኣብዚ ተግባር’ዚ ግዴኡ ከበርክት እተነቓቕሕን እያ። … ብዘይ ኣፋላላይ እተቕርቦ ኣገልግሎትን ኩሉ እናሓሰቡ እውን ኣብ ባንግላደሽ ዘሎ ውሑድ ካቶሊክ ምእመን ኣብ ሃገሩ ዘሎ ነጻነት ተቛዳሲ ኰይኑ ኣብ ልምዓት ሃገር ኣብርክቶኡ ከበራትዕ ድማ ሓድራ ቢሎም ደጊም ምንዝተገብረሉም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠናቐቑ ዲ ቦሶሎ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶ ድሕሪ ናይ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ርክባቶም ፈጺሞ ንምሕዳሮም ናብ ሕንጻ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ከምዝኸዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ሠናይ ዘርኢ ካብቲ ሕማቅ ፈሊኹም ከኣሉ! ር.ሊ.ጳ ንውሉደ ክህነት ኣብ ባንግላደሽ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ትማሊ ኣብ ከተማ ዳካ ኣብ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ካተድራል ቺታጎንግ ዘቅድስት ሮዛርዮም ምስ 1500 ዝኾኑ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ኣብ ዝተራኸቡሉ ንጸዋዕታ ክህነት ዝምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ምስ ሃቡ ምእመናን ንካህናቶም ብጸሎት ከሰንይዎም ተማሕጺኖም፣ ንጸዋዕታ ክህነት ከም ዘርኢ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ዘርኢ እዚ ንክበቊልን ንክዓብን ብጥንቃቄ ክሕሎ ከምዘለዎ ምናዳ ኸኣ እቲ ጸላኤ ሠናያት ካብ ዝዘርኦ ክርዳድ ክጥንቀቁ ነቲ ሠናይ ዘርኢ ካብቲ ክፉእ ኣሌሊኻ ንምኽኣል ከኣ ብርቱዕ ጸሎት ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም፣ ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣብቲ ማሕበራቶም ማለት ናይ ኣቡናት ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዘርኣ ምንኩስናን ብሕሜታ ካብ ዝስዕብ ምክፍፋል ተጻይ ሕውነትን ሓድነትን ውህደትን ካብ ዝኾነ ነገራት ክጥንቀቁ ጸገም እንተሎ ገጽ ንገጽ ክዘራረቡ ሓደራ ኢሎም፣ ምስዚ ከኣ ክርስትያን ምናዳ ከኣ ናይ ቤተክርስትያን ሰብ ገጹ ወትሩ ሕጉስ ኮይኑ ፍሽኽታ ዘሰንዮ ይኹን፣ ዋላ ኣብ ትሕቲ ስቃይን ሽግርን እንተተረኸብኩም ንሰላምን ታሕጓስን ሃሰስ በልወን፣ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ነቲ ኣጋጣሚ ዝኸውን ንውሕ ዝበለ ስብከት ተሰናድዩ ከምዝነበረን ኮይኑ ግን ናይ ልበይ ክዛረብ እመርጽ ስለዝበሉ ነቲ ጽሑፍ ንካርዲናል ብምርካብ ካብ ትንቢት ኢሳያስ ካብ ጉንዲ ዳዊት ዝበቈለ ወይ ዝጨብጨበ ዝብል ብምጥቃስ ንሕና ኩልና ካብቲ እግዚብሔር ዝዓደለና ዘርኢ ዝጨብጨብና ወይ ዝበቈልና እምበር ናትና ንብሎ ሓንቲ የብልናን ስለዚ ነዛ ዘርኢ ንክትበቊል ንክትጭብጭብ ማይ ክ ነስትያ ክንግደሰላ ሓደራ ድሕሪ ቢሎም ናብቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ምሳሌ ሠናይ ዘርእን ክርዳድን ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ጸላኤ ሰናያት ጸልማት ጉልባብ ጌሩ ካብ ዝዘርኦ ሕማቅ ዘርኢ ክጥንቀቁ ነዚ ፈሊኻ ንምኽኣል ከኣ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ክጽመዱ ኣዘኻኺሮም።

ብካልኣይ ደረጃ ክጥንቀቀሉ ዘለዎም ቀንዲ ረቋሒ ሓድነት ስለዝኾነ ኣብቲ ዘለውዎ ማሕበራት ካብ ምክፍፋልን ምጉጅጃልን ክሃድሙ ምናዳ ከኣ ካብ ሕሜታን ትሒም ትሒም ብምባል ዝዝርጋሕ ከፋፋልን ዘቊስልን ዘረባ ክቊጠቡ ሓደራ ኢሎም፣ ንሓደ ሰብ ፊት ንፊት ገጢምካ ክትዛረቦ ኣሎካ እምበር ብድሕሬኡ ብዛዕባኡ ሕማቅ ክትዛረብ ሕማቅ እዩ፣ ሕሜታን ጸለመን ካልእ ዓይነት ራዕዲ እዩ ዳርጋ ሓደ ቦምብ ደርብኻ ምህዳም እዩ፣ ምስ ተፈንጀረ ክንደይ ከምዝጐድእ ፍሉጥ እዩ፣ ስለዚ ንካልኦት ክትሓምዩ ወይ ብዛዕባ ብጾትኩም ሕማቅ ክትዛረቡ ምስ ትፍተኑ ነታ መልሓስኩም ንኽስ ኣብልዋ፣ እንተኽኢልኩም ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ትኽ ብትኽ ኣብ ገጹ ንገርዎ፣ እዚ እዩ ስራሕ ኣሰብኡት፣  ኣብ መወዳእታ ሓደራ ዝብለኩም ብሓጐስ ንበሩ ክልቲኤን ቅዱሳት ተረዛታት ናይ ኣቪላስ ትኹን ናይ ኢየሱስ ሕጻን ‘ኣብቲ ዝጸንከረ ግዜ እውን ይኹን ንሓጐስ ሃሰስ በልዋ’ ይብላ ከመይ ኣብ ግዜ ስቃይ ሰላም ክትረክብ ኣድላዪ እዩ፣ እቶም ብሓቂ ሕጉሳት ጳጳሳትን ካህናትን ኣዕይንቶም ብሓጐስን ብሰላምን መሊኤን ይረኣያ፣ እዚ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ እዩ፣ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ን16 መንእሰያት መዓርገ ክህነት ከምዝሃቡ ካብዚኦም 10 ናይ ሰበኻ እንክኾኑ እቶም ዝተረፉ 6 ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣባላት ምዃኖም ተመልኪቱ፣ ኣብቲ ልዕሊ 100 ሺሕ ዝተሳተፍዎ ናይ ሥርዓተ ክህነት መሥዋዕተ ቅዳሴ ክርስቶስ እቲ እንኮ ሊቀ ካህን ከምዝኾነን ኣብ ኣሰሩ ኮይኖም መሳርሕቱ ዝኾንዎ ካህናት ከምዝሰርዔን ኣመልኪቶም፣ ንኩሎም ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ድሕሪ ምምስጋን ስለ ካህናት ክጽልዩ ሓደራ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ዳካ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበረ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ መቐብሊ ኣጋይሻ ዕለት 1 ታህሳስ 2017 ዓ.ም.ምስ ናይ ባንግላደሽ መራሔ መንግስቲ ሸክሕ ኣሲና ብናይ ባንግላደሽ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 15.20 ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ሰዓት 15.40 ናብ ራምና ኣቕኒዕም ልክዕ ሰዓት 16.00 ኣብ ናይ ዳካ ሰበኻ ቤተ ጳጳስ  ምስ በጽሑ ብናይ ዳካ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፓትሪክ ድሮዛሪዮ ኣቀባብላ ተገይርሎም ብብፅዕነቶም ተሰንዮም ናብታ ኣብ 1956 ዓ.ም. ዝተሓንጸት ካቴድራል ቅድስተ ማርያም በጺሖም ነቶም ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ንዝተረኽቡ 700 ምእመናንን ረዳእያን ቤተ ክርስቲያንን ተራኺቦም ቡራኬ ሂቦም ምስ ኣብቅዑ ናብ ቤተ ኣረጋውያን ካህናት ብምኻድ ኣብኡ ብጠቕላላ 10 ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ዝሓቁፍ ናይ ባንግላደሽ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ተራኺቦም ናይ ዳካ ሊቀ ጳጳስን ናይ ባንግላደሽ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓትሪክ ድሮዛሪዮ ብስም ኩሎም ብፁዓን ጳጳሳት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ኣስምዑ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ኩሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ሓቢሮም እቲ ሃይማኖታዊ ዕሴት መሰረት ዝገበረ ምትሕባርን ዘተን ብምንባር ሃይማኖት ጸረ ዓመጽ ምዃኑ ክምስክሩ ሓደራ ቢሎም፤ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ህይወት ኅብረተሰብን ምእመናንን ህልዋን ብምዃን ቅርበቶም ክምስክሩ ከምዘተሓሳሰቡን፤ ሕዝቢ ባንግላደሽ ስድራ ቤት ኣፍቃሪ እዩ። ባንግላድሻዊ ካቶሊክ ምእመን ነዚ ፍቕሪ ዝምስክር ብግብረ ሰናይ ኣቢሉ ይምስክሮ። ብፍላይ ንድኻታትን ንዝተናዕቁን ቤተ ክርስቲያን እትህቦ ኣገልግሎት ዝምስገን እዩ። እቲ ዝቐርብ ግብረ ሰናይ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተሰነየ ክኽውን ድማ ምዒዶም ምልስ ቢሎም ብፁዕ ካዲናል ድሮዛሪዮ ቅድም እንክብል ስለ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመስጊኖም ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባንግላደሽ ዝገልጽ ምዃን እውን ጠቒሶም፤ ጳጳሳት ንካህናትን ንምእመናንን ቀረባ ክዀኑን ካብቲ ተነጺልካ ዕጹው ሕይወት ካብ ምንባር ፈተና ክዕቀቡን ነቲ ኣብ ማእከል ምእመናን ዝዓዪ መንፈስ ቅዱስ ጽን ክብሉን ናይ ክርስትያንን ካህናትን ሕንጸት ዘተባብዑን ምእንቲ ናይ ኵሉ መንፈሳዊ ጽምኢ ብጥልቂ ክሓስቡን መንፈሳዊ ጽምኢ ኣብ ምርዋይ ክጓስዩ ሓድራ ከምዝበሉ ዝሐበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎ ሞናኰ ኣስዒቦም፥ ናብ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ቀረባ ብዝዀነ ሕይወት ናይታ ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን መሰኻኽር ንኽዀኑ ድማ ኣተሓሳሲቦም ነቲ ኣብ እዮበልዮ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዝተነብረ መንፈስ ነቢይ ምሕረት ብምንባር ናይ ምሕረትን ዕርቅን ባህሊ ከስፍሑ ድማ ምዒዶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ሓደራ ስለ ጸልዩ እንክብሉ ዝገለስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ብፁዓን ጳጳሳት ተሰናቢቶም ዳካ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጳጳስ ኣብ ባንግላደሽ ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይይማኖታት መራሕቲ ልክዕ ብናይ ባንግላደሽ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 17.00 ከምእተራኸቡን፡ እቲ ርክብ ብናይ ባንግላደሽ ባህላዊ ሸብሸቦን መዝሙራትን ምስ ተኸፍተ ናይ ዳካ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፓትሪክ ዶሮዛሪዮ ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዘረባ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥  እዚ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ጸሎትን ናይቲ ኣብ ባንግላደሽ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዓቢይ ትርጉም ዝህብ ኩነት እዩ፥ ከምዝበሉን ኣብቲ ናይ ሓባር ርክብ ብባህላዊ ሸብሸቦን መዝሙራትን ስዒቡ ሓሙሽተ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ካብ በርገሳያን ማሕበራትን ዝተዋጽኡ ኣካላት ብዘስምዕዎ ዘረባ ምስ ተበገሰ፥ ቅዱስነቶም እቲ ህልው ሃንቀውታ ስኒትን ሕውነትን ሰላምን ዝብል ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ትምህርቲ ናይዚ ርክብ ምኽንያት እዩ፡ እዚ ናይ ሓባር ርክብ’ዚ ኩለን ዝተፈላለያ ይማኖታት ነቲ ኣብ ባንግላደሽ ብሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ዝተሰነየ ጽቡቕ ድላይ ሓባራዊ ናብራ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ዝገብርዎ ጻዕሪ ትእምርቲ ይኹን ቢሎም፤ ነቲ ኣብ ባንግላድሽ ዝንበር ዘሎ ናይ ሃይማኖት ነጻነት፤ ክፍሊ ናይ መሰልን ክብርን መሰረተ ሕጊ እዩ። ናይ ሃይማኖትን ባህልን ፍልልያት ናይ ዓመጽን ጽልእን መጋበርያ ከይከውን ዘተሓሳስብ እዩ። ከም ስግኣት ዘይኰነ ፍልልያ ዘስተውዕል ሓድነት ንምሕናጽ ብሓድ ሕድ ምትእምማን ሓቢርና ንጓዓዝ … ጽቡቕ ድላይ ምስ ዘይምግዳስን ሸልል ምብህሃልን ወይ ከኣ ኣብ ሃማኖታዊ ተኣምኖ ተቖጢብካ ተፈላሊኻ ምስ ምንብር ክደናገር የብሉን። ፍልልያትና መሰረተ ሰናይ ውህደትና እዩ ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ማሶቲ ገሊጸን።

ሃይማኖት ስለ ናይ ብጻይ ሰናይነት ዘነቓቕሕ እዩ። ነቲ ብጽልእን ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ድኽነትን ብሓፈሻኡ በቲ ንሕይወት ዘዕንው ተግባር ምኽንያት ምድረ በዳ ዝኸውን ልቢ ሰብ ዘተርክስ ንሓው ብፍቕሪ ቀረባ ክንከውን ዝድርኽ እዩ። ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ምትሕብባር ንናይ ስኒት ባህሊ ትርግታ እዩ …  ናይ ምርኻብን ክንክን ስነ ምህዳርን ኣብ ባንግላደሽ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ጸኒዔን ከምዝዓያ ርእዩ ምዃኑ ድማ ጠቒሶም፡ ምእንቲ ናይ ኩሉ ሰናይ ኵለን ሃይማኖታት ክሓብራ ክንደይ ሰናይ እዩ። ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ምእንቲ ናይ ሓባር ናብራ ክዓዩ ሰናይ እዩ። ንኹሎም ምእመናን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብጥበብን ቅድስናን ኣብ ሰብኣውነት ዝብርኽ ሰብኣዊ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ምትሕብባር ክዓብዩ መታን ንደግፎም ቢሎም ልበይ እኸፍተልኩም ስለ ዝገበርኵምለይ ኣቀባብላ እመስግን፡ ኣብ ጸሎት ድማ ንዘኻኸር እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከዘጠቓለሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ዕለት 2 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ብቐጥታ ልክዕ ሰዓት 17.20 ዳካ ናብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ብናይ ሃገረ ባግላደሽ መራሔ መንግስቲ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ብዝቐረበሎም ናይ ሰናይ ጉዕዞ መገዲ ምንዮት መግለጺ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ተፋንዮም ልክዕ ሰዓት 17.05 ናብ ሮማ ነቒሎም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 23.40 ብሰላም ሮማ ፊዩሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ብሰላም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣተዉ ክፍለጥ እንከሎ ሰንበት ዕለት 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ንጐሆ፥ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማሪያም ዓባይ ብምኻድ ኣብታ ድሕነት ሮማውያን እተሰምየት ቅድስቲ ማርያም ቅዱስ ምስሊ ፊት ናይ ምስጋና ጸሎት ኣዕሪጐም።








All the contents on this site are copyrighted ©.