2017-12-05 16:53:00

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሶሪያ፥ ኣብ ደገፍ እቶም ኣብ ሃገሮም ዝተረፉ ውሑዳት ማሕበረ ክርስቲያን


ኣብ ሶሪያ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ናይ ሰበኻ ኣለፖ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ አንቶንይ ኣውዶ፥ እቶም ሃገሮምን ቤቶም ዛሕዚሖም ክስደዱ ዘይደለዩ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ንዝተረፉ ውሑዳት ማሕበረ ክርስቲያን ኩሉ ደገፉ ከቕርብ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቡሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዶ ኣብዚ ዝተኣተወ ዘመነ ምጻኣት ዘእግዚኣነ ኩሉ ነቶም ኣብ ሶሪያ ዝተረፉ ውሑዳት ማሕበረ ክርስቲያን ደገፉ ንኸቕርብ ዓለም ሓቆፍ ጳጳሳዊ በዓል መዚ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ እተሰምየ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዘካይዶ ዘሎ ጐስጓስ መሰረት ገይሮም ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣብ ኣለፖ ድሕሪ ነውሒ እዋን እነሆ ዕለታዊ ሕይወት ዜጋታት ናብ እወታዊ ተመሊሱን ኣገልግሎት ቀረብ ዝስተይ ጽሩይ ማይን ሓይሊ መብራህትን እውን ከምእተጀመረን ድማ ሓቢሮም እቲ ከባቢ ብዙሕ ማህሰይትን ውድመትን ሞትን ዘጓነፎ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና አገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ማሕበረ ክርስቲያን ምስቲ ናይ 2011 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ካብ 150 ሺሕ ናብ 40 ሺሕ ከምዝነከየን ብዙሓት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ረድኤትን ሕክምናን ከምዝዓነወን ካብዚ ዝገደደ እውን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ብ80 ሚእታዊ ከምዝነከዩን ብፁዕ ኣቡነ ኣውዶ ገሊጾም ዝበለ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ጳጳሳዊ በዓል መዚ ማሕበር ነዚ ኹሉ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት የሳልጥ ከምዘሎን ብፍላይ እቲ ኣብ ዘመነ ምጽኣት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዘሳልጦ ዘሎ ጐስጓስ ብሓቂ ናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ከባቢኡን ሃገርን ንኽተርፍ ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.