2017-12-05 16:46:00

ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምያንማር ሮሂንግያ ከይንጸሉ ዘተባብዕ መደብ ኣነቓቒሖም


ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 26 ሕዳር ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዓሌት ሮሂንግያ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምያንማር ከይንጸሉ ዘተባብዕ መደብ ከምዘበራበሩ እቶም ካብ ምያንማር ዝተሰዱ ዓሌት ሮሂንግያ ምያንማራያን ኣብ ዝእለይሉ መዕቆቡ ስደተይናታት ዘገልግሉ ዘለዉ ልኡኽ ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ ኣልበርቶ ኵኣትሩቺ ገሊጾም፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምያንማር ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ወግዓዊ ቃልን ኣብ ፓንግሎንግ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ክካየድ ዝተጸውዔ ኵለን ሃይማኖታት ዘሳትፍ  ናይ ሰላም ጉባኤ ካብ ምያንማር ግዝኣት ራህኪነ ዝመጹ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እውን ዝሳተፉ ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና መበል 21 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ምያንማርን ባንግላደሽን ዛዚሞም ካብ ርእሰ ከተማ ዳካ ናብ ሮማ ንኽምለሱ ነቶም ኣብ ነፋሪት ዘሰንይዎም ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ እቶም ካብ ምያንማር ተሰጒይጐም ኣብ ባንግላደሽ ዝተዓቊቡ ዓሌት ሮሂንግያውያን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ሮሂንግያ ዝብል ቃል ከምዘይተጠቀሙን እዚ ድማ ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን ብምምዝዛን እዩ። ኩሉ ምእንቲ ረብሓ ሮሂንግያውያን እዩ። ኣብ ልዕሊ እቶ ሮሂንግያውያን ክፍጸም ዝኽእል ኵሉ ግምት ብምሃብን፡ ናይ ዘተ መደብ ንኸይሰናኸልን ብምሕሳብ እዩ፡ እቲ ከበሃል ዘለዎ ብኻልእ መገዲ ተመሓላሊፉ እዩ። እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝጠቐሱ ኣብቲ ባግላደሽን ምያንማርን ዘዳብው መሬት ባንግላደሽ ንዝተዓቑቡ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባልን ልኡኽን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ ኩኣትሩቺ ኣስዒቦም፥ ኣብ ምያንማር ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዱዩ ደሓር እውን ኣብ ባንግላደሽ ኣብ ዘካድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ብትኽክል ድሕሪ ቀትሪ ሓሙስ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ዳካ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ብግልጺ ብዛዕባ ሮሂንጊያውያን ተዛሪቦም እዮም ኢሎም።

ኣብ ያንጎን ድዩ ኣብ ናይ ፕዪ ታው ቅዱስ ኣቦና ብግልጺ ብዛዕባ እቲ ናይ ዴሞክራሲ መሰረት ዝዀነ ሰላምን ዘተን ዝብሉ ዕሴታት ኣማእኪሎም ከምእተዛረቡን እዚ እቲ ሓደ ምስ ናይ ምያንማር ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓሊ ምክልኻል ምርኻቦም ይምስክሮ፡ ዋላ’ኳ ዝተሓላለኸን ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት እውን እንተዀነ ብዛዕባ ኣድላይነት ከይዲ ዴሞክራሲ ከምዝዛተዩ ርጉጽ እዩ። እዚ ድማ ብሓቂ እወታዊ ምልክታ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዳካ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኰዋትሩቺ ኣብ ዳካ ብኣካል ከምእተረኽቡን ሕጂ ኣብ ኮክስ ባዛር መዕቆቢ ስደተይናታት ሮሂንጊያውያን ካብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ንዝተላእከ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ የቕርቡ ምህላዎም ገሊጾም፥ 

ብዛዕባ እቶም ካብ ምያንማር ግዛኣት ራክሂነ ዝተሰዱ ዜጋታት ኣመልኪተን ናይ ምያንማር መንግስቲ ኣማኻሪትን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣውግ ሳን ሱን ክዪ ብግልጺ እውን ኣይዅን ተዛሪበን እየን። ከምኡ እውን ቅዱስ ኣቦና ሮሂንግያ ዝብል ቃል ኣይጠቐሙ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብዛዕባ እዞም ስደተይናታት ጉዳይ ተዛሪቦምን ኩሉ ቆላሕታ ክገብረሎም እውን ሓደራ ኢሎምን ብዛዕባ ኣብ ምያንማር ዘሎ ዴሞክራሲያዊ ከይዲ ዘትዮምን ነቲ ኣብ ፓግሎን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ሰላም ዓውደ ጉባኤ ኣናማዕደዉ ናይ ሮሂንግያ ልኡካን ዘሳትፍ ከምዝኸውን እውን እናሓሰቡ እቲ ደሞክራሲያዊ ከይዲ ክቕጽል ኣተባቢዖም እዮም ዝበሉ ኵዋትሩቺ ኣስዒቦም፥ እቶም ኣብ ዳካ ዓርቢ ዕለት 1 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም.  ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ርክብ ካብ መዕቆቢ ስደተይናታት ዝመጹ ዝውክሉ ሰለስተ ስድራ ኣባቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተራኸቡ ገሊጾም፡ እዚ ቅዱስ ኣቦና ዘርአይዎ ምልክታን ዝለገስዎ ናይ መጸናንዒ ቃልን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ስደተይናታት ዓለም ዘርእዮ ዘሎ ሸለልተይናነት ጠቒሶም ብስም ኵሉ ይቕሬታን ምሕረትኩም እሓትት ከምዝበሉን፡ እዚ ኣመት ቅዱስ ኣቦና ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቅድሚ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ሮሂንግያውያን በራቱ ከይዓጽውን ስሌኦም ክተግህ ዝድርኽ ኣዩ፡ ድሮ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ምንቕቓሕ ኣተኣታትዩ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.