2017-12-07 13:49:00

ሰንበት ዘመጻጉዕ 28ኅዳር 2007 ዓ. ም. 12/7/2014)


ንባባት፡ ኤፈ 5፡8-14፥ 1ዮሓ፡ 5፡11-ፍ፥ ግ.ሓ. 4:14-22፥ ዮሓ. 9፡13-25።  ስብከት፡ ደቂቀ እጓለ እመሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሓሱ ሐሰተ፥ አእምሩ ከመ ተሰብሓ እግዚአብሔር በጽድቁ። “አቱም ደቂ ሰብ ንኽብረይ ክሳብ መአስ ኢኹም እትሕስርዎ ክሳብ ምአስ ኢኹም ንኸንቱነት እትፈትዉን ንሓሶት እትስዕቡን”መዝ.4፡2።

ናይ ዕለቱ መዝሙር፡ ይብል፡”እስራኤላውያን ብዕዉሩ ዝተወልደ እሞ ብመዓልቲ ሰንበት ዝረአየ ርኢናን ሰሚዕናን አይንፈልጥን። ካብ እግዚአብሔር እንተ ዘይከውን ነዚ አይምገበረን፥ ብዛዕባ ዘሕወየካ እንታይ ትብል፥ ዘሕወየኒ ካብዚ ዝኸፍእ ከይረኽበካ ንኻልእ ከይትነግር በለኒ” ይብል።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘመጻጕዕ ተባሂሉ ይፍለጥ። መጻጉዕ አብ ጊዜ ኢየሱስ ሓደ ካብቶም ንደቂ ሰብ ዘሳቕዩ ሕማቕ ሕማም ኮይኑ ዝኸፍአ ኸአ ነዚ ሕማም ዝሓመመ ስቓዩ ከይ አኽሎ ካብ ሰብ ተፈልዩ አብ ሰብ ዘይነብሮ አብ በረኻ አብ ብዓቲ ካብ ሰብ ርሒቑ ከምዝነብር ዝገብር ሕማም ሥጋዊ ስቓይ ጥራሕ ዘይኮነ ስነ ኣእምራውን ሞራላውን ስቓይ እውን አለዎ እዩ። ነዚ ሕማም ዝሓመመ ሰብ ብማዕዶ ክርኢ እንከሎ ዓው ኢሉ “መጻጕዕ እየ” እናበለ ክሃድም አለዎ ቆልዑት ኣእማን ይድርብዩሉ፥ ብሓቂ ዘስቅቕ ሕማም እዩ ነሩ።

እዚ ሥጋዊ ሕማም አምሳል ናይ እቲ መንፈሳዊ ሕማም አብዚ እዋን ክነጽሓሉ ዝግብአና እዩ። መንፈሳዊ መጻጉዕ ካብ ሰብን አምላኽን ፈልዩ ጓኖት ይገብረና፥ ስለዚ አብዚ እዋን ካብ ሓሚምናዮ ዘሎና መጻጉዕ ወጺእና ንኢየሱስ አሕውየኒ ክንብሎ ይግብአና።

አብ ወንጌል ዮሓንስ ኢየሱስ ብመገዲ ክሓልፍ እንከሎ ንዝርአዮ ንሓደ ዕዉር ከምዘሕወየ የዘንትወልና። ናይ እቲ ታሪኽ ጎብለል እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ፥ ክርኢ ዘይክእል ዝነበረ እዩ። ካብ ዑረቱ ምስ ሓወየ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ክርእይዎ ዘይክኣሉ ንሱ ንኢየሱስ ከም ጎይትኡ ክርእዮ ጀሚሩ።

ሓዋርያት መምህር “እዚ ሰብ እዚ ዕዉር ኮይኑ ኺውለድሲ መን እዩ ዝበደለ ንሱ ድዩ ወይስ ወለዱ” እናበሉ ሓቲቶሞ። አብ ጊዜ ኢየሱስ ብዙሓት ዝርድእዎ ዝነበሩ ብሰንኪ ኃጢአት ሰብ ዝኾነ ሕማም ወይ መቕጻዕቲ ካብ ወለዲ ናብ ውሉድ ወይ እውን ብሰንኪ ሓደ ሰብ ካልእ ሰብ ስቓይ ከም ዝወርዶ እዩ። ወለዲ ዝበደልዎ ውሉድ ይፈድዮ። አብ ባህልና ነዚ ዝመሳሰል አሎ ወለድና ወይ አሕዋትና ዝገበርዎ ንሕና ንፈዲ ወይ ንቕጽዓሉ። ንአብነት ጋር ምኽፋል። አብ ሓደ እዋን ኢየሱስ አብ ገዛ እንከሎ ብላዕሊ ናሕሲ ዘውረድዎ ሰብ ከሕውዮ እንከሎ ዝበሎ “ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ” እዩ ኢልዎ እዚ ኸአ ብሰንኪ ኃጢአት ሕማም ከምዝወርድ ንርኢ። አብዚ ግን ኢየሱስ “ናይ እዚ ሰብ ብዕዉሩ ምውላድ ብኃጢአቱ ወይ ብኃጢአት ወለዱ” ከምዘይኮነ ነጊርዎም። ብዕዉሩ ዝተወልደ “ግብሪ አምላኽ አብኡ ምእንቲ ኺግሃድ ደአ እዩ እምበር ንሱ ኾነ ወለዱ አይበደሉን” ኢልዎም። እዚ ተአምራት ካብቶም ሸውዓተ ተአምራታት ኢየሱስ ዝገበሮም አብ ወንጌል ዮሓንስ እንረኽቦም ሓደ እዩ።

አብ ብሉይ ኪዳን ሰዶም ጎመራን ብሰንኪ ኃጢአቶም ከም ዝጠፍኡ ከምኡ አብ ገለ ታሪኽ ወለዲ ወይ እውን ውሉድ ብዝገበርዎ ወለዲ ከም ዝቕጽዑ ነንብብ። አብዚ ናይ እዚ ዕዉር ግን ከምኡ አይኮነን። ግን ክንሓስበሉ ዘሎና ናይ ሓደ ሰብ ኃጢአት አብ ዓለምና ቅጽዓት ከምጽአልና ከም ዝኽእል ክንፈልጥ አሎና። ከምቲ ጽቡቕ ናይ ሰባት ጥቕሚ ዘልኦ ኃጢአት ናይ ገለ ሰባት ከአ ጉድአት አልኦ ስለዚ ብሰንኪ ኃጢአትና ሰባት ከይሳቐዩ ንሓቂ ንፍቕሪ ንፍትሒ ንሰላም ከይንዘርግ ክንጥንቀቕ ይግብአና።

ብርሃን ዘምጽኦ ሕይወት፡

አብዚ ብዝያዳ ዝጸቕጠሉ እቲ ሰብ ብዕዉሩ ከም ዝተወልደ እዩ። ከምዝርኢ ምግባሩ አብ ሓዲስ ሕይወት ክርኢ ዝኽእለሉ ሕይወት ምእታው እዩ። አብ ሓዲስ ዓለም ናይ ብርሃን ምእታው እዩ። ንኢየሱስ ዘይምፍላጥ አብ ዑረትን አብ ጸልማትን እዩ ዝነብር። እዚ ፍጻሜ ነቲ ኢየሱስ “አነ ብርሃን ዓለም እየ” ዝበሎ መግለጺ እዩ።

ዮሓስን ወንጌላዊ ዕሙቕ ዝበለ ርድኢት ምእንቲ ክህልወና ኢሉ አብቲ ታሪኽ ምጅማር እቲ ሰብአይ ዕዉር ክርኢ ይኽእል፥ ለማናይ፥ድኻ ሓንቲ ዘይብሉ፥ ጓና፥ ወላ ሓደ ዝቕበሎ ዘይብሉ ከም ዝነበረ፥ አብ መጨረሻ ክርኢ ምስ ከአለ ረድኢ ክርስቶስ ከምዝኾነ ይነግረና። ከም አበሃህላ ወንጌል ሰብ ንኢየሱስ አሚኑ እንተ ኽኢሉ ውጽኢቱ ርኢኻ ምርአይ እዩ። ሓንሳብ ንኢየሱስ ክንርእዮ ምስ ከአልና ካብኡ ክንፍለ ዘይክአል እዩ። አብ መጀመርያ ዕዉርን አብ ጸልማት ዝነብር እዩ ነሩ፥ አብ መጨረሻ ግን አብ ብርሃን እዩ ነሩ ምኽንያቱ ኢየሱስ ብርሃን ዓለም እዩ።

ሎሚ ዘድልየና ዘሎ ንኢየሱስ ርእየን ዝኽእላ አዒንቲ ክህልዋን እዩ። እቲ ዕዉር ክርኢ ምስ ጀመረ መጀመርያ ንኢየሱስ እዩ አለልዩ። ሰባት ብድንቁርና እንተ ተመርሑ ንዝርአ ክርእዩ ከምዘይ ክእሉ ሕያው መስካሪ ኮይኑ። ርእዩ ሰለ ዝኸአለ መምህር ኮይኑ። ነቲ ዝርእዮ ክነግር ጀሚሩ።

ጥፍጣፍን ጭቃን፡

ኢየሱስ ነቲ ዕዉር ከምዝርኢ ገርዎ። ነዚ ክገብር እንከሎ ጥፍጣፍን ጭቃን ተጠቒሙ፥ በቲ እዋን ሰባት ጥፍጣፍ ከሕዊ ከምዝኽእል ይአምኑ ነሮም ሓቂ ኸአ እዩ። አብዚ እዋን ጥፍጣፍና ጸረ ባዮቲክ ከምዘለዎ ይፍለጥ፥ በዚ ምኽንያት እዮም አኽላባትን ካልኦት እንስሳን አቝሳሎም ዝልሕሱ። አምላኽ ነቲ ቀዳማይ ሰብ ክፈጥር እንከሎ ጭቃ ተጠቒሙ፥ አብዚ ኸአ እዚ ሰብ ሓዲስ ፍጥረት ኮይኑ፥ ኢየሱስ ሓዲስ ፍጥረት ክገብሮ ምስ ደለየ ጭቃ ተጠቒሙ። ቅ. ጳውሎስ ነቶም ዝተጠምቁ ሓደስቲ ፍጥረት ይብሎም። ካልእ ኢየሱስ ዝበሎ ነቲ ዝሓወየ ዕዉር አብ ሩባ ሰሎሆም ከይዱ ክሕጸብ ነጊርዎ እዚ ኸአ ናይ ጥምቀቱ ምልክት እዩ። አብ ጥምቀት ካብ ኃጢአትና ንነጽሕ ጽሩያት ሓደስቲ ፍጥረት ንኸውን።

                                                                                                                                                                                                                                                                      እዚ እቲ እንፈልጦ ድዩ ወይስ ካልእ ሰብ፡

ዓይነ ስዉር ዝነበረ ክርኢ ምስ ጀመረ አዕርዅቱን ጎረባብቱን ንሱድዩ ካልእ እናበሉ ክሓቱን ክግረሙን ጀሚሮም ጨሪሾም ከለልይዎ አይክአሉን። “ብሓቂ ንሱ ድዩ”? እቲ እንፈልጦ ለማናይ ዕዉር እዩ ነሩ እዚ ግን ይርኢ አሎ ተበሃሃሉ። ጸጋ አምላኽ ዝተቐበለ ብኃጢአቱ ዝተነስሐ፥ አብ አምላኽ ዝተመልሰ ሓዲስ ሰብ እዩ ዝኸውን። ንኹሎም ምስጢራት ብግቡእ እንተ ተቐበልናዮም ከምዚ ዕዉር ዝነበረ ጨሪሽና ኢና እንልውጥ። ምናልባት ገለ ሰባት “ከምቲ ዝነበርካዮ/ክዮ የሎኻን፥ ድሕሪ ጥምቀትካን ድሕሪ ንስሓኻን ጨሪሽካ ካልእ ሰብ ኮንካ ክብሉና ይኽእሉ። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ኸአ ከምኡ እዮም ክብሉ ዘለዎም።

አብ አምላኽ ዝአመነ ክቕየር ከንጸባርቕ ግድን እዩ፥ ሎሚ ንሕና እውን ሰባት አባና ዝርአ ጸጋ አምላኽ ከምዝርእዩ ክንገብር አሎና። ክንሕደስ አሎና። ጠባይና ግብርና ኩሉ ክሕደስ እንተ ተኻእለ ሽዑ ሰባት አባና ለውጢ ክርእዩ እዮም።

ሕጊ/ስርዓት ዘይምሕላው፡

እቶም ጎረባብትን ነቲ ዕዉር ዝፈልጥዎ በቲ ዝርአይዎ ክዓግቡ ስለ ዘይከአሉ አብ ፈሪሳውያን አምጺኦሞ። ንሳቶም ንሓቂ ዝፈልጡን ናይ ሕጊን ስርዓትን ሓለፍቲ ስለ ዝኾኑ ነዚ ጸጋ አምላኽ ዝተዓደለ ሰብ አብኦም አቕሪቦሞ። አብ ገለ እዋን ሰባት ዘምጻእናዮ መንፈሳዊ ለውጢ ክአምኑ ስለ ዘይክእሉ ከዋርዱና ከናሽዉና ይኽእሉ እዮም እንተ ኾነ ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ጸጋ ጥራሕ ክንርኢ አሎና።

ኢየሱስ ነቲ ዕዉር ብሰንበት ስለ ዘሕወዮን ከምኡ እቲ ዝተጠቕመሉ ኩሉ ሕጊ ዘፍረሰ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦም እዚ ኢየሱስ ዝብሃል ብሓቂ ካብ አምላኽ እንተ ዝኸውን ሕጊ አይመፍረሰን ስለዚ ካብ አምላኽ አይኮነን ኢሎም። ግን ኃጢአተኛ እንተ ዝኸውን ከአ ነዚ ተኣምራት ክገብር አይምኽአለን። ኃጢአተኛታት ግብሪ አምላኽ ክገብሩ አይክእሉን እዮም። እዚ አብ መንጎ እቶም ፈሪሳውያን ፍልልይ ፈጢሩ ምኽንያቱ ነቲ ዝፈልጥዎን ዝአምንዎን ተኸቲሎም ክፈርዱ አይከኣሉን። በዚ ምኽንያት ነቲ ዕዉር ክሓትዎ ግድን ኮይንዎም። ንሱ ኸአ ነቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ኩሉ ከምብሓዲስ ክነግሮም ጀሚሩ። ንእኡ እቲ መልሲ ቀሊል እዩ ኢየሱስ “ነቢ እዩ”። ሰንበት ወይ ዘይሰንበት አይ ኮነን እቲ ነገር ኢየሱስ ዝገበሮ ኩሉ ካብ አምላኽ ዝኾነ እዩ ዝገብሮ፥ “ኃጢአተኛ ዝኾነ ሰብ ነዚ ከመይ ኢሉ ክገብሮ ይኽእል”። እቶም ፈሪሳውያን ግን ነቲ እቲ ዕዉር ዝበሎም ሓቂ ክቕበልዎ አይከአሉን። ንሓሳቡ እንተ ተቐበሉ ንኢየሱስን ንትምህርቱን ክቕበልዎ እዮም። እቲ ሰብ ዕዉር ከምዝነበረ እውን ክኣምኑ አይደልዩን።

ሰብ ልቡ ምስ ዓጸወ ነቲ አብ ቅድሚኡ ዝርእዮ ዘሎ ጸጋ አምላኽ ክኽህድ አየጸግሞን እዩ። አብ ሕይወትና ዝገጥመና ነገር እዩ ሰባት ክኽሕዱ ክጠልሙ ክንደይ ዘይርአና ስለዚ ሓቂ ርኢና ክንክእል አብ ኢየሱስ ክንአምን ክንቀርብ አሎና። አብ ቅድመይ ዘሎ ሓቂ ርእየ ክኽእል ሓግዘኒ ዝብል ጸሎ ኩሉ ጊዜ ክንደግሞ ይግብአና። 

ካብ ጸገም ምርሓቕ፡

ፈሪሳውያን ነቲ ጉዳይ ክአምንዎ ክቕበልዎ ስለ ዘይደለዩ ንወለዲ እቲ ዕዉር ዝነበረ እሞ ዝሓወየ እዚ ወድኹም ድዩ እናበሉ ሓቲቶሞም። ወለዲ ወዶም ዕዉር ከምዝተወልደ ሕጂ ግን ከመይ ኢሉ ከምዝርኢ ዘሎ ንአኡ ሕተትዎ እናበሉ መሊሶም እዚ ዝበሉ ኸአ ኢየሱስ እቲ መስሕ እዩ ኢሉ ንዝአመነ ካብ ቤተ መቕደስ ይሰጉዎ ስለ ዝነብሩ ፈሪሖም በጽሒ እዩ ንአኡ ሕተትዎ ኢሎሞም። እዚ ከምዚ ዝአመሰለ ጸገም አብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ተፈጺሙ እዩ። ብዙሓት ክርስትያን ብምዃኖም ጥራሕ ዝተፈላለየ ጸገም ይወርዶም ነሩ ሕጂ እውን ይወርድ አሎ። ስድራ እቲ ወዲ ካብ ዝስጎጉ ነቲ ነገር እናፈልጡ ከምዘይ ፈለጡ ክኾኑ መሪጾም። ነቲ ነገር አብ ወዶም ከም ዝምለስ ገረሞ፥ ንሱ ባዕሉ ክምልስ ይኽእል እዩ እኹሉ ሰብ እዩ ኢሎሞም።

አብ ሕይወትና ፍርሒ ክመልኽ እንከሎ ቀዳማይ ፍሪኡ ክሕደት ወይ ከአ መንጎ መንጎ ዝኾነ መልሲ ምሃብ እዩ። ነገር አምላኽ ሓቂ ምንጋር እዩ። ነቲ እንርእዮ ነቲ እንሰምዖ ነጊርና ክንክእል አምላኽ ሕልና ሂቡና ንሓቂ ከይንደፍን አብ ፍርሒ ወይ አብ ጥቕሚ ተመስሪትና ንአምላኽ ቦትኡ ከይንኸልኦ ምጥንቃቕ ይሓተና። 

መን እዩ እቲ ዕዉር አብዚ፡

እቶም ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ “እዚ ሰብ እዚ ኃጥአተኛ እዩ ነዚ ነገር ክገብር አይክእልን እዩ” ኢሎሞ። ንሱ ግን አብቲ ዝአምኖ ነገር ጸኒዑ “አነ እዚ ሰብ ኃጥአተኛ ይኹን ጻድቕ አይፈልጥን እየ አነ ዝፈልጣ ዕዉር ነረ ከም ዝርኢ ከምዝገበረኒ እየ ዝፈልጥ” ኢልዎም። ከም ብሓዲስ እንታይ ገሩልካ ኢሎሞ፥ ሽዑ ብምግራም ነጊሮኩም ክትአምኑኒ አይ ከአልኩምን አርድእቱዶ ክትኮኑ ትደልዩ አሎኹም ኢዅም ኢልዎም።

ካብዚ ንድሓር ከሳጕግዎ ጀሚሮም “ንስኻ ኢኻ ረድኡ ንሕና አርድእቲ ሙሴ ኢና ኢሎሞ” እዚ ሰብ ካበይ ከምዝመጸ አይንፈልጥን ኢና። እዚ ግን ንሓቂ ክቐብሩ ከይአምኑ ምስደለዩ ዝበልዎ እዩ። ኢየሱስ ካብ አምላኽ እንተ ዘይከውን ነዚ ክገብር አይምኽአለን። ነቲ ዕዉር ንስኻ ብኃጢአት ተወሊድካ ንአና ክትምህር ኪድ እናበሉ ካብ ቤተ መቕደስ ሰጒጎሞ። እዚ ናይ ብዙሓት አይሁድ ዝነበሩ እሞ አብ ክርስትና ዝአመኑ ዘሕለፍዎ ተመክሮ እዩ። አብ ዳሕረዎት ዘመናት ብዙሓት ካልኦት ክርስትያን ካብ ቤተ ሰቦም ካብ ዝፈትውዎም ብሰንኪ እምነቶም ዝወርዶም ዝነበረ ተነጽሎ እዩ ዝገልጽ።

ኢየሱስ እቲ ሰብአይ በይሁድ ከም ዝተሰጔ ሰሚዑ ደልዩ አብ ከባቢ ቤተ መቕደስ ይረኽቦ እሞ “ብወዲ ሰብዶ ትአምን ኢኻ” እናበለ ሓተቶ። “ጎይታይ ብአኡ ክአምንሲ መን እዩ ንሱ ኢሉ ሓተቶ”። እቲ ሰብአይ ኢየሱስ ድሕሪ እቲ ሓዲስ ፍጥረት ምዃኑ አየለልዮን ነሩ፥ ኢየሱስ “እዚ ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ በሎ”። ንሱ ኸአ ጎይታይ “እአምን እናበለ ሰገደሉ”። ካብኡ ንድሓር ተኸታል ኢየሱስ ኮይኑ። ረድኢ ክርስቶስ ዝብሃል ንኢየሱስ ከም ጎይትኡ ዝፈልጥን ክርእዮ ዝኽእልን እዩ። “አነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኽርእዩ እቶም ዝርእዩ ኸአ ምእንቲ ኽዖሩ ኢለ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚአ መጺአ ዘሎኹ” እናበለ ገሊጹ ተዛረቦ። ካብቶም አብኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን “ንሕና ዕዉራት ምዃና ዲና” እናበሉ ሓቲቶሞ፥ ኢየሱስ ከአ “ዕዉራት እንተ ትኾኑስ (ከምዚ ሰብ) ኃጢአት አይምኾነኩምን ነሩ ሕጂ ግና ንርኢ ኢና ትብሉ አሎኹም ስለዚ ኃጢአትኩም አባኹም ይነብር አሎ” ኢልዎም።

አብዚ ሰባት አብ ክልተ ከም ዝምቀሉ ንርኢ። ፩ያ ከምቲ ዕዉር ንትምህርቲ ኢየሱስ ዝቕበሉ መጓሰ አባግዑ ዝኾኑ፥ እቶም ፪ይ ከአ ከም ፈሪሳውያን ምእማን ዝአብዩ ክፍሊ ምስ ኢየሱስ ዘይብሎም። አብ ወንጌል ዮሓንስ ነዚ ታሪኽ ምስ ነገረ ብዛዕባ “ሕያዋይ ጓሳ” ዝብል ምዕራፍ ይጅምር። እቶም ኃጢአት ዝገብሩ፥ ምስማዕ ዝአብዩ፥ እቶም ዕቡያት፥ ንሶም እዮም እቶም ናይ ብሓቂ ዕዉራት ዝብሃሉ። እቶም ፈሪሳውያን ዝርእዩ ዝመስሎም ዝነበሩ ንሶም እዮም እቶም ናይ ብሓቂ ኃጥአተኛታት፥ እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ንኢየሱስ ክአምን ዝኸአለ ግን ናይ ብሓቂ ክርኢ ጀሚሩ።

አብዚ ምስ ጥምቀት ክርስትና ዝተሓሓዝ ነገራት ንርእየሉ፥ ከምቲ እቲ ዕዉር ዝተጓዕዞ ጉዕዞ እምነት አብ ጥምቀት ንኢየሱስ ክንርኢ፥ ክነለሊን ክንክተሎን ንጅምር። ንዝተጠመቕና እውን መልእኽቲ አልኦ ማለት ንኢየሱስ ርኢና ክንክእል ንወንጌል ከአ ብጽሩይ ሰሚዕና ክንክእል አሎና። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “ቀደም አብ ጸልማት ኔርኩም ኢኹም ሕጂ ግና ብጎይታ አብ ብርሃን ኢኹም ዘሎኹም፥ እምብአር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ፥ ከመይ ፍረ ብርሃን ሠናይን ጽድቅን ሓቅን ዘበለ ነገር ኵሉ እዩ” (ኤፈ 5፡89)። አብዚ ጳውሎስ ዝብለና ዘሎ አብ ገለ እዋን ንሕና እውን ከምዚ ዕዉር አብ ጸልማትን ዝዕንቅፍ ነገራትን ንነብር ዝነበርና ክንህሉ ይክአል እዩ፥ እንተ ኾነ ሕጂ አብ ብርሃን ወንጌል ሓዲስ ኪዳን ኢና እንነብር ዘሎና። እዚ አባና ዘሎ ብርሃን አብቲ እንነብሮ ሕይወትን አብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብን ክርአ ይክአል። ሕይወትና አብኡ ጸልማት ዘይርከቦ ብሩህ ሕቡእ ጠባያት ካልኦት እንተ ረአይዎ ዘሕፍር ዘይብሉ ክኸውን ይግባእ።

እምብአር ሎሚ ንነፍስወከፍና ዓይኒ ሕልናና ብዝኾነ ምኽንያት ተሸፊኑ ዓዊሩ ከይህሉ እንምርምረሉ ወይ እውን አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና ክርኢ እደሊ አሎኹ እንብለሉ እዋን እዩ። አብ ልደት ክርስቶስ ገጽና ንጉዓዝ አሎና ምስጢር ትስብእቲ ክርስቶስ ርኢና ክንክእል እሞ ክንሕደስ ንለምኖ። አብ መንበር ንስሓ አቲና ኃጢአትና ንተሓጸብ ሽዑ ንፍቕሪ ክርስቶስን ንኹሉ ንሱ ዝህበና ጸጋ ርኢና ክንክእል ኢና ነዚ የኽእልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.