2017-12-08 09:54:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ፍልስጥኤማውያን ልኡካን፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ናይ ዘተ መሰረት እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳስዊ ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ፍልስጥኤም ዝተፈላለያ ሃይማኖት ላዕለዎት ኣካላት ቀዋሚ ኮሚቴ ዘተ ኣባላት ኣብ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ ተጋባኣያን ተቐቢሎም፥ ብኹሉ ጽፍሕታት ዝረጋገጽ፡ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ምስ ገዛእ ርእስኻ ዝግበርን ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ውሽጢ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ሃይማኖታትን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ እውን ዝንበር ሓድሕዳዊ ምክብባር ናይ ዘተ ቀዳማይ ኩነት እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ዘማአከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ካብ ዘተ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ድልያን ነቶም ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቕዑ ክንክንን ሓልዮትን ዝግበር ምውህሃድ ጻዕሪ ሓድሕዳዊ ምልላይን ምክብባርን ምትሕብባርን ይምንጨው ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካስተሊ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ዕለት 6 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ እቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምርህተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ምስቶም ናይ ፍልስጥኤማውያን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕልዎት ኣካላት ኣባላት ቀዋሚ ናይ ዘተ ኮሚቴ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ሕብረተሰብን ሰባትን ማሕበራትን ናይ ዘተ ድልድይ ክትሃንጽ ወትሩ ባህ ዘብላ ሰናይ ተግባር እዩ፡ ብርግጽ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምሁራትን ኣብ ፍልስጥኤም እቲ ናይ ዘተ ባህሊ ክትሃንጽ እንከላ ሓጐስ ይስምዓ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ቅድስቲ መሬት ንክርስቲያን እቲ ኣብ ናዝሬት ከተማ ኣብ መንጐ ገብራኤል መልኣኽን ድንግል ማርያምን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ዝዛዘም ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ፍጥረት ሰብን ንዝቐውም ዘተ ዝለዓለት ትእምርቲ እያ። እቲ ዘተ ድማ ኣብ መንጐ ኢየሱስን እቲ መላእ ዘርኢ ሰብን ዝውክል ሕዝቢ ቅድስቲ መሬት ብፍሉይ ኣግባብ ይቕጽል ዝበሉ ቅዱስ ኣቦን ንመላእ ሃገርን ሕዝብን ፍልስእጤም ሰላምን ምዕባለን ክጽገው መታን ቡራኬ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ፍልስእጤም ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ላዕለዎት ኣካላት ዘሳትፍ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝጠለቦ ኣብ ፍልስጥኤም ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ቀዋሚ ናይ ዘተ ኮሚቴ ዘካየዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ፍርያማ ክኸውን ድማ ተማሕጺኖም እዚ ናይ ሓባር ዘተ ንናይ ፍልስጥኤም ሕዝብን ኩለን ሃይማኖታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ዘተ ዘተባብዕን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ብድሆ ንምግጣም ዘብቕዕ ጽቡቕ ድላይ ዘነቓቕሕ ይኹን ከምዝበሉ ካስተሊ ሓቢረን።

ናይ ፍልስጥኤም መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳርን ብፍላይ ድማ ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስን ፍልስጥኤማዊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንፍልስጥኤም ኣገዳስን ክፍሊ ሕብረተሰብ ፍልስእጤም ምዃኑ ዘየማትእ ኣፍልጦ ከምዘለዎም ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና ፍልስጥኤማዊ ክርስቲያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ፍልስእጤም እዩ ከምዝበሉ ካስተሊ ጠቒሰን ኣተሓሒዘን ዕለት 6 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልኡካን ብናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ተመሪሖም ምስቲ ብናይ ፍልስጥኤም ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ድርገት ኣቦ መንበር ማሕሙድ ኣል ሓባሽ ምዝ ዝተመርሑ ልኡካን ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ከምዘካየዱ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.