2017-12-09 17:03:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፥ ማሪያም ወትሩ መንእሰይ፡ ሓጥያት የእርግ


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 8 ታሕሳስ ምጽናስ ቅድስተ ማርያም ብዘይ ሓጢኣት እዳም ዝብል ዓንቀጸ እምነት ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘማእከለ ዓመታዊ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ከምእተበዓለ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዚ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘዕረጉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ፥ ቅዱስነቶም ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፥ ማርያም ወትሩ መንእሰይ፡ ብሓጢኣት ፈጺማ ዘይኣረገት፡ ማርያም ብዘይ ሓጢኣት፡ መሕደሪት ቃል እግዚኣብሔር፡ እንክብሉ ተክለ ሰብነት ማርያም ተንቲኖም፡ ኣብ ዓለም ኩሉ ብክፍኣት ዝተበከለን ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ እቲ ኣሉታዊ ጐድኑ ጥራሕ ኣብ ዘስተውዕለሉ ዘሎ እዋን ውህበትን ውበትን ማርያም ነስተንትን፡ ቢሎም ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት፥

ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 3. 9-15, 20

ኤፈሶን 1. 3-6, 11-12

ሉቃስ ወንጌል 1. 26-38

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፥ ብፍላይ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ብስራት ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ እንከዘንትው፡ ገብርኤል መልኣኽ ምልእተ ጸጋ ቢሉ ንማርያም ይገልጻ፡ ብሓቂ ምልኣት ህላዌ እግዚኣብሔር ዝተነብራ እያ፡ ምልእተ ጸጋ ማለት፡ ምልእት ህላዌ እግዚእብሔር ማለት እዩ። ኩለንተናኣ መንበሪት ጐይታ ብምዃና ድማ ኣብኣ ንሓጢኣት ቦታ ዘይብላ ኰነት። ብጀካ ማርያም ነገራት ኵሉ፡ ቅዱሳት እውን ክይተረፉ ብሓጢኣት ዝተተንከፉ እያቶም። ማርያም ወትሩ ሓምላይ ደብሪ፡ ኣበር ናይ ዘይብሉ ሰብኣውነ ትእምርቲ እያ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ምእዙው ናእዳ ብዘለዎ ቃል ኣድናቖቱ እንክገልጽ፡ ኣንሕና እውን ከምኡ ንማርያም ምልእተ ጸጋ ቢልና ብምድናቕ ዘለዋ ልዑል ጽባቔ ነቃልሕ፡ ማርያም ወትሩ መንእሰይ ብሓጢኣት ሰብነታ ዘይኣረገን ዘይተበላሸወን፡ ንሓደ ሰብ ካብ ዕድሜኡ ንላዕሊ እቲ ኵለንተናኡ ዘእርጐ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት ሰብነት የማስን የእርግ፡ ናይ ልቢ ህብረ-ህዋስ የልምስ፡ እዚ እዩ እቲ ብሓቂ እርጋን ዝበሃል። ልቢ ይዓጽው የደስክልን የማስንን።

ቤተ ክርስቲያን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ሎሚ ንማርያም ኩለመናኣ ወቅብትን መልከዔይናን ቢላ ናእዳዊ ሰላምታኣ ተቕርብ፡ መንእሰይ ምዃና ኣብ ዕድሜኣ ኣይኰነን። ጽባቔኣ ደጋዊ ኣይኰነን፡ ጽባቔኣ ኣብ መርኣያ ኣይኰነን፡ ካብ ተራን ትሑትን ናዝራዊት ቤተ ሰብ ዝመጸት እያ።

ውርይቲ ኣይነበረትን፡ ገብርኤል መልኣኽ ሰላም ነኣኺ ቡሉ ኣውን ምስ በጽሓ፡ ብመልኣኽ ዝተበጽሔት ምዃና እውን ሓደ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ልኡካን ጋዜጠይናታን ዘገብትን ዘይነበሩሉ እዋን እዩ።

ድሕሪ እቲ ሰላምታ ቅዱስ ገብርኤል ማርያም ኣይተረበሸትን፡ ኣተሓሳሰባን ኣኽብሮት ዝተመልኦ ምፍራሕ ኣረአየት። ናይ ሎሚ ወንጌል ከምዝገልጾ ድማ እቲ መልኣኽ ካብኣ ምስ ከደ፡ ጸገማት ከጋጥማ ይጅምር። ይኹን ደኣ እምበር ወትሩ ቃል ኣምላኽ  ጽን ትብልን ምስኡ ብዘይ ምቁራጽ እትላዘብ ብምዃና ምልኩዕ ሕይወት ትነብር።

ቃል ኣምላኽ እዩ ምንባራ። ንቓል ኣምላኽ ቀረባ ቃል ኣምላኽ ንልባ ቀረባን ዝገበረትን ደሓር እውን እቲ ቓል ኣብኣ ሓደረን ስጋ ለበሰን። ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ኣብ እግዚኣብሔር ምስ እግዚኣብሔር እትተርፍ፡ ምስኡ እትዝትይ፡ በዚ መገዲ’ዚ ኣቢላ ማርያም ሕይወታ ምልኩዕ ገበረትን፡ ጽባቔኣ ቃል ኣምላኽ ኰነ፡ እቲ ዝሓልፍ መርኣያ ዘይኰነት እቲ እውነተይና ጽባቔ ማርያም ኣብቲ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕንዕ ልባ እዩ፡ ሕይወት ምልኩዕ ዝግበር እቲ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕንዕ ልቢ እዩ። ሎሚ ነታ ምልእተ ጸጋ ብሓሴት ንጠምታ፡ ወትሩ ንሓጢኣት ኣይፋል ቢልና ንእግዚኣብሔር እነኹልካ ዝብል ሕይወት ብምንባር ሰናይን ምልኩዕ ሕይወት መታን ህልወና ሓግዝናን ደግፍናን ንበላ። ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ምስ ኣብቅዑ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ነቶም ኣብቲ ጸሎት ዝሓበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ናይ ቤተ ክርስቲያን ወጌላዊ ተልእኾ ኵሉ ከከም ጸዋዕታኡ ክነብሮ ማርያም ትደግፍ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ በጺሖም ንቕዱስ ምስሊ ድሕነት ሮማውያን እተሰምየ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ክብሪ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞምን ከምቲ በቢ ዓመቱ ብበዓለም ጽንሰታ ለማርያም ር.ሊ.ጳ. ዝገብርዎ ሮማ ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ስፓኛ በጺሖም ኣብቲ ኣደባባይ ኣብ ዝቖመ ጽንሰታ ለማርያም ዘበስሩ ካብ ኦሪትን ነቢያትን መዝሙረ ዳዊትን ወንጌልን ዝተሓርዩ ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት ምጽናስ ማርያም ዝነግር ቃል ዝተነብሮ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ፊት ተረኺቦም ካብ ውሽጥን ወጻእን ብዝመጹ ማመናንን ናይ ሮማ ቤት ምኽሪ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ መግስቲ ኣካላት ኣቀባላ ተገይርሎም ጸሎት ከምዘዕረጉ ገሊጸን።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ፍጻሜ እዚ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ከባቢ ኣደባባይ ስፓኛ ናብ ዝርከብ ቅዱስ እንድሪያስ ዘፍራተ ባዚሊካ ከይዶም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ተኣምራታዊት ማርያም ጸሎት ከምዘዕረጉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.