2017-12-09 17:12:00

ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረሰብ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ ልኡካነ ወንጌላውነትን ምስክርነትን ናይ ሓባር ሓላፍነት


ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ኤሚሊያ ሮማኛ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ሪሚኒ ከተማ ሪሚኒ ዕለት 7 ነሓሴ 2017 ዓ.ም. ናብ ዝተጀመረ መበል 41 ናይ ኢጣሊያ ማሕበረሰብ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ብሔራዊ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ክሳብ ዕለት 10 ነሓሴ 2017 ዓ.ም. ዝቕጽል ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ሰባኬ ወንጌልን ምስክርነትን ጸዋዕታ ኣብ ምሕባር ሓላፍነት ዝድግፍን ዘተባዕን ክኸውን ተማሕጺኖም፥ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ሓቢርኩም ናይ ሓዋርያት ትምህርቲ ከተዕሙቑ ብሓዋርያዊ ሕውነት ኣብ ቅዱስ መኣድን ጽሎትን ክትሓብሩን እዚ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣስተማቒርኵም ንዓለም ከተካፍሉ ዝተጸዋዕኵም ምዃንኩም ዘተሓሳስብ ናይ ሓባር ጉባኤ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቦሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ብዝተነብሮ መልእኽቶም፥ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተጋባእያን ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ተማሕጺኖም፡ ማሕበረሰብ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ዝእምቶ ኩሉ መንፈስ ቅዱስ ከፍጽሞን ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደነት ንኹሎም ኣባላት ማሕበር ሕዳሴ ብመንፈስ ቅዱስ ተማሕጺኖም ስሌይ ጸልዩ ሓድራ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ራቪያርት ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ እታ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ድንቁርና ወይ ከኣ ኣብ ዘይምፍላጥ ኣይክሓድገኵምን እየ ዝብል ቃል ዘማእከለ ኰይኑ ኣብ ክርስቶስ ምንባርና ሓድሽ ጥልቃዊ ለውጢ ሕዳሴ ዘጽግው ማለት ኣቲ ናይ ክርስቶስ ኣካል መሰረት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሱታፌን ሓድነትን መሰረት ምዃኑ ዘነጽር ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዝወሃበሉ ከምዝዀነ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤን ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ማሕበራትን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳት ናይታ ናብ እትብል፡ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን እተብል ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እያቶም። ብጽንዓትን ብእማኔን ብመንፈስ ቅዱስ ተሓድሶን ብምትእምማንን ዓለማዊ ምእመን ኣብ ወንጌል ጸኒዑን ንቓል እማላኽ ተኣዛዚ እዩ። ስለዚህ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምሕዳስ ማለት መንጽር ወጌላዊ ልኡክነት ዘጸንዕ ምልዋጥን ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይ ሓድሽ (ዳግማዊ) ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ኣቦ መንበ ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ እውን ብወገኖም፡ ወንጌላዊ ልኡክነት ብሕዳሴ መንፈስ ቅዱስ ዝጸንዕን ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝትግበር እዩ። ነቲ ወትሩ ሓድሽ ዝዀነ ቃል ኣምላክ ብመንፈስ ቅዱስ ተነቓቒሕካ እዋናውነቱ ተብርህ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ኣጽኒዑ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የነጽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.