2017-12-09 17:23:00

ኢየሩሳሌም፡ ሕጂ እውን ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኢየሩሳሌም


ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ኢየሩሳሌ እንኰ ርእሰ ከተማ ናይ እስራኤል ቢሎም ኣብ ተል ኣቪቭ ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ናብ እየሩሳሌም ክዛወር ምዃኑ ዝገለጽዎ ውሳኔ ብምቅዋም ኣ ብዙሓት ሃገራት ዓረብን ብዙሓን ሰዓብቲ ሃማኖት ምስልምና ኣብ ዝርከብወን ሃገራት ይካየድ ምህላዊ ክፍለጥ እንከሎ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ መስጊድ ፊት ኣብ ዘሎ ሰጣሕ ጐልጐልን ፍልስጥኤማውያን ዕለት 8 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም.  ድሕሪ ናይ ዕለተ ዓርቢ ጸሎት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱን፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግን ዮርዳኖስን ኣብ ፓኪስታንን ማለዚያን ብርቱዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምእተኻየደ ካብቲ ከባቢ ዝፍነዉ ምንጪ ዜናታት ይሕብሩ።

ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮን ናይ ቱርኪ ርእሰብሔርን ኤርዶጋን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዘማእከለ ብስልኪ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ግረግ ቡርከ ገሊጾም። ቅዱስ ኣቦና ናይ ሕቡራት መንስታት ውሳኔ መሰረት ገይሮም ሕጋዊ ህልው ኩነት እየሩሳኤም ክዕቀብ ኣለዎ ከምዝበሉን። ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህልዉ ኩነት ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ኣኼባ ትማሊ ዕለት 8 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ከምዘካየደ እንክምልክት።

ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ውሳኔ ብጀካ እስራኤል ካልእ ማንም ሃገር ከምዘይተቐበሎ ክፍለጥ እንከሎ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ምርሕሓቅ ከምዝፈጠረን እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊሕ ቅልውላው ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ዛዕባ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መሬት ተንተንቲ ከመልክቱ እንከለዉ፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊት ፈድሪካ ምገሪኒ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ጉዳይ እየሩሳሌም ኣብ ዝዝትይ ንኸይዶ ኣብ ዝተወሰነ ኣኼባ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምምሕዳ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኣባስ ንኽሳተፉ ዕድመ ከምዝገበራሎምን ሰኑይ ዕለት 11 ነሓሴ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣኼባ ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ነታንያሁ ንኽሳተፉ ዕድመ ከእተገበረሎም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተመሓላለፈ መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.