2017-12-13 16:40:00

ሓድሽ ዓውደ ዝርርብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ካርዲናላዊ ቤት ምኽሪ


ክሳብ ዕለት 13 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ዝቕጽል መበል 22 ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካርዲናላዊ ቤት ምኽሪ ዕለት 11 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ንጐሆ ከምእተጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡ እቲ ካድርዲናላዊ ቤት ምኽሪ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድጋፍን ከምኡ እውን እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሕያዋይ ጓሳ ቅዋም ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባባሪ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ተቕዋማት ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ዝምልከት መምርሒ ክለሳ ንኸካይድ ብዝብል ውሳኔ ዝቖመ ምዃኑ ዘዘኻከረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ  ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ቅዋም ሕዳሴ ኣብ ፍጻሜ ከዝበጽሒ

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ዝርርብ እቲ ካርዲናላዊ ቤት ምኽሪ ዘቕረቦ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ቅዋም ሕዳሴ ንድፊ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቕሪቡን ብፍላይ ብዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓይነተይና ግደ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ናይ ቀረባ ተሓባባርቲ ቅዋመን እዚ ቅዋመ’ዚ ንናይ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ማእከላውነትን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ግደን ካብ ምእኩል ክህነታውነት ምልስ ዝበለን ልዑል ዓለም ለኻዊ ግደ ዘለዎ ኰይኑ ብሓይሊ መንእሰይን ደቀንስትዮን ክበራታዕን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ምይይጥ ከምእተገብረ የዘኻኽር።

ናይ ካድርዲናላዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ኣልባኖ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ብዛባ ኣብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም. እቲ ካርዲናላዊ ቤት ምኽሪ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዘካየዶ ዓውደ ዝርርብ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ እዋኑ ኣካይዶምዎ ኣብ ዝነበረ ቃለ መሕትት፥

እቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ላዕለዋይ ናይ ቀረባ ሓዋርያዊ ተሓባባሪ ተቕዋማት ቤት ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ንምሕዳስ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ተዛዚሙ እዩ ክበሃይል ይከኣል። ማለት እቲ ካርዲናላዊ ቤት ምኽሪ ናይ ሕዳሴ ውጥን ንቕዱስ ኣቦና ከምዘቕረበን መዓስን ከመይን ድማ ተግባራዊ ይኹን ናይ ቅዱስነቶም ውሳኔ እዩ፡ ናይቲ ሕዳሴ ውጥን ብቐረባ ይከታተልዎ ድማ ኣለዉ

እንክብሉ ገሊጾም ምንባሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.