2017-12-13 17:25:00

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት @Pontifex፡ ብፁዕ ኣቡነ በቺዩ፥ ኣስፍሆተ ወንጌል ብማሕበራዊ መረብት እውን ይካየድ


ዕለት 12 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. @Pontifex ዝብል ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣድራሻ ኣብቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ንፈለማ ግዜ ከምእተበገሰን ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፈለማ ተጠቃሚ ናይዚ ኣድራሻ ንምዃን እውን ከምዝበቕዑን፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ብማሕበራውያን መረብት ኣውን ክፍጸም ዝከኣል ምዃኑ ገሊጾም፡ እነሆ በታ ዕለት እቲኣ ድማ ቀዳማይ መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ነቢያውን ተባዕን ተገግሶ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምስዓብ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ @Pontifex ዝብል ትዊተራዊ ኣድራሻ ብትሽዓተ ቋንቋ ዝትርጐም መልእኽቲ ከምዝፍንዉ ክምልከት እንከሎ፡ ኣብቲ ነቲ ትዊተራዊ ኣድራሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብጋሴ ብቕረባ ዝተኸታተሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሕፊ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ሓፈሻዊ ዕዩ ትኩእ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ በቺዩ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 @Pontifex. ብዝብል ትዊተራዊ ኣድራሻ ንፈለማ ጊዜ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ክፍንዉ እንከለዉ ብፁዕነቶም ምስኦም ከምዝነበሩን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕብራዊ መረብት ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይነበሮም ይኹን በቲ እዋናዊ ተበጽሖ ዕደ ጥበብ ብምጥቓም ኣስፍሆተ ወንጌል ዝፍጸም ምዃኑ ኣሚኖም ምስቶም ማሕበራዊ መርበታውያን ኩሎም ክዝትዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዘኪሮም፤ እቲ ተበግሶ’ቲ ኣመክኖዮ ከምዝነበሮ ድማ እነሆ ሊሚ እቲ ዝበጽሖ 40 ሚሊዮን ሰዓብቲ የረጋግጾ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ኵሉ ንምብጻሕ ክሕግዝ ዝኽእል መጋበርያ ምጥቃም ነቲ ናብ ዓለም ኵሉ ኪዱ ወንጌል ኣበስሩ ዝብል ተልእኾ ምፍጻም ማለት እዩ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ስነ መረብት ንገዛእ ራእሱ ክፍለ ዓለም እዩ እንክብሉ ንፈለማ ጊዜ ከምዝገለጽዎን ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ክፍሊ ዓለም ከም ልእኽቲ ወንጌል ክትዋሳእ ድማ ኣተባቢዖም እዮም። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሓደስቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መረብታዊ ከይዲ ብዙሕ ርሑቕ እየ ይብሉ፡ እንተረኣና ግና ናይ ስነ መረብታዊ ጉዳይ ሊቃውንቲ ቅዱስነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ህልው ር.ሊ.ጳ. እዮም እንክብሉ ይገልጽዎም። ብዛዕባ ከይዲ ተበጽሖ ዕደ ጥበብ ሓበሬታ ክወሃቦም ይደልዩ እዮም። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ወጌላዊ ልኡኽ ኣብ ዓለም እዩ። ስለዚህ እዚ ቀዳማውነት ብኹሉ ኣወንታዊ መጋበርያ ይንበር። ዝለኣኸሎም መልእኽቲ ትዊተር ከንብቡን ዕለታዊ መልእኽቲ ክፍንዉ ትርእይ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ማሕበራዊ መረብት ቃል ኣምላኽን መንፈሳዊ ሓሳብን እንከካፍሉ ንገዛእ ርእሱ ከመይን ንስለምንታይን ኣብ ኣጠቓቕማ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበባዊ ምዓበለ ይሓንጹ። ስለዚህ ንኣሉታዊ ተግባራት ንኸይንጥቀመሉን ዕላማ ተበጽሖታት ሓደስቲ ምዕባለ የገንዝቡ፡ ኩሉ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣሉታውን እወታውን ጎድኒታት ዝዓቖረ እዩ። ንኣሉታዊ ድዩ ንእወታዊ ተግባር ንኽንጥቀመሉ ነጻነት ኣባና እዩ፡ ንእወታዊ ተግባር ክንጥቀመሉ እንኰለና እዩ እቲ ትኽክለይና ነጻነትና ዝንበር። ነጻነት ፍጻሜኡ ሰናይ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ የተሓሳስቡ፡ ካብ ምጥቃም ዘይምፍራሕ፡ ኰይኑ ግና ንሰናይ ብትኽክለይናን ቅኑዕን ኣግባብ ምጥቃሙ ከምዘድሊ ይምዕዱ።

ብዙሓት ንዘይቅኑዕ ተግባር ክጥቀምሉ ትርእይ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ሓደሽቲ ተበጽሖታት ምዕባለ ዕደ ጥበብ ብምጥቃም ሰናይ ኣጠቓቕማኡ ተስተምህር፡ በዚ መገዲ እዚ ኣቢላ ስነ ባህሊ ተተባብብዕ ሰብኣዊ ምቅርራባት ተስፍሕ፡ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ናይቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ተጠቃሚ ክኸውን መታን ናይ ዕደ ጥበባባዊ ምዕባለ ድኽነት ክውገድ ትሓንጽ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.