2017-12-15 15:44:00

ግረግ ቡርከ፥ ንቕዱስ ኣቦና ሕዳሴ ማለት ሓድሽ ኣተሓሳስባን ብስለትን ምፍጣር ማለት እዩ


ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 13 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. መበል 22 ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካርዲናላዊ ቤት ምኽሪ ከምእተፈጸመ ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምዝነበረ እንክዝከር፡ እቲ ካድርዲናላዊ ቤት ምኽሪ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድጋፍን ከምኡ እውን እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሕያዋይ ጓሳ ቅዋም ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባባሪ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ተቕዋማት ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ዝምልከት መምርሒ ክለሳ ንኸካይድን ካብዚ ተበጊሱ ክሕደስ ብዝብል ውሳኔ ዝቖመ ምዃኑ ዘዘኻከሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ መበል 22 ዓወደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 14 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣተኵሮኡ ናይ ዓለማዊ ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየተን ከምኡ እውን ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ቤት ጽሕፈ ህየንተ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ከምዝነበረ ሓቢሮም እንክብሉ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ቡርከ ድሕሪ እቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ንቕዱስ ኣቦና ሕዳሴ ቅርጽታትን ሰነዳትን ጥራሕ ዝምልከት ዘይኰነስ ብዓብዩ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ብስለትን ምፍጣር ዝብል እዩ። ቅድስቲ መንበርን ኵሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ሰራሕተይናታት ኣገልገልቲ ምዃኖም ንኸስተውዕሉን ማለት ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጻዅን ዝብል ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብቓልን ሕይወትን ዝሃቦ ኣብነት ምንባር ዝብል እዩ ኢሎም።

ናይተን ሓደስቲ ሰለስተ ኣባይቲ ጽሕፈት ማለት ናይ ዓለማዊ ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ኵለንተናዊ ስብኣዊ ዕብየትን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዓን ካዲናላት ዝሃብዎ ጸብጻብ ንምይይጥ ዝቐረበሉ ዓውደ ጉባኤ ምንባሩ ሓቢሮም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ህየንተ የኔታ ኣባ ቪጋኖ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ከይዲ ሕዳሴን ምዕባለታቱን ብሰፊሕ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ከምዘቕረቡን ብፍላይ እቲ ገና ወግዓዊ ዝኸውን ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን መርበብ ሓበሬታን ናይዚ መራኸቢ ብዙሓን ሓደስቲ ኣባይቲ ጽሕፈታቱ ከምዝገለጹ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.