2017-12-16 17:06:00

ሃገረ ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ሞራለስ


ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ዅዋን ኤቮ ሞራለስ ኣይማ ዕለት 15 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቕዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስክ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ድሕሪ እቲ ልባዊ ምቅርራብ ዝተመስከረሉ ክሌኣዊ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻድ ገላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገሮም ኣብ መዳይ ሰብኣውን ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለ ህዝቢ እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ ምዃኑ እንክገልጹ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣውን ብወገና ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ዘለዋ ግደ ዳግም ከምዘረጋገጸትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ክሌኣዊ ስምምዕ ንስሉጥ ትግባሬኡ ዘማእከለ ምይይጥ ምስ ኣካየዱ ኣብ ናይ ክልቲኣተን ሃገር ረብሓ ኣብ ዘተኰረ ዝክረ ነገር ኣውን ዝርርብ ከምእተኻየደ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.