2017-12-16 18:57:00

ሰንበት ዘስብከት ታኅሣሥ 8 2010 (12/17/2017)


ንባባት፡ 1ቆሮ 1፡3-9፥ 2ጴጥ 3:1-10፥ ግ.ሓ. 3፡19-ፍ፥ ማር 13፡33-37  ስብከት፡ “ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ”፥    መዝ. 144፡7።

ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 27 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓድ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ።

ናይ ሎሚ ነብያት ሰበኽትን ተሰበኽትን ንሕና ኢና፥ ንልደት ክርስቶስ ብምሉእ ልብና ተቐሪብና ክነብዕሎ እንሰናደወሉ እዋን እዩ። መብራህቲ ሰላም፥ መልእኽቲ ዕርቂ፥ ፍቕሪ፥ ሕድገት፥ ምሕረት አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ክነግስ ብምሉእ እንቀራረቡል እዋን እዩ፥ ነፍስወከፍ ክበራበር ክሓስብ ምስ ርእሱ ክዛረብን ክርእን ዝሕተተሉ እዋን ስለ ዝኾነ አብ ሓደ ጉዕዞ ክንህሉ እሞ ብዓልና ብግቡእ ክነብዕሎ ኩልና ንሰናዶ።

ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ንምስንዳው ክሕግዘና ኢሉ ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሰያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ መድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’ እናበልና ንዝምር። ክርስቶስ አብ ልብና ክስበኽ እሞ ሓቅን ሰላም አብ መንጎና ክነግስ ንቀበሎ። ቤተ ክርስትያን ዓው ኢላ ቃሉ ክንሰምዕ ልብና ክነንጽሕ ክፍአትና ተአሚና ክንሳሕ እዋኑ እዩ ደቀይ ተመለሱ ትብለና አላ ዝሰምዕ ልቢ ይሃበና።

፩ያ ሰንበት ዘምጽአት ኢና ዘኪርና ዘሎና። ምጽአት ክብሃል እንከሎ ናይ ሓደ እትፈትዎ ክመጽእ እትጽበዮ እዩ። አብ እምነት ክርስትናና ንምጽአት ክርስቶስ እዩ ዘስምዕ። ተሃንጢናን ነቒሕናን ልዕሊ ኹሉ ኃጢአትና ተአሚና አብ መንበረ ንስሓ ቀሪብና ብእከየ ወበ ዓቢ እከየ ኢልና ነጺሕና ንምጽአት ክርስቶስ ንጽበ።

ምጽአት ክርስቶስ ምስጢራዊ እዩ ምኽንያቱ ድሮ ቅድሚ 2000 ዓመት መጺኡ እዩ። ብሓፈሻ ክንርእዮ ከሎና ነቲ አብ ታሪኽ ድሕነት ዝተገብረ እና አዘኻከረ አብ መጻኢ ምልአት ንዝረክብ ክንሰናዶ ይሕግዘና። ንዝሓለፈን ንዝመጽእ ብሓባር ጠሚሩ አብ ናይ ሎሚ ድሕነት ክንሓስብ ይሕግዘና። አብዚ እዋን ብቀዳምነት ንዝኽሪ ልደት መድኃኒ ክርስቶስ ክነብዕል ንሰናዶ፥ ምስኡ ቀጺልና ንዳግማይ ምጽአቱ አብ መጨረሻ ዓለም ዝመጽእ ንሰናዶ። ሳልሳይ በቲ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ብእንገብሮ ንክርስቶስ ክንቅበሎ ብፍላይ አብ ብምስጢራቱ ንዝመጽአና ክንቅበሎ ንሰናዶ።

ንባባትና ኩሎም ምጽአት ጎይታ ርግጽ ከምዝኾነ ይገልጹልና። ነፍስወከፍ ሰብ ክነቅሕን ተሰናድዩ ክጸንሕ ዘዘኻክር እዩ። ቅ. ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ንሰብ ቆሮንጦስ ዘበራትዕን ተስፋ ዝህብ ምዕዶ እናሃበ ነቲ ናይ መጨረሻ ግለጸት አምላኽ ብእመንትን ተስፋን ክጽበይዎ ይነግሮም። ሰብ ቆሮንጦስ ከም ኩሎም ናይ እዋኖም ክርስትያን ንምጽአት ኢየሱስ አብ ዝኾነ እዋን ክኸውን ከም ዝኽእል ይጽበዩ ነሮም። ንሶም ወላ እኳ ስደትን መከርና ይብዝሓዮም አብ ሓጺር እዋን ክመጽኦም ምዃኑ ይአምኑ ስለ ዝነበሩ በዚ ተበራቲዖም ይጽበዩ ነሮም። ቅ. ጳውሎስ ግን አትኩርኦም አብቲ ጸጋ አምላኽን ብሕያው እምነት አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምልአት ክመላለሱ ከምዘለዎም ይነግሮም። እቶም ምስ ሕያው ዝኾነ እመነት ዝነብሩ አብ ክርስቶስ ዘልኦም እምነት ጸኒዑ ብቃልን ብኹሉ ፍልጠትን ሃብታማት ይኾኑ፥ ንቤተ ክርስትያን ዝበለጸት ንምግባር ዝጎድሎም የብሎምን፥ ክሳብ መጨረሻ ምድራዊ ሕይወቶም ዝውድኡ ዝጎድሎም ውህበት ጸጋ የልቦን። ብመዓልቲ ጎይታ ብዘይ ኢንታ ኽትኮኑ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኬጽንዓኩም እዩ ይብሎም።

ቅ. ጳውሎስ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና አብ እምነትና ጽኑዓትን እሙናትን ኮና ክነብር የዘኻክረና። ዘመና ማዕበል እምነት በዚሒዎ ሰብ አብዘይናቱ ከይዱ ክጥሕልን ከዕለዕልቕን እንርእዮ ዘሎና ድራማ እዩ። ብጥዑም ቃላት ዝተለበጠ ሓሳዊ ምስክርነት ለቢሶም ንብዙሓት ንኢየሱስ ረኺበዮ እናተባህለ ንመገዲ ጥፍአት ሒዞም ዝጥሕሉ አይወሓዱናን ስለዚ አብ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያኑን ንመለስ። አብ መንጎ ማዕበል ኢየሱስ ምሳና አሎ ብዝነፈሰ ማዕበል ተሃዊኽና ንኢየሱስ አይንኽሓዶ። ዘመነ ምጽአት ነዚ ዘኪርና አብ አምላኽ ክንምለስ ዝዕድም ቅዱስ እዋን እዩ።

ነዚ ዝሕግዝ አብ ትንቢት ኢሳያስ አብ 63፡16-17 ክምኡ አብ 64፡2-7 ዘሎ እንተ አንበብና አብ ቅድሚ እቲ አቦና ዝኾነ እግዚአብሔር ኃጢአትና ሒዝና አብ ቅድሚኡ ብምሉእ ተአምኖ ገጽ ንገጽ ክንቀርብ ይሕግዘና። ኢሳያስ ናይ ሓደ ተነሳሒ ልቢ ሒዝና ክንቀርብ እዩ ዝነግረና። እዚ ዘሎናዩ እዋን ምጽአት ወላ እኳ ናይ ሓጎስን ናይ ምቅርራብን እዋን ይኹን እቲ ልዕሊ ኹሉ ዘድሊ ንስሓ ክንገብር እዩ። መንግስተ ሰማይ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ ዝብል እዩ ናይ ሎሚ ስምዕታና።

ኢሳያስ ነብይ ናይ ዘመነ ምጽአት ነብይ እዩ፥ እዚ ግን ቅድሚ ልደት ስለ ዝነበረ ንምጽአት ክርስቶስ የሰናዱ ስለ ዝነበረ ጥራሕ አይኮነን። ኢሳያስ ትንቢቱ አብ ዝነግረለ ዝነበረ እዋን ህዝበ እስራኤል እቲ ወሪድዎም ዝነበረ ስደት ባቢሎም ብሰንኪ ኃጢአቶምን ንመገዲ አምላኽ ምስ ሓደጉ ከም ዝኾነ ክፈልጡ ጀሚሮም ነሮም። እቲ ንአይ ይጥዓመኒ ዝብል ከም ዝነቐጸ ቆጽሊ ከም ዝረግፉ ገርዎም፥ ኃጢአቶም ከም ንፋስ ቀውዒ ይብትኖም ነሩ። ስለዚ ሕጂ እቲ መስሕ ነቶም ተበታቲኖም ዘለዉ ህዝቡ አብ ቤቶም ክምለሱ ክእክቦም ክም ዝመጽእ ፈሊጦም ክሰናደዉ ይነግሮም ነሩ። ዓቢ ጋሻ መድኃኒ ይመጽእ ስለ ዘሎ ንቕሑ ተበራበሩ አብ አምላኽ ተመለሱ ይብሎም ነሩ። 

እዚ ቃላት ኢሳያስ ሎሚ አብ ዓለምና ብፍላይ አብ ህዝብና ልቢ ገርና ክንሰምዖ ይግብአና። ኢሳያስ ንህዝቡ ነቲ ዝገበርዎ ኃጢአት ትኽ ኢሉ ነጊርዎም፥ እቲ ኹሉ ብሰንኪ ኃጢአቶም ስለ ዝወረዶም አብ አምላኽ ክምለሱ ነጊርዎም። ከምቲ ሓደ ሰራሕ መሬት ነቲ ዝሰርሖ ዝደሎዮ ቅርጺ ዘትሕዞ ንአና ኸአ አብ እሙን ህዝቢ ክትልውጠና ንልምነካ አሎና ኢሉ ጸልዩ። ንሕና እዚ እዩ ሎሚ ዘድልየና ዘሎ። ኃጢአትና ገሊጽና ክንእመን እሞ አብ አምላኽ ክንምለስ። አብ ትሕቲ ኢድ አምላኽ አብቲ ዘፍቅረና፥ ጭቃ ካብ መሬት ወሲዱ ኡፍ ኢሉ ሕይወት ዝሃበና ክንምለስ። አብ ትሕቲ ኢድ ሠራሕ መሬት ክብል እንከሎ ትሕትና ለቢስና አብ ትሕቲ አምላኽ ክንምለስ እሞ ብእኡ ክንምራሕ አብቲ ጽንኩር እዋን ከይተረፈ ብድላይ አምላኽ ደም እናጠዓመና ክንምለስ ከም ዘሎና ዝነግር እዩ። ሠራሕ መሬት ነቲ መሬት እንታይ ከም ዝገብሮ ይፈልጥ ከምድላዩ ኸአ ቅርጺ ይህቦ፥ ንሕና እውን አብ ትሕቲ አምላኽ ክንከውን እሞ አብዚ ዘመነ ምጽአት ንሱ ዝደልዮም ሰባት ክንከውን አብ ትሕቲኡ ኮና ቅርጺ አምላኽ ክንመስል ንጽዓር። 

ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ማር 13፡33-37 እዩ፥ ኢየሱስ ነርድእቱ ሎሚ ከአ ንነፍሲ ወከፍና ልቢ ገርና አስተውዒልና ክንሰምዖን ክንርድአን ኢሉ መጠንቀቕታት ንዘመነ ምጽአት ዝቕርብ ይነግረና። “ብሃንደበት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ ንቕሑ”። ንቕሑ ክብሎም እንከሎ ናይ ብሓቂ ክነቕሑ ኢሉ እምበር መጠንቀቕታ ጥራሕ አይ ኮነን። ኢየሱስ አብዚ ወንጌል ማርቆስ ንመጻኢ ሕይወቱ ብዝርኢ፥ ዳግማይ ምጽአቱ ብግርማ ምምጽኡ ብክርድእዎ ብዝኽእሉ ምሳሌ ገሩ ነጊርዎም። ምስአስ ከምዝመጽእ ውሱን ጊዜ አይነግሮምን ግን ብግርማ መለኮት አብ መጨረሻ ክመጽእ ምዃኑ ገሊጹ አስተምሂሩ በዚ ኢና አብ እምነትና አብ ዳግማይ ምጽአቱ እንአምን። ኽነቕሑ ክነግሮም እንከሎ ብህጹጹ ነገራት ዝመልአ አይኮነን፥ ዝኾነ ዘሻቕል ወይ ሸበድበድ ዘብል ነገር አይኮነን ሃዲእካ ኩሉ ጊዜ እትገብሮን ሕይወትካን ርኢኻ ምኽአል እዩ እቲ ቀንዲ ነገር። ዳግማይ ምጽአቱ ሰማያዊ አብኡ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ ስለዚ ዝህውኽ ሸበድበድ ዘብል የብልናን፥ ናትና ተራ ኩሉ ጊዜ ነቒሕካ ምጽባይ እዩ።

ሰባት ምልክታት ወይ አብ ዓለም ዝገጥሙ ብምርአይ መጨረሻ ዓለም ከም ዝቐረበ ይዛረቡ እዚ ግን ናይ ሰብ ርኢቶን አተሓሳስብ እምበር ካልእ ነገር ዘስምዖ የብሉን። እቲ ቀንዲ ነገር ብዛዕባ ምምጻእ ጎይታ አይ ኮነን ብዛዕብ ነፍሲ ወከፍና ከመይ ኢልና አብ ዝኾነ እዋን ክመጽእ እንከሎ ተሰናዲና ንጸንሖ እዩ።

ኢየሱስ ሓዋርያቱን ሰማዕቱን ክገብርዎ ዘለዎም ብምሳሌ ገሩ ዳግማይ ምጽአቱ ነቲ ሓደ ሰብ አንዊሑ ዝገይሽ እሞ ንአገልገልቱ ንነፍስወከፎም መመዞም ሂቡ ሠሥርሖም ዜትኅዞም፥ ነቲ ሓላው አፍደገ ኸአ ኪነቅሕ ዚእዝዞ እዩ እናበለ ገለጸሎም። እዚ ነቲ ክልተ ምሳሌታት አብ ወንጌል ማቴዎስ ዝንገር ምስላ ዓሰርተ ደናግል (ማቴ 25፡1-13 ንምጽአት መርዓዊ ተሰናዲየን ነቒሐን ክጸንሓ ዘለወን) ከምኡ ምስላ መክሊት (ማቴ 25፡14-30 “አገልገልቲ ነቲ ብጎይትኦም ከፍርዩሉ ዝተዋህቦም ዝነግር) ዘጠቓለለ እዩ።

አብ ወንጌል ማርቆስ እቲ ጎይታ (ማቴዎስ) ወይ እቶም አገልገልቲ (ሉቃስ) አይኮኑን ነቒሖም ዝጸበዩ እቲ ሓላው ማዕጾ (ዮሓንስ) እዩ፥ ንሱ ንጓሳ ክመጽእ እንከሎ ክኸፍቶ ነቶም ሰርቕትን ጉሓሉን ግን ክአብዮም ሓላፍነት ዘለዎ እዩ። እቲ ሓላው ማዕጾ መጀመርያ ቅ.ጴጥሮስን ንኡ ስዒቦም አብ መንበሩ ዝቕመጡን ከምኡ ኩሎም ሓለውቲ ነፍሳት ቆሞሳት እዮም። አብ ግቡእ ጊዜ ኢዶም ከእትዉ ከለዉ ተጽዕኖ ዘይኮኑ በረኸት እዩ። ከምኡ ነፍሲ ወከፍ አማናይ ናይ ገዛእ ነፍሱ ሓላው ማዕጾ ክኸውን ይግብኦ። አብ መጨረሻ ናይ እቲ ምሳሌ ኢየሱስ ንኹሎም አርድእቱ ቀጺሎም ክነቕሑ ከም ዘለዎም ክነግሮም ኢሉ ከምዚ ኢልዎም፥ “እዚ ንአኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ ንኹሉ እየ ዝብሎ ዘሎኹ ንቕሑ”።

ማርቆስ ንነገራት ትኽ ኢሉ ብግሉጽ እዩ ዝነግር፥ “ንቕሑ ብዓል ቤት ምአስ ከም ዝመጽእ አይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ፥ ደቂስኩም ከሎኹ ከይረኽበኩም ተበራበሩ” ይብል። እዚ ወንጌል እዚ እናተዛነኻ ወይ እናጥዓመካ ክትነብር አየፍቅድን እዩ። እዚ ወንጌል ነቶም በቲ ኢየሱስ ዝገበሮን ዝበሎን ዘድንቑ ወይ እውን ዝመሻኸኑ ዝያዳ ስጉምቲ አብ ሕይወቶም ክወስዱ እሞ ንኢየሱስ አሰሩ ክስዕቡ ዝሓትት እዩ።

ሎሚ እምብአር ኢየሱስ ንዳግማይ ምጽአቱን ናይ ሕጂ ምጽአቱን እዩ ዝነግረና ዘሎ። ዝንገረና ዘሎ “ንቅሑ አስተውዕሉ ምዓልቱ ምስአስ ከም ዝኸውን ስለ ዘይትፈልጡ” ዝብል እዩ። ኢየሱስ ብግርማ ክመጽእ እንከሎ አይትደቅሱ ክብል እንከሎ ጨሪሽና ክንድቅስ አይንኽእልን ኢና ማለት አይኮነን፥ አይትደቅሱ ክብል እንከሎ ናይ ነፍሲ ምድቃስ እዩ ዘስምዕ፥ ብመንፈሳውነት ካብ ምድቃስ ክንጥንቀቕ አሎና ማለት እዩ። መጀመርያ አብ ዓቢ ኃጢአት መንፈሳዊ ሞት ካብ ዘምጽአልና ክንጥንቀቕ አሎና። ድሕሪኡ ሕጉስ ሕይወት ክንመርሕ ምእንቲ ነቒሕና ሓለዋ ነፍስና ክንገብር አሎና። አብ ቅድሚ አምላኽ ከም ዘሎና ፈሊጥና ኩሉ ጊዜ አካይዳና ጠባይና አዘራርባን ምስ ርእስናን ምስ ሰባትን ምስትውዓል የድልየና በዚ ሕይወትና እንተ መራሕና ነቒሕና አሎና ማለት እዩ። 

 

ሎሚ መዓልቱን ስዓቱን አይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ ዝብል ቃል መበራበሪ ክኾነና ኢልና እንሰምዖ እዩ። ብብዙሕ መገዲ ክንትርጉሞ ንኽእል ኢና እንተ ኾነ እቲ ቀንዲ ክንሓስበሉ ዘሎና ሎሚ ልደት ክርስቶስ ክነብዕል፥ አምላኽ አብ ዝኾነ እዋን ክጽውዓና እንከሎ ተሰናዲና ክንጸንሕ ከም ዘሎና ዘዘኻክር እዩ። ዝበለጸ ነገር ክንገብሮ ዘሎና ከአ መንግስቲ አምላኽ አብ ሕይወትና ብዝያዳ በሪሁ ክርአ ምእንቲ ኩሉ ጊዜ ክንሰናዶ ይግብአና። እዚ እዩ ናይ እቲ ፈቃር አምላኽ ቃላት እምበር ናይ ሓደ ዘፍርሓና አይኮነን፥ ንሓጎስ ንሰላም ዝዕድም አምላኽ እዩ ዘሎና። ንልደት መድኃኒና ክነብዕል ንሰናዶ አሎና እዚ ጉዕዞና ንአምላኽ ጽን ኢልና እናሰማዕና እንተ ተጎዓዝና አብቲ ዘፍቅረና አምላኽን መገዲ ሓጎስ ክሕብረናን ክምጽአና እዩ። ካብ ቃላቱ ዘፍርሕ የብልናን ምኽንያቱ ቃላቱ ቃልት ተስፋ፥ መብጽዓ፥ ቃላት እንሓሎ ዘማልአ፥ልክዕ ከምቲ ሓቀኛ መንፈስ ልደት እየን።

አብ ሓደ ዝንገብር ታሪኽ ባሕረኛታ ወተሃደራ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜን ጽንኩር ኩነታትን አሕሊፎም አብ ዓዶም ይምለሱ ነሮም። ኩሎም አብቲ ወደብ ዝወርዱሉ ምስ በጽሑ ሓዳሮምን ደቆምን ፈተውቶምን ብሃንቀውታ ይጽበይዎም ነሮም። ናይ መብዝሕትኦም ስድራታት ዝመጹሉ ዕለት ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ እንቋዕ ብድኃን መጻእካ ክብሉ ብሃንቀውታት ይጽበይዎም። ሓደ ወተሃደር ግን ወላ ሓደ ካብ ስድርኡ ዝቕበሎ ልዕሊ ኹሉ ብዓልቲ ቤቱ ክትቅበሎ እናተጸበ እንከሎ ሓደ አይተቐበሎን። በዚ ናይ ብሓቂ ተሻቒሉ ገለ ኾይኖም አለው እናበለ እናተቐላጠፈ እናተሃወኸ ንገዝኡ ከይዱ ግን ብማዕዶ መብራህቲ ገዝኡ በሪሁ ረአየ፥ አብ አፍደገ ኳሕኳ ምስ አበለ ብዓልቲ ቤቱ ክፍት አቢላ ክቡር ብዓል በተይ እጽበየካ ነረ ኢላቶ (I have been waiting for you)፥ ተስፋ ቍርጸት ዝመልኦ ብዝመስል ቃላት ክምልሰላ አንስቲ ካልኦት ብጾተይ ግን አብ ወደብ መጺአን ብአካል መጺአን ይርእያኦም ይጽበያኦምን ነረን በላ (the other men’s wives and girlfriends were watching for them)። አብዚ እንርእዮ ፍልልይ ናይ ሓደ ኮፍ ኢሉ ዝጽበን፥ አብቲ ቦታ ከይዱ ብዓይኑ እናረአየ ብአካል ዝጽበን እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ትምህርቲ ሎሚ ንሕና ኮፍ ኢልና እንጽበ ዘይኮና ነቒሕና ሕልናና አተኲርና እናረአና እናተጠባባቕና እንጽበ ኢና። እቶም ነቒሖም ዝጽበዩ ንርእሶም ተቖጻጺሮም ዝኽእሉ እዮም፥ እቶም ኮፍ ኢሎም መዓልቲ እትመጽኦም ግን አብ ካልእ ጉዳዮም ስርሓቶም ቀዳምነት ሂቦም አብኡ ተጸሚዶም እንከለዉ መዓልቲ ጎይታ እትመጽኦም እያ። አባና ክንምለስ ከመይ ኢልና ንጽበ አሎና? ሓንቲ ከይተቐረብና እንከሎና ዲና ንጽበ ዘሎና ወይስ ብጸሎት አሰኒና ሕይወትና ንቕርብ አሎና። ብሓቂ ብምሉእ ምስትውዓልን አብ ሓለዋ ነቚሕና ክንጽበ አሎና። ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ኮና ክንርከብ ክንጸንሕ አሎና።

አብዘን ዝመጽኣ ሰናብቲ እምብአር ነቚሕና ጽቡቕ ምስንዳው ክንገብር እሞ ንመድኃኒ አብ ልብና አብ ሓዳርና አብ ቍምስናና አብ ዓድና ክውለድ ቦታ ነሰናድወሉ። ንሱ አብ ዝኾነ እዋን ይምጻእ ቦትኡ አጠጢሕና ንጸበዮ። ልብና ተዓጽእዩ እንከሎ አብኡ ክውለድ ከይመጽእ እሞ ከይሓልፍ ንንቃሕ። ክርስቶስ ዝውለዶ ልብን ሕልናን ይሃልወና ሽዑ ጸጋን በረኸትን ሰላምን ፍቕርን ክወርደና እዩ። እሞ ነቒሕና ንመዓልቲ ጎይታ ንጸበያ።

ብሩኽ ዘመነ ምጽአት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.