2017-12-20 09:22:00

ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሶፊያ መንበረ ጥበብ ኣብ ቶክዮ


ዕለት 18 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጃፓን ርእሰ ከተማ ቶክዮ ምስ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሶፊያ ተመሃሮ ብምስማዐ ርእየት ርክብ ብምክያድ ካብቶም ተመሃሮ ዝቐረበሎም ሸሞንተ ዓበይቲ ሕቶታት  መሰረ ገይሮም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዓቢይ ሓሴት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ማእከል ሕዝቢ ምርኻብን ምስ ሕዝብን ምዃን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ምስ ተሓርዩ እቲ ዓቢይ ሓሴት ፈጢሩለይ እትብልዎ እንታይ እዩ ዝብል ካብ ሓደ ተመሃራይ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እቲ ዓቢይ ሓሴት ኣብ ማእከል ሕዝቢ ምርኻበይን ምስ ሕዝቢ ምዃነይን ብፍላይ ምስ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ሕሙማን ዝገብሮ ዝርርብ እዩ። እዚ ርክብ’ዚ ጉልበት መንእሰይ የጸግወንን ሕጉስ ይገብረንን እዚ እዩ ንዓይ እቲ ዓቢይ ሓጐስ ዝህበኒ።

ሕንጸት ኣገልግሎት እምበር ናይ ውደራ ተግባር ኣይኰነን

ብዛዕባ ትርጉም ሕንጸት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እውን እንክምልሱ፥ ብርግጽ ሕንጸት ተወዳዳሪ ሕብረተሰብ ዘቕውም እዩ። ስልጣን ንምዕታር ዝብል ድላይ ክህልዎ ዝክእል እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ስግኣት። ሕንጸት የዕብይ ዘዕብይ ድማ ትሕት ንምባልን፡ መዝንነት ብብቕዓት ዝብል ምስ ዝኸውን እዩ፡ ስለዚህ ንስኻትኩም ተመሃሮ ኣብ ብቕዓት ምስ እትኣምኑ ድሮ መዝነት ብብቕዓትቢሉ ዝኣምን ሕብረተሰብ ተቑሙ ኣለኹም፡ ንኻልኦት ንምግልጋል ዘይጥምት ሕንጸት፡ ናብ ውድቀት ዝመርሕ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽፈን ዝጥቕለልን እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ሓደጋ። ናይ  መንበረ ጥበብ መርሕ ቃል ክኸውን ዘለዎ ሕንጸት ምእንቲ ካልኦት (ምእንቲ ብጻይ) ዝብል፡ ነገልግሎት ዝብል እዩ፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን ብሓቂ ዓቢይ ሃብቲ ምኳኑ ይምስከር።

ሰረት ዘይብሎም መንእሰያት ብሓቂ የተሓሳስቡኒ

ሳልሰይቲ ሕቶ ድማ፥ እቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ መንእሰያት ኣዚዩ ዘተሓሳስቦምን ተስፋ ዝዀኖምን እንይታ እዩ? ዝብል ካብ ተመሃሮ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እቲ ዘተሓሳስበኒ መንእሰይ ሰረት ዘይብሉ ምስ ዝኸውን እዩ፡ ሰረት ባህልን ታሪኽን ቤተሰብኣውን ሰብኣውን ሰረት ዘይብሉ ምስ ዝኸውን እዩ። ስለዚህ ድማ ሰረት ንኽህልወካ ምስ ዓቢይ ወለዶ ማለት ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ምርኻብም ምስኦም ምዝታይን የድሊ። ሰረት ክበሃል እንከሎ ኣብ ከብሒ እትዓጽዎ ዘይኰነስ ንመጻኢ እናጠመትካ ምስ ህልው ኩነት እተዛትዮ እዩ። ሓደ መንእሰይ ክገብሮ ዘለዎ ድማ ርኽበት ተዘክሮ እዩ። ስለዚ እቲ ሰረት ንእዋናዊ ብድሆታት እናገጠመ ውጽኢት የዕትር፡ ጽባሕ የዕንብብ። መንእሰይ ኣብ ደውታ ዘይኰነስ ወትሩ ኣብ ምንቅስቃስ እዩ ክርከብ ዘለዎ። ተስፋ ናብ ዝተነብሮ ምጉዓዝ። ኣብ ሰረት ጸኒዕካ ንእዋንዊ ብድሆታት ምግጣም። ምስ መንእሰይ ዓለም ናብ ብሉጽ ምልዋጥ የብል።

እውነተይና ሃይማኖት ሰብኣዊ ፍጥረት ይዕብይ

ራብዓይ ሕቶ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፥ ሃይማኖት ትያትራዊ ፈጠራ ኣይኰነን። ሰገር ገዛእ ርእሲ ዘብልን ሰገር ገዛእ ርእሱ ምስቲ ፍጹም ማለት ምስ እግዚኣብሔር ንኽራኸብ ዘንቅሎ ናይ ሰብኣዊ ልቢ ሃረርታን ትጽቢታትን ዝወልድ እዩ። ስለዚህ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ብባህርይኡ ዘዕብይን ሰገር ገዛእ ርእስኻ ከተብል ዝምህር እዩ፡ ስዒቡ ድማ ንኻልኦት ንኸተገልግሎ ይድርኸካ። ኣብ ታሪኽ እቶም ዓበይቲ ተባሂሎም ዝግለጹ ሰባት ሃይማኖተይናታት እያቶም ዝነበሩ።

እቲ ኣነ ዝናዘዞን ካልኦት ክርስቲያን ምእመናን ዝናዘዝዎ ክርስቲያናዊ ግልጸት፡ መሰረታዊ መምርሒኡ ድማ ስግደትን ኣምልዀን ንእግዚኣብሔርን ንብጻይካን ምግልጋል ዝብል እዩ። ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ሃይማኖታውያን ጸንፈይናታትን ኣኸራርነትን ጠቒሶም፡ ዝዀነ ይዅን ሃይማኖት ናይ ገዛእ ርእሱ ንትኽክለይና ናይ ሃይማኖት ዕላማ ዝጻጸር ውሁድ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣብ ውስጥ ክህልዎ ዝከኣል እዩ። እዚ ድማ ናብ ግብረ ኣሸባርነት ይመርሕ።

እንነብረላ መሬት ምክንኻን ማለት ድኽነት ምውጋእ ማለት እዩ

ብዛዕባ ምህዳርን ድኽነትን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሓምሻይ ሕቶ እንክምሉስ፥ ሎሚ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኣብ ቅድሚ ግዴታዊ ኣማራጺ ይርከብ፡ ማለት ብጥሉቕ መንፈስ ብዛዕባ ምህዳር ምግዳስ ወይ ከኣ ናብ ጠርዚ ዕንወት ሰብኣዊ ፍጥረት ምባል እዩ። ሰብ ኣብ ቅድሚ እዞም ክልተ ግዴታውያን ምርጫታት ይርከብ። ቅዱስነቶም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ኦቻይና መራሕያን መንግስታትን ኣርእስተ ብሔራንን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ መብዛሕቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝቕጽሉ ዕስራ ዓመታት ገለ ገለ ደሴታት ብምኽንያት ዋዕይ መሬት ክብታ፡ ማያት ባሕሪ እናሰፍሔ ስለ ዝኸይድ ስለ ዝገበር ከምዘይነበራ ክዀና እየን እንክብሉ ዘለዎም ስግኣት ከምዘካፈልዎም ዘኪሮም፡ እንነብረላ መሬት ክንከናኸና ይግብኣና። ኣብ ኣማዞንን ኣብ ካልኦት ከባቢ ዓለም እውን ዘጋጥም ዘሎ ብርሰት እቲ እስትንፋስ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኾነ ጫካን ሓምላይ ሃብትን፡ ምዝባዕ ፍጥረትን ትፈጥሮን የስዕብ ኣሎ ቢሎም፡ ናይ ኤኮኖሚ ረብሓ ጥራሕ ዝብል ብዝዀነ ይኹን ከይዲ ጥራሕ ረብሓ ንዝብል ኣመለካኽታ ነቒፎም፡ ገንዘብ ኣምላኽካ ምግባር ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ። ናይ ገንዘብ ኤኮኖሚ ጥራሕ ክንብል ጌጋ እዩ። ገንዘብ ጥራሕ ዝብል ከይዲ ቁጠባ፡ ስነ ምህድራዊ ምዝባዕን ዘይምዕሩይ ማሕብራዊ ናራ የስዕብ። ሓድሽ ድኽነት ይፈጥር። ድኽነት እናሰፍሔ ይኸይድ። ስለምታይ ገንዘብ ስለ ዝተማእከለ፡ ገንዘብ ናይ ዓለም ኤኮኖሚያዊ ሜላ ማእከል ስለ ዝዀነ እዩ።

እግዚኣብሔር ኣዚየ ዘፍቅር ሓጥኣን እየ፡ ብኣኡ ምፍቓረይ ፍሱሕ የግብረኒ

ብዙሓት ብዛዕባእዅም ግሩም ምስልን ሓሳብ ኣለዎ? ባዕልኹም’ከ ንገዛእ ርእስኹም ከመይ ትስእሉን ትሓስቡ? እንክብል ሓደ ተማሃራይ ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ንጐሆ ተንሲእና ገጽና ክንሕጸብን ጸጉርና ክንስንትርን መስቲያት ንርእይ፡ መስቲያ ናይ ሕይወትካ ዋና ኣገዳሲ ክፍሊ ምስ እትገብርን ምስ መስትያት እሂን ምሂን ኣትብል ምስ እትኸውን ናብ ክቱር ርእሰ ኣምልዀነት ወይ ናብ ክቱር ርእሰ ተገዳስነት ተብል። ቀጺልካ ናብ ኣምላኺ ርእሰ ውከሳ ትኣትው። ንገዛ ርእስና ክንፈርድ እንከለና ምጥንቃቕ ይግብኣና። ብዛዕባና እቲ ኣብ ውሽጥና ዘእተናዮ መስቲያን ካብ ዝህበና ናይ ገዛእ ርእስና መስቲያታዊ ስእሊ/መንነታዊ ምስሊ ምጥንቃቕ የድሊ። ሰምንታይ ስለ ዘታልለና። ብዛዕባይ ዘሎኒ ስእሊ፡ መስቲያት ዘይህበኒ መንነት እዩ። ብዛዕባይ መስቲያንትካብ ዝብለኒ ንጠንቀቕ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወተይ ዝስምዖን ዘጋጥምንን ምልስ ቢለ ሓደ ሳዕ ድዩ ክልተ ሳዕ የስተንትኖ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሰይ ፍርዲ ንምውሳድ ይሕግዘኒ። ብዛዕባ ውሳነታተይን ዘርአኽዎ ጠባይን ኩሉ የስተንትን። ብዛዕባይ ዘሎኒ ምስሊ፡ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ዘፍቅሮ ሓጥኣን እየ ዝብልን፡ ብኣኡ ምፍቓረይ ኣዚዩ ፍስሃ ይፈጥረለይ ዝብል እዩ።

ሰብ ገዓዚ - ስደተይና እዩ

ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምሉስ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ምስ እዋናዊ ዓለም ዓቢይ ምትእስሳር ዘለዎ ክስተት እዩ። ስደት ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽ ዝምልከት እዩ። ሰብ ገኣዚ እዩ። እዋናዊት ኤውሮጳ ኣብ ዘመናት ካብ ካልእ ናብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ብዝተሰዱ ኣሕዛብ ዝተሓንጸት እያ። ኤውሮጳዊ ዓሌት ኣብ ኤውሮጳ ዝተወልደ ኣይኰነን ግና ኤውሮጳዊ እዩ፡ ኣብ ስደት ኣናስር ዘለዎ እዩ። 

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ስደት ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ቀጺሉ ዝረአይ ዘሎ ዝዓበየ ዘሕዝን ሰብኣዊ ፍጻሜ እዩ። ስለዚህ ነዚ ጸገም’ዚ ክንገጥሞ ይግብኣና። ካብ ውግእ ድዩ ካብ ጥምየት ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ዝስደድ ክንጸግ የብሉን። ሰብኣዊ ፍጡር እዩ። ክእንገድን ተወሃሂዱ ክነብር መታን ክድገፍ ኣለዎ። እዚ ማለት ስደተይና ኣብ ሓደ ዞባ ኣክቦ ማለት ኣይኰነን፡ ስለዚህ ምእንጋድን ምውህሃድን ማለት ሕንጸትን ስራሕን ምሃብ ማለት እዩ። ከምዚ እንተድኣ ዘይኰነ ግና ንገዛእ ርእሱ ይሕደግ ተሓጺሩ ክነብር ይድረኽ እዚ ድማ ጸረ ሰላም ዝዀነ ተግባራት ይፈጥር፡ ጉጅለ ኣሸበርቲ የስፍሕ። በንጻሩ እቲ ክኸውን ዘለዎ ሰብኣዊ ቤተ ሰብ ምውህሃድ እዩ። ኣተሓሒዞም እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ቀዝሒ ስነ ሕዝቢ እናሓሰቡ፥ ኤውርጳውያን ምውላድ ዘቖሙ፡ ውላድ ዘይደልዩ ይዀኑ ኣለዉ፡ ስለዚህ እዚ ባዶነት እዚ ይቕረብ ይርሓቕ ዝመልኡ ክህልው እዩያቶም። በዚ ምኽንያት’ዚ ብዚ ዝረአይ ዘኦ ሓድሽ ማሕበራዊ ክሰተት ‘ጸኣት’ ብዘይ ምስንባድ ብከይዲ ተወሃሂድካ ምንባር እዩ ክግጠም ዘለዎ ከምዝበሉ ቸንታፍንቲ ሓቢሮም።

ኣብ ጃፓን ክኸይድ ክንደይ ምደለኹ

ቅዱስነቶም ኣብ ምወዳእታ፥ ብዛዕባ ጃፓን ዘለኩም ምስሊ እንታይ እዩ። ኣብ ጃፓን ምብጻሕ ከተካይዱ’ኸ ሕላን ኣለኩም ዶ? ዝብል ንዝቐረበሎም ሻምናይ ሕቶ ኣማእኪሎም፥ ኣብ ርሑቕ ዓመታት ሓደ እዋን ኣብ ጃፓን ማለት ኣብ ቶክዮ ናይ ሰሙን ቅንያት ከምዝገበሩ ዘኪሮም፥ ግሩም መርኣያን ዕላማን ዘለዎን፡ ጥልቂ ሃይማኖታዊ ብቕዓት ዘለዎ፡ ጻዕራምን ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈ ሕዝቢ እዩ። ብኻልእ መዳይ እውን ተመዓራራዪ ጸገማት ኣርእዩኒ እዩ፡ ቀጥዒ ዓልቦ ውደራ፡ ናይ ተበላለጽ ጉያን: ኣህላቕተይናነትን፡ ኩለንተናኻን ዘህልቕ፡ ነቲ ምሉእ ሓይልኻን ግሩም መርኣያን ዘህልቕ፡ ሕሉፍ ገደብ ኣልቦ ብቕዓትን ጠርዚ ኣልቦ ክእለት ዝኣምን ባህሊ እውን ዝንጸባረቐላ ሃገር እያ። ይኹን ደኣ እምበር ዘደንቓ ዓባይ ሃገር እያ። ናብ ጃፓን ክበጽሕ ብሓቂ ባህ ምበለኒ። ወግዓዊ ዕድመ እውን ተገይሩለይ ኣሎ። ቅድም ክብል ብመደብ ዝተተሓዘ ወግዓውያን ምብጻሕ ዝለ ዘሎኒ ግና፡ መዓስ ይኸውን ኣነ እውን ኣይፈልጦን እየ። ሕዝቢ ጃፓን ዘፍቅሮ ሕዝቢ እዩ። ከምዚ ዓይነት ናይ ዘተ መደብ ምድላዉኩም ብሓቂ ዘሕጉስ እዩ። ውሳጣዊ ዘይምርዋይ ወትሩ ይሃልኹም እዚ ድማ ነቲ ጥንታዊ ባህልኹም ዘድሕን እዩ እንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ ነቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቲፋንቲ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.