2017-12-21 16:50:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ግርማውነቶም አብዱላሕ ዳግማዊ ቢን አል ሑሰይን


ዕለት 19 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ግርማውነቶም ኣብዱላሕ ዳግማዊ ቢን ኣል ሑሰይን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ግርማውነቶም ንጉስ ኣቡድላሕ ዳግማዊ ቢን ኣል ሑሰይን ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ሓላፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሪቻርድ ገላገር ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ኣገደስቲ እዋናዊ ኣርእስታትን ብፍላይ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላምን ምርግጋእን ውሑስ ንምግባር ኣብ ዝብል ርእሰ ነገር ብቐዳምነት ዝርርብ ከምእተኻየደን፡ ኣስዒቡ እውን ኣብ እየሩሳሌም ናይ ሓሽሚታውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ቅዱሳት ዓቃቢ ግደ ኣብ ዝብል ሕቶ ዘማእከለ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ኣብቲ ዓውደ ኵነት ዝምልከቶም ወገናት ማሕበራዊ ዘተ ክህሉን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንምርግጋጽ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ዮርዳኖስን ዘካይድዎ ናይ ሓባር ጻዕሪ ብጽንዓት ሓዲሰን እንክብል ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ምግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ፥ ህልውና ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነባርነቱ ንምውሓስን ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ኣካል ምዃኑን ኣብቲ ከባቢ ዘለዎም ኵለ መዳያዊ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ምሃብ ህላዌኦምን ኣበርክቶኦምን ንናይቲ ከባቢ ሕዝብን ሃገርን ምዕባለ ወሳኒ ካብ ዝበሃሉ ረቛሒታ ዋና ኢዩ ዝብል ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበርን ዮርዳኖስን እምንቶ ምዃኑ ከምእተረጋገጸ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.