2017-12-23 17:04:00

ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት በዓለ ልደት ንናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ሓዋርያዊ ኣካላት ዝለገስዎ ምዕዳን


እቲ ዘሕስር ናይ ውዲት ዋቄዕ (ኣመክንዮ) ወይ ከኣ እቲ ናብቲ መንሽሮ ዝዀነ ንርእሰ ውከሳ ዝመርሕ ነኣሽቱ ናይ በለካን ለኸዓካን ተግባራት ዝውክል ጉጅላውነት ክሰዓር ኣለዎ ዝብል ብርቱዕ ቃል ዘማእከለ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዕለት 21 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ሓዋርያዊ ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ህይነትን ሊቃነ መናብርትን ዋና ጸሓፍትን ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳትን ዓለማውያን ምመእመናን ዝርከብዎም ላዕለዎት ኣካላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና መልእኽቶም እንከበግሱ

ፍቱዋት ኣሕዋትን ኣሓትን ቢሎም፥

በዓለ ልደት ናይ እምነት በዓል እዩ። እቲ ጠገለ ዘይብሉ ብርክታ ሓሶትን ግብረ እከይን ተንኰልን ምድንጋርን ራሕሪሕና የዕንትና ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ንኽንርእዩ ዝኸፍት በዓል እዩ፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መዋቕር ተነቢሩ ዘሎ ሕገ ቀኖናውን መሰርታውያን መትከላትን ምስቲ እዋናዊ ኩነታ ከይዲ ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ኩነት ኣዛሚዶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብፍላይ ብፁዕ ኣቡነ ፍረደሪክ ፍራንሱዋ ኻቪየር ደ መሮደ፥

ኣብ ሮማ ሕዳሴ ምኽዋን ማለት እቲ ናይ ግብጺ ስፊንቅጽ (ጥንታዊ ፍርቁ ሰብ ፍርቍ እካሉ ድማ እንስሳ ዝተመስለ) ናይ እምኒ ሓወልቲ ብመመወጽ ስኒ ምጽራይ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝተወጠነ መባጽሕ ወይ ከኣ ሸቶ  ንምኽዋን ክንደይ ዓቕልን ትዕግስትን መስዋዕትነትን ዘሕትት ምዃኑ ንምምልካት እዩ። ናይ ኩርያ ሮማና (ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን) መዋቕር ጥንታውን ዝተሓላለኸን ተኸባርን ካብ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ቋንቋን፡ ሕንጸት ኣመለኻኽታን ዘለዎ መሰረታዊ ኣገልግሎቱ ድማ ንናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ምትሕብባር ዝብል እዩ።

ኵርያ(ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማእከላይ ሓዋርያዊ ምሕደራ) ሰገራዊ (ክንዮኣዊ) ውጥን እዩ

ኵርያ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾ ሓላፍነት ማለት ኣብ ናይ ቃልን ናይ ሓድሽ ቃል ብስራት ተልእኾ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፥ ሰገራዊ ውጥን እዩ። ስለዚህ ኣብ ገዛእ ርእሱ እንተድኣ ተዓጽዩ ናብ ርእሰ ወከሳ ይወድቕ፡ ገዛእ ርእሱ ንርእሰ ዕንወት ይፈርድ። ኣብ ኵርያ ሮማና ዝዓዩ ኵሎም ዘለዎም ዕማም ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሰናይን ኣገልግሎትን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብዲያቆናዊ መንፈስ ዝተነቓቕሔ ጠባይን ኣግባብን ዘለዎ ክዀኑ ይግባእ።

ናይ ውዲት ኣመክንዮ መንሽሮ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ጥንታዊ ሓዋርያዊ (ሓዋርያዊ ዲዳስቃልያ) ትምህርቲ ተመልኪቱ ዘሎ፥ “ዲያቆን ናይ ጳጳስ እዝንን ኣእዳውን ልብን መንፈስን ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም፡ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ኩነት ተመስሎኡን ከይድታቱን ኩሉ ንምስትውዓል ር.ሊ.ጳ. ናይ ሰብኣዊ ኣካላት ከም መርአያ ይጥቀመሉ። ህዋሳት እቲ ምስ ደጋዊ ዓለም ዘሎና ቀዳማይ ምትእስሳር እዩ። ልክዕ ከም መራኸቢ ድልድል እያቶም። ናይ ተራኻብነትና ተኽእሎ እያቶም። ህዋሳት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ነቲ ጭቡጥ ኩነት ከነስተውዕልን ገዛእ ርእስና እብቲ ጭቡጥ ኩነት ክሳዃዕ ይገብሩ፡”

እዚ ድማ ነቲ እቲ ዘሕስር ናይ ውዲት ዋቄዕ (ኣመክንዮ) ወይ ከኣ እቲ ናብቲ መንሽሮ ዝዀነ ንርእሰ ውከሳ ዝመረሕ ነኣሽቱ ናይ በለካን ለኸዓካን ተግባር ዝውክል፡ ብጽቡቕ ኣመት ተላዓዒሊ ዝፍጠር ጉጅላውነት እውን እውን እንተዀነ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካላዊ መዋቕር እውን ሰሊዅ ብፍላይ ድማ ናብቶም ዝዓዩ እካላት ሰሊዅ ዝኣትው እዩ።  ጾሊቑ ምስ ዝኣትው ድማ ናይ ወንጌል ሓሴት የጠፍእ፡ ኢየሱስ ናይ ምብሳር ሓሴት የጥፍእ፡ ምስኡ (ምስ ኢየሱስ) ዝንበር ሱታፌ የጥፍእ፡ ገዛእ ርእስና ንኣኡ ናይ ምውፋይና ለጋስነት የምክንከምዝበሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም፡

እምንት ምስ ዝግበረሎም ከሓድቲ ዝተኣሳሰረ ሓደጋ

ቅዱስ ኣቦና ካልእ ሓደጋ ዝብልዎ ጉዳይ እውን እንክገልጹ፥

ወይ ከኣ እቲ እምነት እተንብረሉ እንኽሕደካ ወይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ተበለጽቲ፡ ወይ እቶም ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካልን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ውጥን ሕዳሴ ሓይሊ ንኽዀኑ ብጥንቃቔ ዝተሓርዩን ዝተመዙን፡ ናይቲ ዝተውሃቦም ልዑል ሓላፍነት ዘየስተውዕሉ ብሕንጥይናንን ትምክሕትን ምግባረ ብልሽዋን ክዀኑ ዝፈቕዱ፡ በቲ ዘለዎም ዘየድሊ ጠባይ ምኽንያት ብዘይ ዋዕ ዋዕ ቀስ ኢልካ ካብ ሓላፍነቶም ክእለዩ ምስ እትገብር ኣክንዲ ብበደልይን ብኽፍኣተይን ዝብሉ፡ ናይቲ ስርዓት ወይ ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ትክክለይና ሓበሬታ ናይ ሰለዘይምርካቦምን ናይቲ ዝነበረ ናይ ቀደም ማጋባእያ ሰማዕት ኢና ይብሉ፡

ብዙሃን ብዝነኣድ ተወፋይነት ዘግልግሉ እያቶም

ብዙሓት ኣብ ጐድኒ ኣቶም ብምግባረ ብልሽውና ዝተዋሕጡ፡ ኣብ ኵርያ ሮማና ቅንዕና ተዓጢቖም ዘገልግሉ፥

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምግልጋሎም ብተስፋ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትዕግስቲ ተስፋ ኣንቢሮም እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምግልጋሎም ንምልዋጥ ዝተዓደሎም ኣጋጣሚ ገይሮም ዝነብሩ ብዙሓት እያቶም። ካብቶም ምግባረ ብልሽዋት እዚኣቶም ዝነኣዱን እሙናትን ብቕዓት ዘለዎምን ብመስዋዕትነትን ብቕድስናን ዘገልግሉ ብዙሃን እያቶም።

ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምግልጋል ናይ ውሉዳዊ ሱታፌ ተኣዝዞ ኢዩ እቲ ቀዳማዊ ርክብ፡ እዚ ኢዩ እቲ ናይ ኵሎም ኣብ ኵርያ ሮማና ዘገልግሉ ኣካላት ተግባር ክኸውን ዘለዎ። ምስ ጴጥሮስ ሱታፌ ምንባር ነቲ ምስ ካልኦት ኣካለ ቤተ ክርስቲያን ኩሎም ዝህልወካ ሱታፊ የሐይል የበራትዕን።

ናይ ኵርያ መዋቕር ኩነታት ዘስተውዕል ሃዋሲ ኢዩ

ናይ ኩርያ ሮማና ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ጭቡጥ ኩነት ዘስተውዕሉ ሃዋስያን እያቶም፡ ብተኣማንነት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ የሕልቖምን ፍቓድ ተቐቢሎም ዘመሓላልፉን ዘራኽቡን እያቶም። ብተመሳሳሊ መገዲ እውን እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሕቶን ኩነታትን ኣዋያትን ሓሴትን ንብዓትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለምን ሕዝብን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘራኽቡን እያቶም።

ኵርያ ምስ ኣህጉራት ዘለዎ ርክብ

ቅድስቲ መንበር ቅኑዕን ቀጻልን ናይ ሰላምን ዘተን ሓናጺት ብምዃን መንፈስ ተነቓቒሓ እትዓይ ምዃና ብናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ ልኡካን ኣቢላ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ናይቲ ምስ ሃገራት ዘለዋ ርክብ መሰረታዊ ዕማም እዩ። ስለዚህ ኣብዚ ተልእዀ’ዚ ካብ ዝዀነ ይኹን ንዋታውነትን ፍትወት ዓለምን ረብሓን ድላይን ናጻ ምዃን የድሊ፡

ኩርያን ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን

ዓቢይ ኣገዳሲነት ዘለዎ ጉዳይ ድማ እቲ ኩርያ ምስ ከባቢያውና ቤተ ክርስቲያንን ሰበኻታትን ዘከይዶ ርክብ እዩ። ብቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘተ ይድንፍዕ ሕድሕዳዊ ምድግጋፍን ምዕባለን ይረጋገጽ። ኣስዒቦም ንናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን እናሓሰቡ፥ ኣብ መንጐ ሮማን ምስራቕን ዘሎ ርክብ መንፈሳውን ሊጡርጊያውን ሕድሕዳዊ ዘሀብትም ኢዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥

ኵሪያን መንእሰያትን

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ መንእሰያትን፡ እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ጠቕላሊ መደበይና ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘኪሮም፥

እዚ ዝተጸውዔ ሲኖዶስ ኵርያን መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ መንስአያት ፍሉይ ኣተኩሮ ምእንቲ ክገብር ዝጽውዕ እዩ፡ እዚ ኣተኵሮ’ዚ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ጥራሕ ዝተርፍ ዘይኰነስ እቲ ኣብ መንጐ መንሰያትን ኣብ መንጐ መንእሰይን ዝተፈላለዩ ወለዶታትን ኣባይቲ ስድራን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ማሕበራዊ ሕይወትን ዘሎ ርክብ ዝምልከት እውን እዩ።

ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ኣናሓሰቡ፥ ሓድነት ጉዕዞ እዩ፡ ኣብ ከይዲ እዩ ዝኽወን። ሕጂ እውን እቲ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፈላልይ ዘሎ ኵሉ ቲዮሎጊያውን ስነ ቤተ ክርስቲያናውን ፍልልያት ዝስገር ኣብቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ እዩ፡ ቢሎም ኵርያ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘካይዶ ርክብ፥ ናይቲ ግርጭት ዝብል ስልጣኔ እንኰ ኣማራጺ ናይ ተራኻብነት ስልጣኔ ምዃኑ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

በዓለ ልደት ናይ እምነት በዓል ኢዩ

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ ንኵርያ እንከጠቓልሉ፥

በዓለ ልደት ኣብ ቅልውላው ዘየእትው፡ ኣብ ቅልውላው ዘሎ ዘየዕብይ እምነት ክዓብይን ክዅስኰስን ከምዘለዎ፡ ሕቶ ዘየቕርበልና እምነት፡ ንእምነት ሕቶ ከነቕርብ ዘተባብዓናን፡ ዝዕብለልና መላኺ ዘይኰነስ  ናይ ዘናውጽ እምነትን፡ ኣብ ስነ ፍልጠትን ስነ ምርምርን ዝተመርኵዘ ዝሁም ወይ ከኣ ልቡጥ እምነት ሓደ ናይ እምነት ሕቶ እዩ፡ እምነት ዘዕተር ኣብ ልብናን መንፈስናን ኵለንተናናን እግዚኣብሔር ክውለድን፡ ኣብ ናይ ልባትና መብልዒ ማል ክውለድን ከዋኽብቲ ሰማይ ናብ ቤተ ልሔም ናብቲ ወልደ እግዚኣብሔር ዝተወልደሉን ናብቲ ተድላን ጣዕምን ዝተመልኤ ቤተ ንጉሳን ዘይኰነስ ናብቶ ድኻታትን ትሑታንን ከመርሑና ምፍቃድ ማለት እዩ፡ እዚ እዩ ልደት፡ ልደት ናይ እምነት በዓል እዩ።

ናይ በዓለ ልደት ገጸ በረከት ቅዱስ ኣቦና ንኵርያ

ቅዱስ ኣቦና ንመላእ ናይ ኵርያ ሓለፍትን ሰራሕተይናታትን ናይ ኣባ ብፁዕ ማሪያ ኤውጀኒዮ ባምቢኖ፥ “Je veux voir Dieu” “Voglio vedere Dio”  “ንእግዚኣብሔር ኪርእይ እደልይ” ዘርእስታ ናይ ስነ መንፈሳዊ ቲዮሎጊያ መጽሓፍ ናይ በዓለ ልደት ገጸ በረከት ንኹሎም ኣባላት ኵርያ ለጊሶም፡ ናይዛ መጽሓፍ ትሕዝቶ ንሰናይና እዩ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.