2017-12-26 17:09:00

ነዛ ዓለምናስ ሰብ ዝነብረላን ንሕጻናት ትግባእን ንግበራ! ር.ሊ.ጳ


ዓመት መጸ በዓለ ልደት ኣብ ዝዝከረሉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብኡርቢ ኤት ኦርቢ ትርጉሙ ከኣ ነታ ከተማን ንመላእ ዓለምን ዝብል ኮይኑ መንበረ ጴጥሮስ ንዝኾነት ከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን ዝኸውን መልእኽቲ ካብ ሰግነነት ገበላ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ምትሕልላፍ ሓዋርያዊ ቡራኬ ይህቡ፣ ናይ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎምዘመን መልእኽቶም ብቀንዱ ናብ ሕጻናት ዘተኮረ እንክኾን ነዛ ብህቦብላ ንፋስ ናይ ውግእን ብስም ምዕባሌ ዝስዕብ ዕንወት ገዛእ ርእስናን ማሕበረሰብ ኣከባብን ገዲፍና እዛ ዓለምና ሰብ ክነብረላ ዝኽእል ምናዳ ከኣ ነቶም መጻኢ ንዝኾኑ ሕጻናት ትግባእ ኮይና ክትረከብ ገለ ንግበር ክብሉ ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣመሓላሊፎም፣

 ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና!

ኣብ ቤተልሔም ካብ ድንግል ማርያም ኢየሱስ ተወሊዱ፣ ብድላይ ሰብ ኣይኮነን ዝተወልደ እንታይ ደኣ በቲ እግዚብሔር ኣብ ዝሃበና ፍቅሪ ኮይኑ ከምቲ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ‘ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ሕይወት ዘለዓለም ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ እግዚአብሔር ነቲ ወልድ ዋሕድ ኣብ ምውፋይ ክሳብ ዚበጽሕ ንዓለም ኣፍቀሮ’ (3.16) ዝብሎ እዩ፣

እዚ ፍጻሜ እዚ ሎሚ በቲ ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ትርክብ ቤተ ክርስትያን ሎሚ ይሕደስ ኣሎ፣ እምነት ሕዝበ ክርስትያን በቲ ናባን ዝመጽእ እግዚብሔር ምሥጢር ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ልደት እንደገና ህያው ይኸውን፣ ነዚ ከኣ መዋቲ ሥጋና ለቢሱ ትሕት ይብል እሞ ንከድሕነና ድኻ ይኸውን፣ እዚ ከኣ ብታሕጓስ ይመልኣና ከመይ ርህራሔ ናይ ሰማያዊ ኣቦና ብዘይመጠን ዓቢ ስለዝኾነ እዩ፣

ድሕሪ እኖና ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ነቲ ትሑት ክብሪ መድሃኔ ዓለም ዝረኣዩ ናይ ቤተልሔም ጓሶት እዮም ነሮም፣ ነቲ መላእኽቲ ዝሃብዎም ምልክታት ኣለልዮም ነቲ ሕጻን ኣምልኾ ኣቅሪቦም፣ እዚኦም ትሑታት ዝኾኑ ግንከ ብምስትውዓል ዝሕልው ጓሶት እዚኦም ኣምሳል ናይቶም ኣብ ዘዘመኑ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓቢ ምስጢር ናይ ኢየሱስ ብትግሃት ዝነብሩ በቲ ድኽነቱ ዘይዕንቀፉ ኮይኑ ግን ከም እኖና ድንግል ማርያም ብቃል ኣምላኽ ዝተኣማመኑን ገርሀይና ብዝኾነ ኣመለኻኽታ ንክብሪ እግዚብሔር ዘስተንትኑን እዮም፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስጢር ስጋ ናይ ዝለበሰ ቃል ናይ ኩሉ ቦታ ክርስትያን እምነቶም ምስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኮይኖም ‘ክብሩ ረኣና! ክብሩ ኸኣ ኸምቲ ኽብሪ ናይ ወልድ ዋህድ ነቦኡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ረኣናዮ’ (1.14)እናበሉ እምነቶም ይምስክሩ፣

ሎሚ ዓለምና ንፋስ ውግእ ኣብ ዝነፍሰሉን ደቂሰባት ምዕባሌኦም ሕሉፍ ሓሊፍዎ ንክብሪ ሰብ ዘዋርድ ማሕበራውን ኣከባብያውን ዕውነት ዘስዕብን ኮይንዎ ኣብ ዘሎ እዋን በዓለ ልደት ብምልክት ሕጻን ይዛረበና ኣሎ! በዚ ምልክት ገርና ከኣ ናይቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሕጻናት ብሕልፊ ከኣ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ሕጻን ‘ኣብቲ መሕደር ኣጋይሽ ቦታ የለን’ (ሉቃ 2.7) ብዝብል ምስምስ መሕደሪ ንዝሰኣኑ ሕጻናት ክነስተውዕለሎም ንጽዋዕ ኣሎና፣

ንኢየሱስ ሕጻን ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጠኤማውያንን  ዘሎ ውጥረት ዝሳቀዩ ዘለው ሕጻናት ማእከላይ ምብራቅ ንርእዮ! ኣብዚ በዓላት ዘመነ ልደት ጐይታ ንኢየሩሳሌምን ንመላእ ቅድስት መሬትን ሰላም ክህብ ንማህለል! ኣብ መንጎ እቶም ዝጋጨው ዘለው ኣካላት እንደገና ናብቲ ብዘተ ዝርከብ ፍታሕ ከምለሱን ብእንካ ሃባ ከኣ ክልተ መንግሥታት በብዘለውዎ ኣብቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ፍሉጥ ዝኾነ ውሽጢ ዶባተን ኮይነን ብሰላም ክነብራሉ ዝኽእላ ስምምዕ ንክበጽሑ ሠናይ ድሌት ክህልዎም ንጸሊ፣  ነዛ ተበታቲናን ቈሲላን ዘላ መሬት ንምሕጋዝ ብሠናይ ድሌት ተበጊሶም ተጻይ ኩሉ ብደሆታትን ዕንቅፋታትን ዝተኻእሎም ንከበርክቱ ዝቃለሱ ንዘለው ዓለምለኸ ማሕበረሰባት እግዚብሔር ክድግፎምን ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕን ፍትሕን ውሕስነትን ክህቦም ንለምን፣

ንኢየሱስ ሕጻን ኣብቲ ገና ብበሰላ ናይቲ ንሃገሮም ንዓመታት ዘድመየ ውግእ ዝማደየ ገጻት ሕጻናት ሶርያ ንርእዮ፣ ፍትውቲ ሃገረ ሶርያ ክንዮ  ዓሌታውን ሃይማኖታውን ፍልልይ ዝኸይድ ማሕበረሰባዊ ዳግመ ስርርዕ ንምግባር ብሓባር ሓላፍነት ብምልባስ ክብሪ ኩሉ ወዲሰብ ዝሕለወሉ ኩነት ክትረክብ ንምነ፣ ንኢየሱስ ሕጻን ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ብዝተኻየደ ውግእ ገና ቊስሎም ዘይሓወየን ብጽልኢ ተመቃቂሎም ዘለውን ሕጻናት ኢራቅ ንርእዮ፣ ከምኡውን ዓለም ብዓለማ ረሲዓቶ ዘላ ዓቢ ግጭት የመን ብዓሚቊ ሰብኣዊ ቅልውላው ትሕመስ ዘላ ሕዝባ ከኣ ኣደዳ ሕማምን ጥሜትን ኮይኑ ናይ ዘላ የመን ሕጻናት ንርእዮ፣

ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ሕጻናት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕጻናት ደቡብ ሱዳን ሶማል ቡሩንዲ ዲሞክራስያዊት ኮንጎ ማእከላይ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ንርእዮ፣

ንኢየሱስ ሕጻን ኣብተን ሰላመንን ውሕስነተንን ብሓደጋ ውጥረትን ሓደስቲ ግጭታትን ዝሕመስ ሕጻናት መላእ ዓለም ንርእዮ። ኣብ ደሴት ኮርያ ዘይምርዳዳእ ኣብቂዑ ንሠናይ መላእ ዓለም ምትእምማን ክፍጠር ንጸሊ፣ ንሃገረ ቨነዝወላ ብፍሉይ ዓይኒ ጠሚቱ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሕብረተሰባ ጥዑይ ዝምድና ዳግም ብምፍጣር ንፍቁር ሕዝቢ ቨነዝወላ ዝጠቅም ፍረ ክርከብ ናብ ኢየሱስ ሕጻን ነወፍያ፣

ንኢየሱስ ሕጻን ኣብቶም ምስ ስድራቤቶም ናይቲ ግጭት ዓመጽ ግዳይ ዝኾኑን ከበድቲ ተጽዕኖ ሰብኣዊ መሰላትን ዝስከሙ ሕጻናት ኡክራይና ንርእዮ፣  ነዚ ክቡር ሃገርዚ ብዝቀልጠፈ ሰላም ክህባ ንጐይታ ንለምን፣

ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ሕጻናት ናይቶም ሥራሕ ዘይብሎም ወለዲ ንደቆም ውሑስን ሰላማውን መጻኢ ንምብርካት ዝቃለሱ ሕጻናት ንርእዮ፣ ብሕልፊ ኣብቶም ሕጻንነቶም ዝተሰርቀ ብሕጻንነቶም ክሰርሑ ዝግደዱ ዝኸፍአ ከኣ ሕልና ብዘይብሎም ዕሱባት ከም ሰራዊት ዝተታሕዙ ሕጻናት ንኢየሱስ ሕጻን ንርእዮ፣

ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ሕጻናት ናይቶም ቤትንብረቶም ገዲፎም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ክሳብ ኣብ ትሕቲ ኢሰብኣዊ ኩነታት በይኖም ክጐዓዙን ዓደዳ ነጋዶ ደቂሰባት ዝኾኑን ሕጻናት ንርእዮ፣ በዕይንቲ እዞም ሕጻናት እዚኦም ናይቶም ንሕይወቶም ከይትረፈ ኣብ ሓደጋ ዘውድቊ ኣድካሚ ጉዕዞታት ሓንሳብ ሓንሳብ ብሕማቅ ናይ ዝውድኡ ጒዕዞታት ድራማ ናይ ብዙሓት ስደተኛታት ክንርኢ ንኽእል፣

ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ናይ መጨረሻ ሓዋርያዊ ጉዕዞም ኣብ ምያንማርን ባንግላደሽን ዝረኸብኵኦም ሕጻናት ርእየዮ፣ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ከኣ ናይዞም ኣብዚ ዞባ ዝርከቡ ውሑዳን ክብሪ ክሕሎን ንዝግበር ጻዕሪ ክቅጽሉሉ እላቦ፣ ጋሻ ኰንካ ዝቅበለካ ምስ ትስእን ዝስመዓካ ስቃይ ኢየሱስ ኣጸቢቁ ይፈልጦ እዩ፣ ከምኡ እውን ርእስኻ እተጸገዓሉ እምኒ እኳ ምስ ሰኣንካ ዝስመዓካ ድኻም ይፈልቶ እዩ፣ ልብታትና ከምቲ ኢየሱስ ሕጻን ክውለድ ገዛውቲ ቤተልሔም ተዓጺዮሞ ዝነበሩ ኣይተዓጾ፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ንዓናውን ከምቲ ናይ ጓሶት ‘በጭርቅቲ ዝተቅለለ ሕጻን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ክትረኽቡ ኢኹም’ (ሉቃ 2.12) ዝብል ምልክት ልደት ተዋሂቡና ኣሎ፣  ከም እኖና ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ከማኡውን ከምቶም ጓሶት ቤተልሔም ነቲ ምእንታና ሰብ ዝኾነ ፍቅሪ እግዚብሔር ኣብ ኢየሱስ ሕጻን ንቀበል! ብጸጋኡ ከኣ ነዛ ዓለምና ሰብ ዝነብረላ ብሕልፊ ከኣ ንናይ ሎምን ጽባሕን ሕጻናት እትግባእ ንክንገብራ ንተዓጠቅ፣

ንዓኹም ካብ ክፍልታት ኩሉ ዓለም ኣብዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺብኩም ዘሎኹምን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብረድዮን ተለቪዥንን ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓንን ትከታተሉ ንዘሎኹም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ልበይ ዝነቀለ ሰናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም፣

ናይ መድሓኔ ዓለም ክርስቶስ ልደት ልባትና የሐድስ! ሕውነትን ምትሕግጋዝን ዝዓሰሎ መጻኢ ናይ ምህናጽ ሃረርታ ይቀስቅሰልና! ንኩልና ሓጐስን ተስፋን የምጽአልና! ቡሩኽ በዓለ ልደት!

 








All the contents on this site are copyrighted ©.