2017-12-29 14:09:00

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊት ቀጻልነቱ ኣብ ቅዱስ ኣቦና ትምህርቲ ይከላኸሉ


ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት መበል 70 ዓመተ ልደትን መበል 40 ዓመት ማዕርገ ክህነትን ብፁዕ ካርዲናል ገርሃርድ ሚዩለር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥ ካህን ኣቡነ ካርዲናልን ጠሪሹ ጡረተይና ኣይከውንን ከምዝበሉ ናይ ቫቲካን ረዲዮ መደብ ቋንቋ ጀርመን ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ በርንድ ሃገንኮርድ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፥ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኰይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር “እግዚኣብሔር ስላሴ፡ እምነት ክርስትና ኣብ ዘመነ ዓለማዊነት (ስነ ምግባርን ትምህርትን ኣብ ሃይማኖት ክምርኮዝ የብሉ ዝብል ባህሊ)” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝደረስዎ መጽሓፍ ብምኽንያት ዕለት 31 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ዘብዕልዎ መበል 70 ዓመተ ልደቶም ምኽንያት ብቤት ማሕተም ሂርደር ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፎም መቕድም ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ካህን ኣቡን ካርዲናል ጠሪሹ ጡረተይና ዘይከውን እዩ እንክብሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ክርስቲያን ዘይቋረጽ ምዃኑ ዘንጽር ቲዮሎጊያዊ ኣመክንዮኡ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዝሓበሩ ኣባ ሃገንኮርድ፥ እቲ 700 ገጽ ዘለዎ ብብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር ዝተደርሰ መጽሓፍ፥ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላን፡ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ኮርት ኮኽን ናይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላን ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተን ናይ ብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር ተኸታሊ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ላዳሪያ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዘሳዅዔ ምዃኑ ገሊጾም፥ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝደረሰዎ መቕድም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንታዊ ሓላፍነት ንሓሙሽተ ዓመት ጥራሕ ይኹን እንክብሉ ዝወሰኑ ምዃኖን ጠቒሶም፥ ስለዚህ ብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር ንሓሙሽተ ዓመት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ኅየንተ ኰይኖም ኣገልጊሎም ልሂቅ እውን እንተዀኑ ሎሚ እውን ብግህዶ ኣብ ኣደባባይ እምነት ዘገልግሉ ካህንን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ኣፍሊጦም።

ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘመሓለፍዎ ናይታ “እግዚኣብሔር ስላሴ፡ እምነት ክርስትና ኣብ ዘመነ ዓለማዊነት” ዘርእስታ መጽሓፍ መቕድም ጽሑፎም፡ ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምሕራዮም ንነዊሕ ዓመታት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ድሕሪኦም እውን ብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር ብህየንተነት ከምዘገልገሉ ዘኪሮም፡ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ምዃን ጥበበይናን ሊቅን ስለ ናይ ስነ ዓንቀጸ እምነት ቲዮሎጊያ ካብ ምዃን ብቕዓት ዝወሃብ ጥራሕ ዘይኰነስ ቲዮሎጊያ ዘይፍጹም ማለት ውሱን ምዃኑ ናይ ምፍላጥ ጥበብ ምህላዉ ንዘሎ ኣፍልጦ ዘጠቓልል እዩ ቢሎም፡ ብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር፥ ኣብ ሮማ ንነዊሕ ዓመት ነዚ እዮም ዝነበሩ፡ በዚ መሰረት፥ ይብሉ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ መቕድም ጽሑፎም ክዛዝሙ፥ ብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር ብመንፈስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንጹርን ቀጻልን ናይ እምነት ባህልን ትዊፍትን ትምህርትን ዝተኸላኸሉን ዘመሓላልፉን፡ ብስልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ እምነት ትውፊትን ባህልን ኣብ እዋናዊ ዓለም ከመይ ክንበር ከምዘለዎ ብዕምቆት ብምስትዓል ዝተንተኑ እዮም ከምዝበሉ ኣባ ሃገንኮርድ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.