2018-01-02 16:46:00

ቅዱስ ኣቦና እንታይነት መጻኢ ኵናት ብዝብል እርእስቲ ኣብ ናጋሳኪ ዝተፈጸመ ናይ ኣቶሚክ ቦምብ ሳዕቤን ተወኪሶም ኵናት ይዅንኑ


ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ናጋሳኪ ዝተፈጸመ ናይ ኣቶሚክ ቦምብ መጥቃዕቲ ሳዕቤኑ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ዝገልጽ፡ ሓደ ሕጻን ናይቲ መጥቃዕቲ ኣደዳ ዝዀነ ናይ ሓዉ ሬሳ ሓዚሉ ንኽቐብሮ እናተጓዕዘ እንከሎ ዘርእይ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ኩነታት ብስእሊ ዝስንድ ጋዜጠይና ጆሰፍ ሮጀር ኦዶነል ብጻሊምን ጻዕዳን ዝተሳእለ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ኵናት ብጭቡጥ ዝገልጽ ስእሊ ዝተነብሮ ዘተሓትሞ ሰታሪት ክታሞም ዘነብርሉ መልእኽቲ ሰላም ከምዘመሓላለፉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 1 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ሕትመቱ የመልክት።

እቲ ናይ ኣቶሚክ ቦምብ ኣደዳ ዝዀነ ናይ ሓዉ ሬሳ ሓዚሉ ሓመድ ኣዳም ንኸልብሶ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሕጻን ዘርኢ ስእሊ ቅዱስ ኣቦና ብሓቂ ውሽጦም ከምዝተከፎምን ሳዕቤን ኵናት ውሽጥኻ ዘንብዕን ዘሕዝንን ክነሱ ፍጥረት ሰብ ስለምንታይ ኵናት ከም መፍትሒ ይመርጽ ዝብል ሕቶ ንዓለም ንምቕራብን ናይ ኵናት ኢሰብኣዊ ጐድንታቱ ዝገልጽ ስእሊ ንጻውዒት ሰላም ከምዝተጠቀምሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ፥ ነቲ ስእሊ ቅዱስነቶም ናይ ኵናት መጻኢ ዝብል ኣርእስቲ ከምዝሃብዎን ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ነቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ኣብ በዓለ ልደት ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣብ ዝሃብውሉ እዋን፥

ኣብ ዓለም ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዘዘንብየሉ ዘሎ እዋንን ዓለም ዝኽተሎ መደብ ልምዓት ሰብኣውነትን ማሕበራውን ምህዳራውን ምንቁልቋል ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ በዓለ ልደት፥ ሕጻን ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ብፍላይ ኣብቶም ከም ኢየሱስ ዝእንገድሉ ስፍራ ዘይብሎም ሕጻናት ወጅሂ ከነለልዮ የተሓሳስበና፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ውጥረት ዝረኣየሉ ከባብን ዝነብሩን ኣብቲ ብውግእ ዘስካሕክሕ ምልክታኡ ዘንበረሎም ሕጻናትን ኣብቶም ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ንነጀው ብውግእን ብዓመጽን ኣብ ዝሳቐዩ ኢራቓውያን ዕሸላትን ሕጻናት የመንን፡ ኣብቲ ብዙሕ ዘይንገረሉ ውጥረን ግጭትን ዝረአየሉ ከባቢ ዓለም ዘለዉ ሕጻናት ወጅሂ ከነለልዮ ንዕደም

ምስ ዝበልዎ ሓሳብ ዝተኣሳሰረን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ብሩንዲን ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐን ረፓሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ናይጀሪያን ብጠቕላላ፥

ኣብቲ ሰላምን ደሕንነት ዝተሓርሞ ከባቢ ዓለምን ኣብቲ ሓደስቲ ውጥረት ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት፡ ቨነዝዋላን ምያንማርን ባንግላድሽን ኡክራይንን፡ ወለዳቶም ብስእነት ስራሕ ዝሳቐዩን ዕሸል ዕድሜኦም ተመንዚዖም ንስራሕ ዓለም ኣብ ዝዳረጉን ጭካኔ ብዝተመልኦ ኢሰኣዊ ተግባር መጋበርያ ዓመጽን ውግእን ንኽዀኑ ኣብ ዝገደዱን፡ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ኢሰብኣዊ መነባብሮ ገዛእ ርእሶም ነኼድሕኑ ኣብ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ብቐሊሉ ነቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ኣዋፈርቲ ሓድሽ ባርነት ኣደዳ ኣብ ዝዀኑ ኣብ ናይ ሕጻናት ወጅሂ ንኸነለልዮ ይዕድመና፡

ከምዝበሉ እንክዝከር፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላም ምልእኽቲ ንኸመሓላልፉ ዝተጠቀሙሉ ናይ ውግእ ሳዕቤን እንታይ ምዃኑ ብትኽክል ዝገልጽ ናይቲ ናይ ኣቶሚክ ቦምቢ ኣደዳ ዝዀነ ናይ ሓዉ ሬሳ ሓዚሉ ዝጓዕዝ ዝነበር ሕጻን ዘርእይ ሓቀይና ታሪኽ ዝገልጽ ናይ 1945 ዓ.ም. ስእሊብምጥቃም ናይ ሰላም ጻውዒት ብምቕራብን እንነብረሉ ዓለም ካብ ኑክለሳዊ ኣጻዋር ናጻ ክኸውንን ናብ ምሉእ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጻዋር ከምቲ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብብርቱዕ ቃል የቕርቡ። ውግእ ሓቀይና ውሕስነትን ደሕንነት ዘየምጽእን መሰረተ ሰላም እውን ከምዘይኰውን ኣፍልጦ ብምሃብ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣስተንፍሶኡ ኣብ ስነ ምግባራዊ ምትሕብባር ከንብር ይዕድሙ። እዚ ድማ እቲ ናይ ኦዶነል ዘቕርቦ ምስሊ ካብ ርሑቕ እዋን ዘዘኻኽሮ ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ሰላም ኣብ ልብን ኣእሮን ኩሉ ክስትንተንን ክረጋገጽን ነቲ ስእሊ ብምጥቃም ጻውዒት የቕርቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.