2018-01-02 16:26:00

ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘቕረቦ ኣብ 2017 ዓ.ም. ጸብጻብ ዝተቐትሉ ልኡካነ ወንጌል


ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ልኡካነ ወንጌል ዛዕባ ዝገበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ናይቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጋዜጠይና ጃኒ ቫለንተ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ አካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ጸብጻብ ኣብ ዓለም ዓመጽን መቕተልትን ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላው ዝሕብር ኰይኑ ቤተ ክርስቲያን ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ልኡካነ ወንጌል ዝፍጸም መቕተልቲ ዝኽሪ ናይ እምነት ሰማዕትነት ገይራ ኣብ ልኡካነ ወንጌላዊነት መሰረታዊ ተልእኾ ድሕነት ዝተቐበለቶ ጸዋዕታ ክትቕጽል እትበራትዓሉ ኢዩ ቢሎም፥

ኣብቲ ኤኮኖሚያውን ግብረ ገባው ድኽነት ዝረአየሉ ስፍራ ስልጣን መጋበርያ ዓመጽ ጸቕጢ መርሓ ጠባይ ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ  ዓለም ኣብ 2017 ዓ.ም. 23 ልኡካነ ወንጌል ከምእተቐትሉ እቲ ጸብጻብ እንከመልክት፥ እቲ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ንንባብ ዘብቀዖ ጸብጻብ መስዋዕቲ ልኡካነ ወንጌል ኣብ 2017 ዓ.ም. ናይቲ ሰፊሕ ዝፍጸም መቕተልቲ ዓመጽ ጋህዳዊ ጫፍ ምዃኑ ቫለንተ ሓቢሮም፡ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ወንጌላዊ ተልእዀ ኣገልግሎቶም ናይ ዓመጽን ውዱብ ናይ ገበን ጉጅለታትን ግብረ ጨወያን ኣደዳ ከምዝዀኑ ዘነጽርን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ምስ ሕዝብን ንሕዝብን ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

እቲ ዘገርም ድማ መቕተልቲ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ላቲን ኣመሪካ ክብ ምባሉ እዩ

ቅድም ቀዳድም እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ቆላሕታ ዘይረክብን ከም ሓበሬታ እውን ዘይግለጽን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ልኡካነ ወንጌልን ዝፍጸም ዓመጽ ዝገልጽን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ዝተቐትሉሉ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፈልሉ ክፍሊ ዓለም እዩ። ስለዚህ ኣብቲ ብዙሃን ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ ኣብ ዝርከቡለን ሃገራትን እስያን ዝፍጸም ኣይኰነን፡ መክሲኮ እታ ብብዝሒ ልኡካነ ወንጌል ዝቕተሉላ ሃገር እያ። እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሕዝቢ ምዃና እዩ ዝምስክር፡ ወንጌል ዕንቅፋት እዩ፡ ሓቂ ኣብ ሓሶትን ጸልማትን ምንባር ንዝመርጽ ድምጺ ሕሊና እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ልኡካነ ወንጌል ዝፍጸም መቕተልቲ ብመንጽር እምነት ምንባብ

እቲ ጸብጻብ ፍጻሜታት ብኣሓዝ ዘቕርብ ግሉልን ዘይሕውስን ብርሑቕ ከም ተዓዛቢ ብምክትታል ዘይኰነስ ኣብቲ ጽንኩር ኵነት ሱታፌ ዘለዎ እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ልኡካነ ወንጌል ዝፍጸም መቕተልቲ ብመንጽር እምነት ዘንብብ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ስለ ሰማዕታታ ከተስቆርቍር ተራእዩ ኣይፈልጥን፡ ብኽብሪ ኣብ ክርስቶስ ከተኽብሮምን ክትዝክሮምን እንተዘይኰይኑ ናይ እምነት ጀጋኑ ቢላ ከተብዕሎም እዩ ዝረአይ። እቲ ጸብጻብ ነዚ እዩ ዘጉልሕ፡ ናይ እምነት ሰማዕታት ዝኸፍልዎ ደም ዘርኢ ክርስትና እዩ ናብ ዝብል ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሰንይ እዩ፡ እቲ ናይ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘቕረቦ ጸብጻብ ንገዛእ ርእሱ ወንጌላውነት እዩ እንክብሉ ብዛዕባ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.