2018-01-04 17:03:00

ብፁዕ ካርዲናል ሞንሰንግዎ፡ ኣብ ኮንጐ ናይ መንግስቲ ኣካላት ብቕዓት ዘይብሎም ነቲ ዘሎ ጭቡጥ ኵነት ዘይረድኡ እያቶም


ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ህልዉ ኩነት ሕጂ እውን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንሰንግዎ ፓሲንያ እንክሕብሩ ሕጂ እውን እቲ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ካቢላ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕጋት ሓይሊ ጸጥታ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብዙሓት ንሓደጋ ከምዘቃልዔን 8 ዜጋታት ከምእተቐትሉን 130 ድማ ከምእተኣስሩን ካብታ ሃገር ዝፍነዉ ዜናታት ዝጠቐሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ናይ ረፓሊካዊት ኮንጐ ብፁዓ ጳጳሳት ጉባኤ እቲ ዕለት 31 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. እቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንምፍታሕ ዝብል ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ቅዱስ ሲልቨስተር ክኽበር ጻውዒት ብምቕራብ ርእሰ ብሔር ካቢላ ድሕሪ ሕልፈት ወላዲኦም ርእሰ ብሔር ላውረንት ደሲረ ካቢላ ካብ 2001 ዓ.ም. ኣትሒዞም ንኽልተ ሳዕ ነታ ሃገር ብርእሰ ብሔርነት ይመርሑ ከምዘለዉን ከምቲ ናይታ ሃገር ቅዋም ዝሕብሮ ርእሰ ብሔር ንኽልተ ሳዕ ናይ ተልእኾ ሓላነት ዝብሎ ውሳኔ መስረት ዕለት 20 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ዘብቅዔ እውን እንተዀነ ሕጂ እውን ኣብ ስልጣን ከምዘለዉን ሕዝቢ እቲ ናይ ቅዱስ ሲልቨስትሪ ስምምዕ ክኽበር ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ የካይድ ከምዘሎ ካስተሊ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንሰንግዎ ፓሲኒያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ፈረንሳይ ንኣፍሪቃ ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዣን ፒየር ቦድጆኮ ብስልኪ ሎሚ ዕለት 4 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ክሳብ ኣቢያተ ክርስቲያን ብምእታው ዘንብዕ ጋዝ ክለቁ ዝተራእየ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብሓቂ ዘሕዝን ብሱቕታ ዘይሕለፍ ወሰን ትዕግስቲ ዝፈታተን ተግባር እዩ፡ መስቀልን መቁጸርያን ቅዱስ መጽሓፍን ሒዙ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሕዝቢ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ምርኣይ መንግስቲ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ናይ ምስትዓል ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ ዝሕብር ኢሎም።

ብዘይ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ካልእ ኵሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሃደሽ ይብል። እቶም ነቲ ናይ ሃገር ጭቡጥ ኩነት ከንብቡን ኣስሰውዒሎም ከምርሑ ዘይክእሉ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ስልጣኖም ነቶም ብቕዓት ዓቕም ዘለዎም ኣካላት ከረክቡ ኢዩ ዘለዎም   እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.