2018-01-04 16:58:00

ኣይቮርይ ኮስት፡ ብፁዕ ካርዲናል ኩትዋ፥ ሰላም ንኵለ መዳያዊ ምዕባለ ቅድመ ኵነት እዩ


ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ከተማ ኣቢጃን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዣን ፒየር ኩትዋ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ ተወኪሶም ምእመናንን ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብሓባር ንናይ ሃገር ሰላምን ምዕባለን ርግኣትን ክዓዩ ሓደራ ከምዝበሉ ካብ ኣይቮርይ ኮስት ሰበኻ ዝወጸ መግለጺ ዝጠቐሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢሳበላ ፒሮ ሓቢረን።

ነቶም ብስእነት ሰላምን ምርግጋእን ዝሳቐዩ ሕዝቢታት ክንሓስብ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ናይቲ ካብ ስደትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምቅስቃስ ብፍላይ ድኽነት ዝድርዀ ናይ ስደት ተመክሮ ምልስ ቢልና ከነስተውዕል ይገብረና ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ኩትዋ ኣስዒቦም፥ እቲ ተኸባቢርካን ተቐባቢልካን ብሓባር ናይ ምንባር ናይ ኣይቮርይ ኮስት ዝተረጋግኤ ናይ ሓባር ናብራ ሎሚ በቲ ኣብታ ሃገር ብዝረአይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝውወር ብረት ኣዚዩ ንስግኣት ተቓሊዑ ናይ ሕዝብን ሃገርን ምርግጋእ ንዓቢይ ሓደጋ ተቓሊዑ ኣሎ ከምዝበሉ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ሓቅነት ዘለዎ ተኣማኒ ኩነት ምሕያል፥ ካልእ ናይ ሃገርን ሕዝብን ቅሳነትን ሰላምን ዝሕውኽ እቲ ኣሿኽን ስንኩፍን ኩነት ምዝብልናን ስደትን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጎኑን ዜጋታትን  ናይ ኣቢያተ ትምህርትን በራት ባሕርን ኵነትን ስዒቡ እውን ቅንእን ኢጐነትን ደርባውነትን ናይ ስልጣን ጐነጽን ሕድገታት ዘየማእክል ፖለቲካዊ ከይድን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ምርጫታት ዘርዚሮም ይብሉ፥ ናይ ሓድነትን ውህደትን ኣድላይነት ብምስትውዓል ሓቅነት ዘለዎ ተኣማኒ ኩነት ብሓባር ነሐይል ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥ በቲ ሃገርን ሕዝብን ዝገማምዕን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ምግምማዕ ውልቃዊ ህንጥይና ናይ ሃገርን መንእሰይ ወለዶን መጻኢ ኣይንሰውእ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ናይ ፍትሕን ምክብባርን ምቅብባልን ባህሊ ምንቅቓሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ብትረት ገሊጾም፡ ነቶም ሃገሮም ብልጽትን ኣብ ፍትሕን ምክብባርን ትዕግስትን ቅሳነትን ፍቕርን ዝቖመት ምዕብልቲ ክትከውን ዝጽዕሩ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ምንቅቓሕ ትጉሃት ክዀኑ ሓደራ ቢሎም። ሓደራ ሰላም ንኵለ መደያዊ ምዕባለ ቅድመ ኩነት እዩ ከምዝበሉ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ሰበኻ ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.